መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
“ብዛዕባ የሱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ርእይቶታት እዩ ዘሎ። ንስኻኸ ንየሱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፡ ወይስ ከም ሓደ ሕያዋይ ሰብ ጥራይ ጌርካ ኢኻ እትርእዮ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ንሓንቲ ኻብተን ኣብ ገጽ 16-17 ብጕሉሕ ተጻሒፈን ዘለዋ ሕቶታትን ንሓንቲ ኻብቲ እተሓበረ ጥቕስታትን ሓቢርኩም ኣንብቡ። ነተን መጽሔታት ምስ ኣበርከትካሉ፡ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ኽትምልሰሉ ተመሊስካ ኽትበጽሖ ቖጸራ ግበር።
Awake! March
መንእሰይ ምስ እትረክብ፡ ነታ ኣብ ገጽ 26 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ። ናብቲ መጀመርታ ዚርከብ ንኡስ ኣርእስቲ ብምሕባር፡ ከምዚ ኢልካ ሕተቶ፦ “እዚ ሓሳባት እዚ፡ ሓቂዶ ወይስ ሓሶት እዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ 2 ቈረንቶስ 7:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋራ ኽትፈልጦ ዘሎካ ነገርን ብኸመይ ከም እትሓድጎን ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ
“ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ ኣዝዩ እተፈላለየ እምነት እዩ ዘለዎም። ንስኻኸ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ምፍላጥ ዜገድስዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ የሱስ ካበይ ከም ዝመጸ፡ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ፡ ስለምንታይ ከም ዝሞተ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ትገልጽ።”
Awake! April
“ሞት እተፍቅሮ ሰብ፡ ሓደ ኻብቲ ደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘይጠፍእ በሰላ እዩ እንተ ተባህለ ኣይምተሰማማዕካሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት ነዚ ምኽሪ እዚ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። [መዝሙር 55:22 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ካብ ሓዘንካ ብኸመይ ክትጸናናዕ ከም እትኽእልን ጾርካ ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትድርብን ትገልጽ።”