እዋን በዓል ዝኽሪ—ኣገልግሎትና እነዛይደሉ ኣጋጣሚ
1. “በዓላት እግዚኣብሄር” ኣብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም እስራኤላውያን እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧
1 ጥንታዎት እስራኤላውያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት “በዓላት እግዚኣብሄር” ዜብዕሉሉ ፍሉይ እዋን ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 23:2) ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ሰናይ ነገራት ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ ኼሕልፉ ኸለዉ: ዓብዪ ሓጐስ ይሕጐሱን ኣብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ዝያዳ ቐናኣት ኪዀኑ ይለዓዓሉን ነበሩ።—2 ዜና. 30:21–31:2
2, 3. ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ኸነዛይድ ዘሎና ስለምንታይ እዩ: በዓል ዝኽሪኸ መዓስ እዩ ኺበዓል፧
2 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እውን: ነቲ ብሓጐስ እንፍጽሞ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታትና ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን በዓል ዝኽሪ ነዛይዶ ኢና። እዚ ነቲ የሆዋ ሓደ ወዱ ኣብ ክንዳና በጃ ኺሓልፍ ብምፍቃዱ ዝሃበና ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ እንገልጸሉ ኣጋጣሚ እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ጴጥ. 1:18, 19) ነቲ ኣምላኽን ወዱን ዘርኣዩና ፍቕሪ ምስ እነስተንትነሉ: ንየሆዋ ንኽንውድሶን ፍቓዱ ንምግባር ገዛእ ርእስና ኽንውፍን ክንለዓዓል ኢና።—2 ቈረ. 5:14, 15
3 ኣብዛ ዓመት እዚኣ ድራር ጐይታ ሓሙስ 24 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺበዓል እዩ። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ተሳትፎ ኣብቲ ፍሉይ ናይ ዞባ ወፈራ ዚግበረሉ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትንከነዛይዶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4, 5. (ሀ) ገሊኦም ነቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ኬካፍሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ከባቢኻ ዝያዳ ኣስላጢ ዀይኑ ዝረኸብካዮ እንታይ መገዲ ኣሎ፧
4 ንብዙሓት ሰባት ምምስካር:- ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንብዙሓት ሰባት ክትምስክረሎም ዜኽእለካ መገድታት ንምንዳይ ዝከኣለካ ዘበለ ግበር። ኣብዚ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ዘይተሸፈነ ዞባ ንምሽፋን ግዜ መድብ። ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ቤቶም ዚርከብሉ እዋን ማለት ድሕሪ ቐትሪ ወይ ናይ ምሸት ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ትኽእልዶ፧ ኣብታ ዘለኻያ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ዘለዉ ገለ ኣሕዋት እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ኣገልግሎት ኪኸዱ ምስ ዚደልዩ: እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ሕጽር ዝበለ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ብምግባር ኣብቲ ኸባቢ ንኸተገልግሉ ኺምድብ ይኽእል እዩ።
