‘ወንጌል መስክር’
1. እንታይ ብስራት ኢና ኽንሰብኽ ዘሎና፧
1 ኣብዛ ብስራት ተሓሪምዋ ዘሎ ዓለም: ‘ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ናይ ምምስካር’ መሰል ኣሎና። (ግብ. 20:24) እዚ ማለት ድማ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚኣተን ድሕሪ ቐረባ ግዜ “በታ እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ” ዝበሃለላ ናይ የሆዋ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ኪትከኣ ምዃነን ንሰባት ምንጋር የጠቓልል። (2 ጢሞ. 3:1-5፣ ራእ. 21:4) ሽዑ ሕማም ኣይክህሉን እዩ። (ኢሳ. 33:24) ብሞት ተፈልዮምና ዘለዉ ፍቑራትና ኻብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ወጺኦም ምስ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን እንደገና ኺሓብሩ እዮም። (ዮሃ. 5:28, 29) ምድሪ ብምልእታ ውቅብቲ ገነት ክትከውን እያ። (ኢሳ. 65:21-23) እዚ ሒደት ካብቲ ኽንሰብኮ ዘሎና ወንጌል ወይ ብስራት እዩ።
2. እዋን በዓል ዝኽሪ ብስራት ንኽንሰብኽ ዜኽእለና ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና ስለምንታይ እዩ፧
2 መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ከምዚ ዝኣመሰለ ብስራት ንኽንሰብኽ ዜኽእልና ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኪኸፍታልና እየን። ኣብ ርእሲኡ: እቲ ኣብ ዓመት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣጋጣሚ ማለት በዓል ዝኽሪ: ኣብ መላእ ዓለም ቀዳም 22 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺበዓል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ንጥፈታትና ንምዝያድ ምድላዋት ምግባር እንጅምረሉ ግዜ ሕጂ እዩ።
3. ከም ስድራቤት ንጥፈታትና ንኸነዛይድ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
3 ሓጋዚ ፈላሚ:- ኣብ ሓንቲ ወይ ኣብ ክልተ ወይውን ኣብ ሰለስቲኤን ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ዜኽእለካ መደብ ከተውጽእ ትኽእልዶ፧ ብዛዕባ እዚ ንምንታይ ኣብ ዚቕጽል መጽናዕቲ ስድራቤትኩም ግዜ ወሲድኩም ዘይትመያየጡሉ፧ ጽቡቕ ምትሕብባር ብምግባር: ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኻብ ኣባላት ስድራቤትኩም ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:22) ብዛዕባ እዚ ጸሊ: የሆዋ ንጻዕርታትካ ብኸመይ ከም ዚባርኾ ድማ ተዓዘብ። (ምሳ. 16:3) ካብ ስድራቤትኩም ዋላ ሓደ ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን እንተ ዘይከኣለ እውን ከይተረፈ: ኵሎም ኣባላት እታ ስድራቤት ምስቶም ፈለምቲ ኪዀኑ ዝኸኣሉ ዀይኖም ብምግልጋል ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ተሳትፎ ንኼዛይዱ ዚሕግዞም ፍሉይ ሸቶ ኼውጽኡ ይኽእሉ እዮም።
4. ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እንተ ደኣ ኣልዩና: ሓገዝቲ ፈለምቲ ንምዃን ንጕዳያትና ብኸመይ ክንምድቦ ንኽእል፧
4 ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እናሃለወካ እውን ከይተረፈ: ጽቡቕ መደብ ብምውጻእ ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ንገለ ኽፋል እቲ ናይ ምሳሕ ሰዓታትካ: ንኣገልግሎት ክትጥቀመሉ ትኽእል ትኸውን። ቅድሚ ናብ ስራሕ ምእታውካ ወይ ድሕሪ ምፍዳስካ ንሓደ ሰዓት ዚኸውን ምእንቲ ኸተገልግል: ኣብ ጥቓ ገዛኻ ወይ ስራሕካ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ንጥፈታት ናብ ዚቕጽል ወርሒ ብምስግጋር ከምኡውን ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ምሉእ መዓልቲ ብምግልጋል ተወሳኺ ሰዓታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኼሕልፍዎ ሓደ ወይ ክልተ መዓልትታት ዕረፍቲ ወሲዶም እዮም።
5. ነቶም ዕድመ ዚደፍኡ ወይ ስንኵላን ሓገዝቲ ፈለምቲ ንኪዀኑ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧
