መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ
“ሓድሓደ ጽሑፋት፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈልየ መገዲ፡ የሱስ ከም ዘይሞተን ተመርዕዩ ኸም ዝወለደን ይገልጹ። ከምዚ ኺበሃል ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነቲ ሓቂ ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ። [ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ንኽንኣምኖ ዜኽእለና ምኽንያታት ትጠቅስ።” ኣብ ገጽ 26 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! April
መዝሙር 37:9-11 ኣንብብ። ድሕሪኡ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ “እዚ ኺፍጸም ከሎ፡ ዓለም ከመይ እትኸውን ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዜተባብዕ ትንቢት ኣብ ርእሲ ምጥቃሳ፡ ኣብዛ ዓለም ክንድዚ እከይ እንርእየሉ ዘለና ምኽንያት እውን ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 20 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግንቦት
“ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብዙሓት ሰባት ዚሓትዎ ሕቶ ብምጥቃስ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። [መዝሙር 10:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ መከራ ዝፈቐደሉ ምኽንያትን ንዕኡ ንምውጋድ ይገብሮ ብዛዕባ ዘሎ ነገራትን እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Awake! May
“ብዙሓት ሰባት፡ ሽጋራ ምትካኽ ኬቋርጹ ይደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሸግሮም እዩ። ሽጋራ ምትካኽ ኬቋርጽ ዚደሊ ሰብ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ገሊኦም ሰባት ነቲ ብፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን ዚወሃቦም ደገፍ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። [መክብብ 4:12 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሓደ ሰብ ሽጋራ ምትካኽ ንኼቋርጽ ኪሕግዞ ዚኽእል ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።”