መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
“ሰባት ሕማቕ ክንገብር ጸቕጢ እናገበሩልና ኽነሶም፡ ጽቡቕ ዘበለ ኽንገብር ብሓቂ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኸይንምብርከኽ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ምሳሌ 29:25 ኣንብብ።] እዛ ጠቓሚት ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክንፈርህ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሙሽተ ምኽንያታት ሒዛ ኣላ።” ኣብ ገጽ 12 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! March
“ኵላትና ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪህልዉና ንደሊ ኢና። ዓርኪ ዚዀነካ ሰብ እንታይ ባህርያት ኪህልዎ ኢኻ እትደሊ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መግለጺ እሞ ኣስተብህለሉ። [ምሳሌ 17:17 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ንኽንመርጽን ንሕና ድማ ንኻልኦት ጥዑያት ኣዕሩኽ ንኽንከውንን ዚሕግዝ ሓሳባት ሒዛ ኣላ።” ኣብ ገጽ 18 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ
“ብዛዕባ እዘን ዚስዕባ የሱስ እተዛረበን ቃላት ርእይቶ ኽትህበኒ ምደለኹ። [ዮሃንስ 3:3 ኣንብብ እሞ ኣብ ትርጕም 1990 እታ ኻብ “ላዕሊ” እትብል “ካልኣይ ግዜ” ኸም እትብል ሓብሮ።] ካልኣይ ግዜ ምውላድ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነቲ የሱስ ዝበሎ ሓሳባት ብትኽክል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንህይወትናን ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ትጽቢትን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ምኽንያቱ ትገልጽ እያ።”
Awake! April
“ብዙሓት ተመሃሮ ኣብ ውጥረት እዮም ዘለዉ። ሕጂ ዘሎ ዅነታት ካብቲ ኣብ ግዜ ወለዶም ዝነበረ ዅነታት እተቐየረዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ውጥረት ሕማቕ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። [መክብብ 7:7ሀ ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መንእሰያት ንዜጋጥሞም ውጥረት ንኺንክይዎ፡ ዓበይቲ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ ትገልጽ።”