መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግንቦት
“ኵሉ ሰብ ነዘን ቃላት እዚኣተን እንተ ዚስዕብ፡ ዓለም ክሳዕ ክንደይ እተፈልየት ምዀነት፧ [ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብሓቂ ክርስትያን ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ንምሕባር፡ ገለ ኻብ ትምህርትታት የሱስ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 16 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! May
“እዚ ሕጂ ዘሎ ቝጠባዊ ዅነታት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ብዙሓት ኣይፈልጡን እዮም። [ኣብታ ዓንቀጽ እትርከብ ጥቕሲ ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ እዋን ቍጠባዊ ቕልውላው፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 18 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን ከም ቀደመን ብዛዕባ ሓጢኣት ኣይዛረባን እየን። ሓጢኣት ግዜኡ ዝሓለፎ ኣምር ድዩ፡ ወይስ ኬተሓሳስበና ዘለዎ ነገር፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ሮሜ 5:12 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣት እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Awake! June
“ህይወትና ውጥረት እናበዝሖ ዚኸይድ ዘሎ እዩ ዚመስል። ነዝስ ኣይትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት፡ እዘን ዚስዕባ ቓላት ሓደ ኻብቲ ውጥረት ዝበዝሓሉ ምኽንያት ከም ዚገልጻ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። [2 ጢሞቴዎስ 3:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ውጥረት ብኸመይ ከም ዚጸልወና ትገልጽ። ንውጥረት ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ኸም እንኽእል እውን እተወሰነ ምኽሪ ትህብ።”