መደብ 14 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
14 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 3ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 17 ሕ.ጽ. 1-10 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
□ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ነህምያ 9-11 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ነህምያ 11:1-14 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሓደ ክርስትያን ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓት—td 41ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ጸጋ ኣምላኽ ዚግለጸሉ መገድታት—1 ጴጥ. 4:10 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ንሰማዕቲ፡ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት፡ ነታ ናይ ለካቲት 2010 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኺማልእዋ ኣዘኻኽሮም።
12 ደቒቕ፦ ምስ ዘይንፈልጦ ሰብ ብኸመይ ከም እንዘራረብ። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 62-64 ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሓደ ብዘይወግዓዊ መገዲ ምስክርነት ኪህብ ከሎ ወይ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ኸገልግል ከሎ ዝርርብ ናይ ምጅማር ክእለት ከም ዘለዎ ዚፍለጥ ኣስፋሒ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ።
18 ደቒቕ፦ “ወቕቲ በዓል ዝኽሪ—ኣገልግሎትና እነስፍሓሉ ኣጋጣሚ!” ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ ሕቶታትን መልስታትን። ነታ ዓንቀጽ ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ተወሳኺ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚግበረሉ መሰናድዎታት ግለጽ። ኵነታቶም እተፈላለየ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት 50 ሰዓታት ኬሕልፉሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መደባት ከም ዘሎ ግለጽ። ብስራሕ ትሑዛት ክነሶም ወይ ኣካላዊ ስንክልና እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ዘገልገሉ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣዘራርብ።
መዝሙር 8ን ጸሎትን