5 ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምስባኽ ድማ ንብዙሓት ሰባት ክትምስክረሎም ዚሕግዝ ካልእ መገዲ እዩ። ሓንቲ ኣብ ጃፓን እትነብር ሓብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እናሃለዋ ኽነሱ ሓጋዚት ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ደለየት። ሓደ ሽማግለ: ኵሉ መዓልቲ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምውፋራ ኣብ ጥቓ መደበር ባቡር ኰይና ናይ መገዲ ምስክርነት ክትገብር ከም እትኽእል ነገራ። ነቲ ዝነበራ ናይ ሕፍረት ስምዒትን ካብ ገሊኦም ተጓዓዝቲ ዚወርዳ ዝነበረ ላግጽን ምስ ተዋጽኣትሉ: ስርዓታዊት ኰይና መጽሔት እተብጽሓሎም ተጓዓዝቲ: ሰራሕተኛታት መደበር ባቡር: ከምኡውን ወነንቲ ናይቲ ኣብ ጥቓኡ ዚርከብ ድኳናት ዝዀኑ ብጠቕላላ 40 ሰባት ረኸበት። ኣብ ወርሒ ብገምጋም 235 መጽሔታት ዓደለት። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥቢ ኣልዒላ ንሒደት ደቓይቕ ምስ ሰባት ብምዝርራባ: ሽዱሽተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሎም ሰባት ክትረክብ ክኢላ እያ።
6. መንእሰያት መንፈሳዊ ንጥፈታቶም ኬዛይዱ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
6 ንምምስካር ዜኽእል ኣጋጣሚታት:- ብዙሓት ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኻብ ትምህርቲ ዜዕርፍሉ ግዜያት ኣሎ። እዚ ድማ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ኬገልግሉ ዜኽእሎም ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምምስካር ንጥፈታቶም ኬዛይዱ ይኽእሉ እዮም። መማህርትኻ ብዛዕባ እምነትካ ማዕረ ኽንደይ ከም ዚግደሱ ብምርኣይ ክትግረም ኢኻ። ኣብ ውሽጢ ኽፍልኻ ኣብ ዚግበር ምይይጥ ወይውን ንቤት ትምህርትኻ ኣብ እትጽሕፎ ቴማ ምስክርነት ንምሃብ ንምንታይ ዘይትጥቀመሉ፧ ገለ ኣሕዋት ነቲ ብማሕበር ዚወጽእ ቪድዮ ካሴታት ተጠቒሞም ምስክርነት ኪህቡ ኽኢሎም እዮም። ገሊኦም ድማ ንደቂ ኽፍሎም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ህይወቶም ኪውፍዩን ኪጥመቑን ሓጊዞምዎም እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ‘ንስም የሆዋ ኸነመስግነሉ’ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እዩ።—መዝ. 148:12, 13
7. (ሀ) ሓደ ሓው ነቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ንኻልኦት ንምምስካር እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ምስዚ ዚመሳሰል ተመክሮ ኣሎካዶ፧
7 ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ብዛዕባቲ ግሩም ዝዀነ ኣምላኽናን ዜደንቕ መብጽዓታቱን ክትዛረበሉ ዜኽእለካ መገድታት ኣናዲ። ሓደ ዅሉ ግዜ ብባቡር ዚጓዓዝ ሓው ምሹእ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝረኽበሉ እዋን ነቶም ምስኡ ዚጕዓዙ ሰባት ይምስክረሎም ነበረ። ንኣብነት: ባቡር ኪጽበ ኸሎ ንሓደ መንእሰይ ንሓሙሽተ ደቒቕ ዚኸውን መዓልቲ መዓልቲ ይምስክረሉ ነበረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ መንእሰይን ሓደ መሳርሕቱን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ተሰማምዑ። እቲ መጽናዕቲ ኣብታ ባቡር እናተጓዕዙ ኸለዉ እዮም ዜካይድዎ ነይሮም። ድሕሪ ገለ ግዜ: ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምይይጥ እትሰምዕ ዝነበረት ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ናብቲ ሓው ቀሪባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓላ ሓተተቶ። ንሳውን ብተመሳሳሊ ኣብተን በታ ባቡር እትኸደለን መዓልትታት መጽናዕቲ ትገብር ኣላ። በዚ መገዲ እዚ: እቲ ሓው ኣብታ ባቡር እናተጓዕዘ ምስ ዓሰርተ ዚዀኑ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ክኢሉ ኣሎ።
8. ነቶም ብሰንኪ ዕድመ ምድፋእ ይኹን ናይ ጥዕና ጸገማት ዓቕሞም ድሩት ዝዀነ ኣሕዋት: ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎም ተሳትፎ ንኼዛይዱ ዚሕግዞም ከመይ ዝበለ መዳይ ናይ ኣገልግሎት እዩ ዘሎ፧
