ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/12 ገጽ 4
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 3/12 ገጽ 4

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ጥምቀት፡ ሓያሎ ክርስትያናት ዜዘውትርዎ ልሙድ ዝዀነ ተግባር እዩ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ ጥምቀት ኣገዳሲ ድዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እተወሰነ ኣገዳሲ ነጥብታት ትሕብር።” ድሕሪኡ ነቲ ብዓል ቤት ናይ 1 ሚያዝያ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ፣ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብ ከኣ ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ተመሊስካ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ ቈጸራ ግበር።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ

“ንየሱስ ዚምልከት ብዙሕ ርእይቶታት እዩ ዘሎ። ገሊኦም እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ እዩ ነይሩ ኢሎም ይሓስቡ። ገሊኣቶም ድማ ሕያዋይ ሰብ ከም ዝነበረ ጥራይ ኰይኑ እዩ ይስምዖም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ የሱስ ዚብሃል ሰብ ፈጺሙ ኣይነበረን ኢሎም ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። [ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንገለ እቲ ብዛዕባ የሱስ ዚለዓል ልሙድ ሕቶታት፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ።”

Awake! April

“ንስድራ ቤታት ኣብ ዚጠቅም ህዝባዊ ኣገልግሎት ንካፈል ስለ ዘለና ኢና ናብ ቤትካ መጺእና። ሎሚ ስድራ ቤታት እተፈላለየ ብድሆታት ከም ዜጋጥመን ትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ስድራ ቤታት ካበይ ግብራዊ ምኽሪ ኺረኽባ ኸም ዝኸኣላ ኣስተብህል። [መዝሙር 119:105 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰበይቲ ኣቦ ዘለወን ስድራቤታት ንዜጋጥመን ፍሉይ ጸገማት፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ተግባር ብምውዓል ብኸመይ ብዓወት ኪዋጽኣሉ ኸም ዝኸኣላ ትገልጽ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