መደብ 5 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
5 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 48ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 12 ¶9-13፡ ኣብ ገጽ 97 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዮኤል 1-3 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1: ዮኤል 2:17-27 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2: ነቲ ኣብ ምሳሌ 22:3 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት፡ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል፧ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3: ናይ ሓሶት ነብያት ከም ዚመጹ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ፣ ብግዜ ሃዋርያት ድማ ነይሮም እዮም—td 29ሀ (5ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ እተን ሓጐስ ዜበስራ ኣንስቲ ዓብዪ ጭፍራ እየን (መዝ. 68:11) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2012 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 117፡ ሕ.ጽ. 2፡ ክሳዕ ገጽ 118፡ ሕ.ጽ. 2፡ ከምኡውን ካብ ገጽ 130፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ክሳዕ ገጽ 131፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ ኻብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሕዳር መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 15ን ጸሎትን