5 ዕድመ ዝደፋእካ ወይ ስንኩል ወይ ድሩት ዓቕሚ ዘሎካ እንተ ደኣ ዄንካ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ሒደት ግዜ ብምሕላፍ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኺህበካ ሕተቶ። (2 ቈረ. 4:7) ሓንቲ ሓብቲ ኣብ መበል 106 ዓመት ዕድሚኣ ሓጋዚት ፈላሚት ክትከውን ከኣለት! ብሓገዝ ክርስትያን ኣዝማዳን ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋትን ካብ ቤት ናብ ቤት ክትሰብኽ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር: ናብ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትከይድ: ከምኡውን ኣብ ካልእ መዳይ ኣገልግሎት ክትካፈል ከኣለት። ንዓሰርተ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ድማ ሓገዘት። “ብዛዕባ እቲ ኸም ሓጋዚት ፈላሚት ኰይነ ዘገልገልኩሉ ዘደንቕ መሰል ክሓስብ ከለኹ: ልበይ በቲ ንየሆዋ: ንወዱ: ከምኡውን ነታ ፈቃር ውድቡ ዘሎኒ ፍቕርን ሞሳን እዩ ዚመልእ። ንየሆዋ ብሓቂ ‘ኣመስግነካ የሆዋ!’ ኽብሎ እየ ዝደሊ” ትብል።
6. ገና ተመሃሮ ዘለዉ እተጠምቁ መንእሰያት ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
6 ትምህርቲ ዘይወዳእካ እተጠመቕካ መንእሰይ እንተ ደኣ ዄንካ: ንስኻውን ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቶም ምሉእ መዓልቲ ዚሰርሑ: ኣውራ ንቐዳመ-ሰናብቲ ኣብ ኣገልግሎት ከተሕልፈን ትምድብ ትኸውን። ኣብ ገሊአን መዓልትታት ድማ ንሓደ ሰዓት ወይ ልዕሊኡ ኻብ ትምህርቲ ድሕሪ ምፍዳስካ ኸተገልግል ትኽእል ትኸውን። ንኣገልግሎት ክትጥቀምላ እትኽእል ካብ ቤት ትምህርቲ እተዕርፈላ መዓልቲ ኣላዶ፧ ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ: ብዛዕባኡ ምስ ወለድኻ ተዘራረብ።
7. ሽማግለታት ኣብቲ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ዚግበር ኣገልግሎት ውዕዉዕ ስምዒት ንኺህሉ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
7 ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዚህሉ ግበሩ:- ሽማግለታት እታ ጉባኤ ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዚህሉ ንምግባር ብኣብነቶም ኣቢሎም ብዙሕ ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ነቶም ኣንጊሆም ወይ ድሕሪ ትምህርቲ ወይውን ድሕሪ ስራሕ ኣገልግሎት ዚኸዱ ዚኸውን ተወሳኺ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺምድቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓላው ኣገልግሎት ንነፍሲ ወከፍ እቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚመርሑ ብቑዓት ኣሕዋት ከም እተመደቡ ኸምኡውን ነዘን ፍሉይ ንጥፈታት ዚካየደለን ኣዋርሕ ዚኸውን እኹል ክልታትን መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ተቐሪቡ ኸም ዘሎ ኼረጋግጽ ኣለዎ።
8. ካብ ተመክሮ ሓንቲ ጉባኤ እንታይ ኢና እንመሃር፧
8 ኣብ ሓንቲ ጉባኤ: እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣሕዋት ሓገዝቲ ፈለምቲ ንኪዀኑ ቕድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣትሒዞም ኬተባብዕዎም ጀመሩ። ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ስማት እቶም ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ተቐባልነት ዝረኸቡ ይሕብሩዎም ነበሩ። እዚ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎም ተሳትፎ ኼዛይዱ ባህጊ ዝነበሮም ኣስፋሕቲ: ብዙሓት መገላግልቲ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋገጸሎም። ንናይ ንግሆን ንናይ ምሸትን ዚኸውን ተወሳኺ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ተገብረ። እቲ ውጽኢት ድማ ኣብ ሚያዝያ ኣስታት ፍርቂ እታ ጉባኤ ማለት 53 ኣስፋሕቲ: ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀኑ!
