ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር። ሕዳርን ታሕሳስን፦ ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ ትራክትታት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም፦ እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ! ወይ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ወይ ከኣ ንሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ተጠቒምካ፡ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚግበር ኣርእዮ። ጥሪ፦ ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ 32 ገጽ ዘለወን ብሮሹራት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም፦ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፡ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፡ ወይ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር።
◼ ኣብ መኽዘን ዚርከብ፦ እንግሊዝኛ፦ ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ ኣብ ሲዲ