ወቕቲ በዓል ዝኽሪ—ኣገልግሎትና እነስፍሓሉ ኣጋጣሚ!
1. ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ኣገልግሎትና ብኸመይ ከነስፍሕ ከም ዘሎና ኽንምርምር ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
1 ኣብ ዚመጽእ ዘሎ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ምኸኣልካዶ፧ ኣብዚ ወቕቲ እዚ፡ ኣብ ሓያሎ ኸባቢታት ምሹእ ኵነታት ኣየር እዩ ዘሎ፡ ቀትሪ ኸኣ ካብ ለይቲ ይነውሕ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኻብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ወሲዶም ንኣገልግሎት ይጥቀምሉ እዮም። ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብቲ 17 ሚያዝያ ዚኽበር በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኺመጹ፡ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚርና ፍሉይ ወፈራ ብምግባር ክንዕድሞም ኢና። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ነቶም ዝመጹ ሰባት ተገዳስነቶም ንኸነዕቢ ኽንጽዕር፡ ኣብቲ 25 ሚያዝያ ኣብ እትጅምር ሰሙን ዚወሃብ ፍሉይ መደረ ንኺመጹ ኸኣ ክንዕድሞም ኢና። ብሓቂ እምበኣር፡ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ኣገልግሎትና ብኸመይ ከነስፍሕ ከም ዘሎና ኽንምርምር ግቡእ እዩ።
2. ሓደ ኻብቲ ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእል ኣጋጣሚ እንታይ እዩ፧
2 ሓጋዚ ፈላሚ፦ ሓደ ኻብቲ ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል እዩ። ኵላትና ብስራሕ ትሑዛት ስለ ዝዀንና፡ ኣቐዲምና መደብ ከነውጽእን ኣብ መደባትና ምትዕርራይ ክንገብርን የድሊ። (ምሳ. 21:5) ምናልባት ንገለ ኻብቲ ኣዘውቲርካ እትገብሮ ግናኸ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንጥፈታት ንኻልእ ግዜ ኸተስግሮ ትኽእል ኢኻ። (ፊል. 1:9-11) ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣስፋሕቲ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ብምዃን ምሳኻ ሓቢሮም ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ፈላሚ ኽትከውን ድሌት ከም ዘሎካ ስለምንታይ ዘይትሕብሮም፧
3. ኣባላት ስድራ ቤታት ኣገልግሎቶም ከስፍሑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
3 ኣብታ ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት፡ ከም ስድራ ቤት መጠን ዘሎኩም ሸቶታት እንተ ተመያየጥኩምሉ ሰናይ እዩ። (ምሳ. 15:22) ብምትሕብባር፡ ገለ ኣባላት እታ ስድራ ቤት፡ ሓደ ወይ ዝያዳ ኣዋርሕ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ከገልግሉ ይኽእሉ ይዀኑ። እዚ እኳ ዚከኣል ኣይኰነን ኢልካ እንተ ወሲንካኸ፧ ኣባላት ስድራ ቤትካ ሓድሓደ ግዜ ምሸት ብምግልጋል ወይ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ንውሕ ዝበለ ሰዓታት ብምግልጋል ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ይኽእሉ ይዀኑ።
4. ኣብዚ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ኣገልግሎትና ምስ እነስፍሕ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧
4 የሆዋ ንዅሉ እቲ ንኸነገልግሎ እንወስዶ ስጕምትታት የስተብህለሉ፡ ነቲ እንኸፍሎ መስዋእትታት እውን የማስወሉ እዩ። (እብ. 6:10) ንየሆዋን ንኻልኦትን ክንህቦ እንኽእል ነገራት ብምሃብ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (1 ዜና 29:9፣ ግብ. 20:35) ኣብዚ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ተወሳኺ ሓጐስን በረኸትን ምእንቲ ኽትረክብ ኣገልግሎትካ ከተስፍሕ ምኸኣልካዶ፧