9. እዋን በዓል ዝኽሪ ነቶም ብቑዓት ዝዀኑ ብስራት ንምስባኽ ዚጅምሩሉ እቲ ዝበለጸ ግዜ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
9 ካልኦት ኪሰብኩ ሓግዞም:- ሓደስትን መንእሰያትን: ኣስፋሕቲ ኪዀኑ ምስ ዚበቕዑ ምስቶም ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኼገልግሉ ኺዕደሙ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ኣብቲ ዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ኣገልግሎቶም ዜስፍሕሉ እዋን በዓል ዝኽሪ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ኣነባብራኡ ምስቲ ጻድቕ መዐቀኒታት የሆዋ ዜሰማምዐ: ዕቤት ዜርኢ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለካዶ፧ ዚንኣድ ዕቤት ዚገብሩ ዘለዉ ገና ግን ኣስፋሕቲ ዘይኰኑ ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ውሉዳት ኣለዉኻዶ፧ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ እንተ ደኣ ገሊጾምልካ እሞ ብቑዓት ኰይኖም እንተ ደኣ ተሰሚዖምኻ: ንሓደ ኻብቶም ሓለውቲ ንገሮ። እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ድማ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምሳኻን ምስቲ ውላድካን ወይ ተመሃራይካን ዚዘራረቡ ኽልተ ሽማግለታት ኪምድብ እዩ።
10. ሽማግለታት ነቶም ዘይንጡፋት ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
10 እዘን ዝመጻ ዘለዋ ኣዋርሕ ነቶም ዘይንጡፋት እውን ምስታ ጉባኤ ዝነበሮም ንጥፈታት ንኪቕጽሉ ዜኽእላ ዝበለጻ ግዜ እየን። ሓለውቲ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ከምኡውን ካልኦት ሽማግለታት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንኺበጽሕዎምን ምስኦም ኣብ ኣገልግሎት ንኺዓዩ ምዉቕ ብሕታዊ ዕድመ ንኺዝርግሑሎምን ኣበርቲዖም ኪጽዕሩ እዮም። ዘይንጡፋት ኰይኖም ንነዊሕ እዋን እንተ ደኣ ጸኒሖም: ዚበቕዑ እንተ ደኣ ዀይኖም ንምውሳን ቅድም ክልተ ሽማግለታት ኬዘራርብዎም ኣለዎም።—km 11/00 ገጽ 3
11. እቲ ዝዓበየ መግለጺ “ጸጋ ኣምላኽ” እንታይ እዩ፧
11 ንበዓል ዝኽሪ ተዳሎ:- በጃ: እቲ ዝዓበየ መግለጺ “ጸጋ ኣምላኽ” እዩ። (ግብ. 20:24) ብሚልዮናት ዚቝጽሩ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ መማሰውቲ ሰባት: በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንምብዓል ቀዳም 22 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺእከቡ እዮም። ንዅሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብዚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንደቅሰብ ዝገበረሎም ጸጋ ዚምስክር ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ኽንዕድሞምን ኣብኡ ኺርከቡ ኽንሕግዞምን ንደሊ ኢና።
12. ንመን ኢና ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንዕድሞም ዘሎና፧
12 ዝርዝር ስማት እቶም ክትዕድሞም እትደሊ ሰባት ሓዝ። እቲ ዝርዝር ስማት: ኣዝማድካ: ጐረባብትኻ: ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ እትፈልጦም ሰባት: ቅድም ይኹን ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም ሰባት: ከምኡውን ካልኦት ኣዘውቲርካ እትበጽሖም ሰባት ዜጠቓልል ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ገለ ኻብቶም እትዕድሞም ሰባት ንበዓል ዝኽሪ ዚምልከት ሕቶታት እንተ ደኣ ኣልይዎም: እቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 206-8 ዚርከብ መመላእታ ጽሑፍ ዘሎ ንድራር ጐይታ ዚምልከት ሓሳባት ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ኽትገብር ከሎኻ ምስታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓላ መጽሓፍ ከተላልዮም ኣጋጣሚ ስለ እትረክብ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር መገዲ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ።
13. የሆዋ ንጻዕርታት እቶም ናብ በዓል ዝኽሪ ንኺዕድሙ መደብ ዝገበሩ ኽልተ ኣስፋሕቲ ብኸመይ ባረኾ፧
