መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ኵሉ ሰብ በዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓት እንተ ዚምራሕ ነይሩ፡ ዓለምና እትመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [ሮሜ 12:18 ኣንብብ። መልሲ ተጸበ።] ‘ስለምንታይ ደኣሉ እሞ ኣምላኽ ብግዜ ጥንቲ ንዝነበሩ ህዝቡ ኺዋግኡ ዝኣዘዞም፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንጹር መልሲ ኽትገልጸልካ እያ።” ኣብ ገጽ 13 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! January
ግብሪ ሃዋርያት 17:31 ኣንብብ። ድሕሪኡ ኸምዚ በል፦ “ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ዚገልጽ ሓሳብ ኣዝዩ እዩ ዜፍርሆም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ድሕሪ መዓልቲ ፍርዲ፡ ምድርና ብዙሕ በረኸት ከም እትረክብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባኡ እያ እትገልጽ።” ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት
“ብዙሓት ሰባት ምስ ሞቱ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ተስፋ ይገብሩ እዮም። እዚ ተስፋ እዚ ንዓኻኸ ይስሕበካ ድዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኦም ጻድቃን ብዛዕባ ዚረኽብዎ ዓስቢ እንታይ ከም ዚብል እስከ ኸርእየካ። [መዝሙር 37:29 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱን ኣብኡ እንታይ ከም ዚገብሩን ዚህቦ ሓሳብ ክትገልጸልካ እያ።”
Awake! February
“ሎሚ ፍትሕ ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። መብዛሕትኦም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ነቲ ምኽንያት መፋትሒኦም ብምስትውዓል ዚሓስቡሉዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ምሳሌ 14:15 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ቅድሚ ምፍታሖም ኪሓስቡሉ ዘለዎም ኣርባዕተ ነጥብታት ትጠቅስ።”