8 ብሰንኪ ዕድመ ምድፋእ ወይ ናይ ጥዕና ጸገማት ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣዝዩ ድሩት ምስ ዚኸውንከ፧ ኣብዚውን ገና ንየሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኸተዛይደሉ እትኽእል መገድታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ናይ ተሌፎን ምስክርነት ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ እዚ ብኸመይ ኪግበር ከም ዚከኣል ዘይፈተንካዮ እንተደኣ ዄንካ: ምስ ናይ ጉባኤኻ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ተመያየጥ። ምናልባት ብኸምዚ ኣገባብ ዚምስክሩ ኣስፋሕቲ ምሳኻ ዀይኖም ንኺዓዩ ኺምድብ ይኽእል ይኸውን። ሓቢርካ ምዕያይ: ካብ ንሓድሕድካ ብምምህሃርን ብምትሕግጋዝን ኣስላጢ ምስክርነት ንምሃብ የኽእል። ናይ ተሌፎን ምስክርነት ብኸመይ ክትገብር ከም እትኽእል ዚገልጽ ጽቡቕ ሓሳባት ኣብ ናይ ለካቲት 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 5-6 ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
9. ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃሮና ምስታ ጉባኤ ሓቢሮም ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምስታፍ ምእንቲ ኺበቕዑ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
9 ሓደስቲ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ምስ ዚካፍሉ ንየሆዋ ዘለዎም ሞሳ ንኸዛይዱ ህንጥዮት ኪሓድሮም ይኽእል እዩ። ዜተባብዕ ናይ ግራት ኣገልግሎት ተመክሮታት ብምንጋር ከምኡውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታት ኪገልጽዎን ንእምነቶም ኪጣበቑላን ብቐጻሊ ብምልምማድ: ኣብ ስሩዕ ዕዮ ምስክርነት ንኸይሳተፉ ዚዕንቅፎም ዝዀነ ነገር ከም ዚዋጽእሉ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥ. 3:15) ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብስራት ምስባኽ ኪጅምር ምስ ዚደሊ: ምስቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ተመያየጥ። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ድማ እቲ ተመሃራይ ምስታ ጉባኤ ሓቢሩ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪሳተፍ ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ንምውሳን ምስቲ ተመሃራይ ምይይጥ ኪግበር መደብ ኪገብር እዩ። የሆዋ ሓደስቲ ሰባት ኣብቲ ናይ ሉዓላውነት ጕዳይ ብወገኑ ኪቘሙ ኺርኢ ኸሎስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ!—ምሳ. 27:11
10. (ሀ) ጽቡቕ መደብ ምውጻእ ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንና ንኸነገልግል ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዓሚ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል መደብ ኣውጺእካዶ ነይርካ፧ ብኸመይ፧
10 ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን ትኽእልዶ፧ ሓደ ሓጋዚ ፓይነር ኣብ ወርሒ ኼምጽኦ ዘለዎ 50 ሰዓታት ኣርዚንካ ኺርአ ኣለዎ። (ማቴ. 5:37) እዚ ድማ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኣብ ሰሙን ብገምጋም 12 ሰዓታት ከተገልግል ኬድልየካ እዩ ማለት እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሓጋዚ ፓይነር ንኽትከውን ዚሕግዝ መደባት ምስ ኵነታትካ ዚሰማማዕ ኰይኑዶ ረኺብካዮ፧ እንተ ዘይረኺብካዮ: ኣብ ወርሒ መጋቢት: ሚያዝያ ወይ ግንቦት ሓጋዚ ፓይነር ንኽትከውን ዚሕግዘካ መደብ ባዕልኻ ኽትሰርዕ ትኽእልዶ፧ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ንጥፈታት ንኸተዛይድ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ምእንቲ ኺሕግዘካ ናብ የሆዋ ጸሎት ግበር።—ምሳ. 16:3
11. ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዜገልግሉ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧
