ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
እዚ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት፡ ብሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ኢና ጀሚርናዮ፣ እዚ ኸኣ 9,023 እዩ። ድምር ስሩዓት ፈለምቲ እውን፡ ካብ ናይ ዓሚ ገምጋም ቍጽሪ ብ14% ብምውሳኽ፡ 1,382 ዚኣክል ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ነሓሰ፡ ብድምር 283 ካብዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እዚኣቶም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ኺካፈሉ ኽኢሎም ነይሮም። ካባታቶም ድማ፡ 112 ምኩራት ፈለምቲ ንኻልኣይ ግዜ እዮም ተኻፊሎም። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ተወሰኽቲ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማርን ምምራሕን፡ ከነተኵረሉ ዚግባእ ኣገዳሲ ሸቶ እዩ።