13 ሓንቲ ሓብቲ ናይ እትዕድሞም 48 ስድራቤታት ዝርዝር ስማት ኣዳለወት። ክትዕድሞም ከላ ኣብቲ ስሞም ምልክት ብምግባር እታ ዝዓደመትሎም ዕለት ትጽሕፋ። እቶም ዝዓደመቶም 26 ሰባት ናብቲ በዓል ዝኽሪ ምስ መጹስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እያ ተሓጒሳ! ሓደ ብዓል ድኳን ሓው: ንሓደ ቕድም ቀሺ ዝነበረ ሰራሕተኛኡ ዓደሞ። እቲ ሰብኣይ ኣብቲ በዓል ድሕሪ ምክፋሉ: “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብቲ 30 ዓመት ኣብ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እተመሃርክዎ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰዓት እተመሃርክዎ ይበዝሕ” በለ። ድሕሪ እቲ በዓል ዝኽሪ ነዊሕ ከይጸንሐ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ ኺግበረሉ ተሰማምዐ።
14. ኣብ 1 መጋቢት እንታይ ኣብ መላእ ምድሪ ዚዝርጋሕ ወፈራ እዩ ኺጅመር፧
14 ወፈራ:- ካብ ቀዳም 1 መጋቢት ጀሚሩ ኽሳዕ 22 መጋቢት ፍሉይ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ኣብ መላእ ምድሪ ኺዝርጋሕ እዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብዚ ኣገዳሲ ወፈራ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኪካፈሉ ይደልዩ እዮም። ነቲ ብዓል ቤት ወረቐት ዕድመ ኣብ ማዕጾኡ ኣብ ክንዲ እትገድፈሉ ብኣካል ረኺብካ ኽትህቦ ይሓይሽ። ይኹን እምበር: ዓብዪ ኽሊ እንተ ደኣ ኣሊኩም እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣብ ገዛኦም ዘይተረኽቡ ብሜላ ኽትገድፉሎም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ነቲ ኣብታ ወርሒ ዚዕደል መጽሔታት ክንዕድል ኢና።
15. ነቲ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ከነበርክቶ ንኽእል፧
15 እቲ ወረቐት ዕድመ ንምዕዳል ዚኸውን ግዜ ውሱን ስለ ዝዀነ: ሓጺር መእተዊ እንተ ተጠቐምና ዝበለጸ እዩ። ፍሽሕውን ውዕዉዕ ስምዒት ዘሎካን ኩን። ነዚ ዚስዕብ ዚመስል ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “ናብቲ ኣብ 22 መጋቢት ዚካየድ ኣገዳሲ ፍጻመ ንስኻ: ስድራቤትካ: ከምኡውን ኣዕሩኽትኻ ኸም እተዓደምኩም ከነረጋግጽ ኢና ደሊና። እዚኣ ናትካ ወረቐት ዕድመ እያ። ዝርዝር ሓበሬታ ኣብኣ ኽትረክብ ኢኻ።” እቲ ብዓል ቤት ሕቶታት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ወይ ነታ ዕድመ ተቐቢሉ ኸም ዚመጽእ እውን ይገልጸልና ይኸውን። ንእተራእየ ተገዳስነት መዝግቦ: ተመሊስካ ኽትበጽሖም ድማ መድብ።
16. ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ዚግበር ወፈራ ዘለዎ ጥቕሚ ዜብርህ ተመክሮ እንታይ እዩ፧
16 ዓሚ ሓደ ወተሃደር ነታ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛኡ ረኸባ። ኣብቲ ኣኼባ ኺካፈል ወሰነ: እንተዀነ ግን: ካብ ሓላፊኡ ፍቓድ ኪሓትት ነበሮ። እታ ዕድመ ነቲ ሓላፊኡ ምስ ኣርኣዮ: እቲ ሓላፊ ዝን ድሕሪ ምባል: ወለዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ንሱ እውን ኣኼባታት ይኸይድ ከም ዝነበረ ነገሮ። እቲ ሓላፊ ነቲ ወተሃደር ፍቓድ ሂብዎ ጥራይ ስቕ ኣይበለን: ንሱ እውን ምስቲ ወተሃደር ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ተኣከበ።
17. ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸም ዘይተቐበልና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
17 ሞሳ ኣርኢ:- እዋን በዓል ዝኽሪ 2008 እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን: ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ጸጋ ነስተንትን። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ ንሕና መዓይይቲ ዄንና ንምዕደኩም አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 6:1) ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸም ዘይተቐበልና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ጳውሎስ: “ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 6:4) ስለዚ: ንውህበት የሆዋ ዘሎና ሞሳ ብጽቡቕ ጠባይናን ነቲ ብስራት ብቕንኣት ብምስባኽን ኢና ኸነርኢ ንኽእል። ናይ ሎሚ እዋን በዓል ዝኽሪ ነቲ ወንጌል ናይ ምምስካር ንጥፈታትና ንኸነዛድ ዜኽእለና ብሉጽ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ካብዚኣቶም ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ መን እዮም፧
◼ ስድራቤታት
◼ ምሉእ መዓልቲ ዚሰርሑ
◼ ዕድመ ዚደፍኡ ኸምኡውን ስንኵላን
◼ ተመሃሮ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ኽትዝርግሕ ከለኻ:-
◼ ኣቀራርባኻ ኣሕጽር ኣብሎ: ብውዕዉዕ ስምዒት ተዛረብ
◼ ንእተረኽበ ተገዳስነት መዝግቦ: ተመሊስካ ድማ ብጽሓዮም
◼ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ መጽሔታት ኣበርክት