ኣብቲ ፈጺሙ ዘይድገም ዕዮ ተኻፈሉ
1 የሆዋ ኣብ ብምልኡ ታሪኽ ደቅሰብ: ኣብ እተፈላለየ እዋናት ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ፍርዲ ከውርድ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ብምኽንያት ምሕረቱ ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ክድሕንሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚ ኣዳልዩሎም ኢዩ። (መዝ. 103:13) እቲ ንምሕረቱ ዘርእይዎ መልሲ ድማ ንመጻኢኦም ዝውስን ኢዩ ነይሩ።
2 ንኣብነት: ቅድሚ ማይ ኣይሂ ብ2370 ቅ.ኣ.ዘ. ‘ኖህ ሰባኽ ጽድቂ’ ኢዩ ነይሩ። ነቲ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ሸለል ዝበልዎ ሰባት ጥራይ ኢዮም ጠፊኦም። (2 ጴጥ. 2:5፣ እብ. 11:7) የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምጥፍኣ: የሱስ ካብቲ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ክወርድ ዝነበሮ ዕንወት ክድሕን ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክወስዶ ዘድልዮ ስጕምቲ ብንጹር ገሊጽዎ ኢዩ። እቶም ነቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቱ ዝነጸግዎ ኵላቶም ድማ ዘሕዝን ሳዕቤን ኣጋጢምዎም ኢዩ። (ሉቃ. 21:20-24) ከምዚ ዝኣመሰለ መለኮታዊ መጠንቀቕታታትን ፍርድታትን ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ግዜ ተደጋጊሙ ኢዩ።
3 ዘመናዊ ናይ መጠንቀቕታ ዕዮ:- የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ ሎሚ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ቍጥዕኡ ከም ዘውርድ: እቶም ትሑታት ጥራይ ድማ ከም ዝድሕኑ ነዊሕ ይገብር ኣዊጁ ኢዩ። (ጸፎ. 2:2, 3፣ 3:8) እዚ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ዝስበኸሉ ግዜ ቀልጢፉ ይውዳእ ኢዩ ዘሎ! እቲ “ዓቢ ጸበባ” ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ: እቶም ትሑታት ሰባት ድማ ሕጂ ይእከቡ ኣለዉ። ብርግጽ: ‘ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ።’ ስለዚ ድማ ብኣገዳስነቱን ህጹጽነቱን ምስዚ ክወዳደር ዝኽእል ካልእ ዕዮ የለን።—ማቴ. 24:14, 21, 22 NW፣ ዮሃ. 4:35
4 “እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም” ነዚ ዘመናዊ መጠንቀቕታ ንኻልኦት ኣብ ምንጋር ክንካፈል ኣሎና። እዚ ሸለል ክንብሎ ዘይግብኣና ኣምላኽ ክንገብሮ ዝመዘዘና ዕዮ ኢዩ። (ህዝ. 2:4, 5፣ 3:17, 18) ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምክፋልና ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ: ንጐረባብትና ናይ ሓቂ ሓልዮት: ኣብቲ መድሓኒና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ድማ ዘይትናቓነቕ እምነት ከም ዘላትና ዘእምን መርኣያ ኢዩ።
5 ስጕምቲ እንወስደሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ:- ድሕርቲ የሆዋ ዝወሰዶ ናይ ፍርዲ ስጕምትታት: ክፍኣት ከም ብሓድሽ ጀሚሩ ኢዩ: ምኽንያቱ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ገና ይዓዩ ነይሮም ኢዮም። እቲ ሕጂ የሆዋ ዝወስዶ ስጕምቲ ግን እተፈልየ ኢዩ ክኸውን። ናይ ሰይጣን ጽልዋ ካብ ሱሩ ከልግስ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ “ዓቢ ጸበባ” ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታ እንደገና ፈጺሙ ኣይከድልን ኢዩ። (ራእ. 7:14 NW ፣ ሮሜ 16:20) ኣብዚ ዘይድገም ዕዮ ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣሎና። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ግዜ ሕጂ ኢዩ።
6 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ስብከት ንጥፈታቱ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን “ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ [ኢየ]” በለ። (ግብ. 20:26) ነቲ መጠንቀቕታ ካብ ምቅላሕ ብምስናፍ ዝመጽእ ምንም ናይ ደም ገበን ኣይተሰምዖን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ “እናተጋደልኩ: እጽዕር አሎኹ” ክብል ይኽእል ነይሩ ኢዩ። (ቈሎ. 1:29) ኣብዚ ፈጺሙ ዘይድገም ዕዮ ክሳዕ እቲ ዝከኣለና ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል ከምዚ ዝኣመሰለ ዕግበት ነስተማቕር!—2 ጢሞ. 2:15