ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/13 ገጽ 10
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 3/13 ገጽ 10

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ንጐረባብትና መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ነተባብዕ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ዜጸግም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ።” ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ

“ነፍሲ ወከፍ እነዘራርቦ ሰብ ጸገማት የጋጥሞ እዩ። እዚ ድማ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ንኺሓቱ ይድርኾም። ሎሚ ሓደ ኻብቲ ሓጐስ ከም ዘይህሉ ዚገብር ዝዓበየ ዕንቅፋታት እንታይ እዩ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ነቲ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ከም ዜወግዶ ይመባጻዕ። [ራእይ 21:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ናይ መጻኢ ተስፋና እንታይ ከም ዚኸውንን ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብኸመይ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ክንመርሕ ከም እንኽእልን ትገልጽ።”

ንቕሑ! ሚያዝያ

“ዘቤታዊ ዓመጻ ዓለምለኻዊ ጸገም እዩ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ምኽንያት ዚኸውን ረቛሒታት፡ ባህሊ እቲ ሰብ፡ ድሕረ ባይታ ስድራ ቤቱ፡ ዓመጻ ዝመልኦ መዘናግዒ ምዃኑ ይገልጹ። ንስኻኸ ነቲ ዘቤታዊ ዓመጻ ዚኸውን ቀንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ጥዑይ ርክብ ኪህሉ ኸም ዘለዎ ይሕብር። [ኤፌሶን 5:33 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንሓዳሮም ብኸመይ ከም ዘደልደሉ ትገልጽ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