ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ንኣምላኽ ኪእዘዙ ዚጽዕሩ ሰባት ሕጉሳትዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዋ።” ነቲ ብዓል ቤት ሓንቲ ሕታም እታ ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ እሞ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 16-17፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኻብቲ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ኣንቢብካ ተመያየጠሉ። እንተ ወሓደ፡ ንሓንቲ ኻብቲ ጥቕስታት ኣንብብ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ነታ ቐጺላ ዘላ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠላ ኸኣ መደብ ግበር።
The Watchtower 1 ሕዳር
“ገሊኣቶም እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዘለዎ ርእይቶ ግዜኡ ዝሓለፎን ቀያድን ዝዀነ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ገሊኣቶም ግና፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማምዑ እዮም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ብዛዕባ ምንጪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም እትብል ኣስተብህል። [2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ንዚለዓል ዓሰርተ ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ ትሕብር። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና እውን ትገልጽ እያ።”
Awake! November
“ኣብ ከባቢና ኣብ ዘሎ ዩኒቨርስ ኣትኲርና እንተ ጠሚትና ናብ ምንታይ መደምደምታ ዚመርሓና ይመስለካ፧ ፈጣሪ ኸም ዘሎዶ፧ ወይስ ኵሉ ነገራት ብኣጋጣሚ ኸም ዝመጸ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዩኒቨርስ ምስ ረኣየ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። [ሮሜ 1:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ነዚ ጕዳይ እዚ ዜብርህ ዋህዮ ወዲ ሰብ እንታይ ከም ዝረኸቡ ትገልጽ።”