ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/12 ገጽ 8
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 10/12 ገጽ 8

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“መብዛሕትና ንዜጋጥመና ጸገማት ፍታሕ ክንረኽበሉ ንደሊ ኢና። ንጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሕ እትኽእል ኣየነይቲ መንግስቲ እያ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ።” ነቲ ብዓል ቤት ናይ 1 ሕዳር ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ፣ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብን ነቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕስታትን ከኣ ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ተመሊስካ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ ቈጸራ ግበር።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር

“ብዛዕባ እዚ፡ ርእይቶኻ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ምደለና። ንኣምላኽ ሓንቲ ሕቶ ኽትሓትቶ እንተ ትኽእል፡ እንታይ ኢልካ ምሓተትካዮ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ፡ ነቲ ብቕንዕና እንሓትቶ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኽንደሊ ግቡእ እዩ። [ማቴዎስ 7:7 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህበሉ።” ነቲ ብዓል ቤት ነቲ ኣብ ገጽ 3፡ ኣብ ታሕቲ ቐሪቡ ዘሎ ሕቶታት ኣርእዮ።

Awake! November

“ሎሚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንኽንህብ፡ ስድራ ቤታት ንበጽሕ ኣሎና። ኣብዚ ግዜ እዚ ብንጽል ወላዲ ዝቘማ ስድራ ቤታት ቍጽረን እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እዘን ስድራ ቤታት እዚአን ካብተን ብኽልቲኦም ወለዲ ዝቘማ ስድራ ቤታት ዝያዳ ጸገማት ዘለወንዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓያሎ ወለዲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይረኽቡ እዮም። [2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንጽል ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ምዕባይ ኪሕግዞም ዚኽእል ርእይቶታት ሒዛ ኣላ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