መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
ዘጸኣት 20:15 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ከምዚ በል፦ “ብዙሓት ነዚ ስርዓት እዚ ኺስዕቡ ኺፍትኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግን ስርቅን ካልእ ዓይነት ቅጥፈትን ኣብ ፍሉይ ኵነታት ቅቡል ከም ዝዀነ ይስምዖም እዩ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ወትሩ ሓቀኛ ምዃን ዘለዎ ጥቕምታት ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 12 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! March
“ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘይብሉ ግን ይሓስቡ። እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ሮሜ 15:4 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ጥንታዊ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ኸይተረፈ ነዚ ግዜና ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ
“ብዙሓት ሰባት ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ጽልዋ ዝገበረ ሰብ ኪጠቕሱ ምስ ተሓተቱ፡ ንየሱስ እዮም ዚጠቕስዎ። ንስኻኸ ኸምኡዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ካብቲ ብዛዕባ የሱስ ዘሎ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኣረኣእያ፡ ኣየናዩ ሓቂ ምዃኑ ስለምንታይ ክንፈልጥ ከም ዚግባእ፡ ካብዚ ዚስዕብ ነጥቢ ኣስተብህለሉ። [ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] እዛ ፍልይቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስን ትምህርትታቱን ብሓቂ እንታይ ከም ዚብል ትሕብር።”
Awake! April
“ኵሉ ኽንገብሮ እንደሊ ነገራት ንምግባር ዜኽእል ግዜ የብልናን። ሓቀይዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት ነዚ ማዕዳ እዚ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። [ፊልጲ 1:10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንግዜና ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።”