መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
ዘፍጥረት 2:16, 17 ኣንብብ። ቀጺልካ ኸኣ ከምዚ በል፦ “ገለ ሰባት፡ ኣምላኽ፡ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ይገልጹ። ካልኦት ከኣ ኣምላኽ፡ ውጽኢቱ እናፈለጠ መጠንቀቕታ ሂብዎም እንተ ዀይኑ፡ ግብዝ ምዀነ ነይሩ ይብሉ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ኣብ ገጽ 13 እትጅምር ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ትገልጽ።”
Awake! January
“ገሊኣቶም፡ እምነት ኣብ ርትዓውነት ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ ኣብ ስምዒት ከም ዚምርኰስ እዮም ዚኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እምነት ኣብ ዘይርትዓዊ ነገር ክትምርኰስ የብላን። [1 ዮሃንስ 4:1 ኣንብብ።] እዛ ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ፡ እምነትና ስለምንታይ ኣብ ርትዓውነት ክትምርኰስ ከም ዘለዋ ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት
“ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ፍትሕ ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ቐንዲ ምኽንያት ናይዚ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚስዕብ ብዙሓት መጻምድቲ ጠቓሚ ዀይኑ ዝረኸብዎ ምኽሪ ኣቕልበሉ። [1 ቈረንቶስ 10:24 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ኣዘውቲሮም ዜስምዕዎ ሽዱሽተ መረረት ትጠቅስ፣ ንዕኡ ንምፍታሕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ከኣ ትሕብር።”
Awake! February
“ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ምሉካትን ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ንኺፈልጡ ዚግደሱ ዘለዉ ይመስሉ። ኣብ ስሒራዊ ተግባራት ምክፋል ጐዳኢዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚስዕብ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣቕልበሉ። [ዘዳግም 18:10-12 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስሒራዊ ተግባራት እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”