11 እዋን በዓል ዝኽሪ ንየሆዋ ብፍሉይ ንምውዳስ ዜኽእል ኣጋጣሚ ንኪዀነልካ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኪሕግዙኻ ድሉዋት እዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሽማግለታት ድሕሪ ቐትሪ: ኣብ ናይ ስራሕ መዓልትታት ድማ ምሸት ምሸት ከምኡውን ቀዳመ–ሰናብቲ ኸም ኣድላይነቱ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት መደብ ኪገብሩ እዮም። ሽማግለታት እዚ ኣኼባታት እዚ መዓስን ኣበይን ከም ዚካየድ: መን ኪመርሕ ከም ዚኽእል ንምውሳን: ምስቶም ፓይነራት ንምዃን ዝመደቡ ወይውን ኪምድቡ ዚሓስቡ ዘለዉ ኣሕዋት ኪመያየጡ ይኽእሉ እዮም። ሽማግለታት ካልኦት ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዚጥዕሞም እዋናት ምሳኻ ዀይኖም ንኼገልግሉ ዜኽእሎም ምድላዋት ንምግባር ጻዕሪ ኺገብሩ እዮም። በዚ ኣገባብ እዚ: ናይ ኣገልግሎት መደባት ብጽቡቕ ኪሰላሰልን ብዙሕ ነገራት ኪዕመምን ይከኣል እዩ።—ምሳ. 20:18
12. ንየሆዋ ንሓዋሩ ኽንውድሶ ዜለዓዕለና እንታይ እዩ፧
12 ዚከኣለካ ግበር:- ኵነታትካ ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን ምስ ዘየፍቅደልካ: የሆዋ ‘ዓቕምና ደኣ እምበር ልዕሊ ዓቕምና’ ኽንገብር ከይተጸበየ እንገብሮ ጻዕርታትን መስዋእትታትን ከም ዚቕበሎ ዘክር። (2 ቈረ. 8:12 ትርጕም 1990) ንየሆዋ ኸነመስግኖ ዚድርኸና ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ዳዊት “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ: ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ” ኢሉ ኽጽሕፍ እምበኣር ሓቁ እዩ። (መዝ. 34:1) ሃየ እምበኣር: ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ዚከኣለና ንምግባር ቈራጽነት ንግበር።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ኣገልግሎትካ ብኸመይ ከተዛይድ ትኽእል፧
◼ ኣብ ዘይተሸፈነ ዞባ ዕየ
◼ ሰባት ኣብ ቤቶም ኣብ ዚርከብሉ እዋን ስበኽ
◼ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መስክር
◼ ኣብ ስራሕ ወይ ቤት ትምህርቲ መስክር
◼ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ግበር
◼ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኣገልግል
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሰሌዳ]
ሓጋዚ ፓይነር ክትኰነሉ እትኽእል መደባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ግራት ኣገልግሎት 12 ሰዓታት ከተምጽኣሉ እትኽእል መገድታት
ንግሆ—ካብ ሰኑይ ክሳዕ ቀዳም
ሰንበት ዝዀነት መዓልቲ ኽትትክእ ትኽእል እያ
መዓልቲ ክፍለ-ግዜ ሰዓታት
ሰኑይ ንግሆ 2
ሰሉስ ንግሆ 2
ረቡዕ ንግሆ 2
ሓሙስ ንግሆ 2
ዓርቢ ንግሆ 2
ቀዳም ንግሆ 2
ድምር ሰዓታት:- 12
ክልተ ምሉኣት መዓልትታት
ካብታ ሰሙን ክልተ መዓልትታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ
(እዚ መደብ እዚ: ኣብተን ዝመረጽካየን መዓልትታት ተመርኲሱ ኣብ ወርሒ ብድምር 48 ሰዓታት ከተምጽእ ዚሕግዘካ እዩ።)
መዓልቲ ክፍለ-ግዜ ሰዓታት
ረቡዕ ምሉእ መዓልቲ 6
ቀዳም ምሉእ መዓልቲ 6
ድምር ሰዓታት:- 12
ክልተ ምሸትን ቀዳመ-ሰንበትን
ክልተ ምሸት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ
መዓልቲ ክፍለ-ግዜ ሰዓታት
ሰኑይ ምሸት 11/2
ረቡዕ ምሸት 11/2
ቀዳም ምሉእ መዓልቲ 6
ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ 3
ድምር ሰዓታት:- 12
ሰለስተ ድሕሪ ቐትርን ቀዳምን
ሰንበት ንዝዀነት መዓልቲ ተኪእካ ኸተእትዋ ትኽእል ኢኻ
መዓልቲ ክፍለ-ግዜ ሰዓታት
ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ 2
ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ 2
ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ 2
ቀዳም ምሉእ መዓልቲ 6
ድምር ሰዓታት:- 12
ናይ ብሕተይ ናይ ኣገልግሎት መደብ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ-ግዜ እተምጽኦ ሰዓታት ባዕልኻ ወስን።
መዓልቲ ክፍለ-ግዜ ሰዓታት
ሰኑይ
ሰሉስ
ረቡዕ
ሓሙስ
ዓርቢ
ቀዳም
ሰንበት
ድምር ሰዓታት:- 12