መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ዚሕግዝ ሓሙሽተ መገድታት
1. ኣብ ክልና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ ዜጸግመና እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፡ ስለምንታይከ፧
1 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ ክትረክብ የጸግመካ ድዩ፧ ንኽትረክብ ካብ ምጽዓር ኣይተቋርጽ። የሆዋ ነቶም ከይሰልከዩ ፍቓዱ ኺገብሩ ዚጽዕሩ ሰባት ይባርኾም እዩ። (ገላ. 6:9) ነዚ ኺሕግዘካ ዚኽእል ሓሙሽተ ርእይቶታት ኣብ ታሕቲ ቐሪቡ ኣሎ።
2. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር፡ ብኸመይ ኢና ቐጥታዊ ኣቀራርባ ኽንጥቀም እንኽእል፧
2 ቀጥታዊ ኣቀራርባ፦ መብዛሕትኦም ሰባት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ከም እንዕድል ይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንመርሕ ግና ኣይፈልጡን ይዀኑ። ስለዚ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከለኻ ንቐጥታዊ ኣቀራርባ ስለምንታይ ዘይትፍትኖ፧ ነቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ተገደስቲ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ፍቓደኛታት እንተ ዘይኰይኖም፡ ከም ቀደምካ ጽሑፋት እናሃብካ ተገዳስነቶም ከተለዓዕል ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓው ንሰብ ሓዳር ንዓመታት ዚኣክል መጽሔታት የብጽሓሎም ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና እዋናውያን መጽሔታት ሂቡ ኪኸይድ ምስ ተበገሰ፡ ሓደ ሓሳብ መጸሉ እሞ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዑ ትደልዩዶ፧” ኢሉ ሓተቶም። ‘እወ’ ኢሎም ምስ መለሱሉ፡ ደንጸዎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቶም ሰብ ሓዳር እተጠምቁ ኣስፋሕቲ እዮም።
3. እቶም ናብ ኣኼባታት ዚመጹ ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምርሓሎም ጌርና ኽንሓስብ ይግብኣናዶ፧ ግለጽ።
3 ኣብ ኣኼባታት ንዚመጹ ሰባት፦ ኣብ ጉባኤ እትረኽቦም ተገደስቲ ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምርሓሎም ጌርካ ኣይትሕሰብ። ሓደ ሓው፡ “ካብቶም መጽናዕቲ ዝመርሓሎም ሰባት ዳርጋ ፍርቆም፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እየ ረኺበዮም” በለ። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ጉባኤኣ እተጠምቃ ኣዋልድ ንዝነበራኣ ሓናኽ ሰበይቲ ቐሪባ ኸተዘራርባ ወሰነት። እታ ሰበይቲ ን15 ዓመት ዚኣክል ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ትመጽእ ነበረት፣ ወትሩ ድማ ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ልክዕ ኣኼባ ኺጅመር ከሎ ትመጽእ፡ ልክዕ ምስ ተወድአ ኸኣ ትወጽእ ነበረት። እታ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ተሰማምዐት፡ ናብ ሓቂ ድማ መጸት። እታ ሓብቲ፡ “ን15 ዓመት ዚኣክል ከይሓተትክዋ ምጽንሐይ የጕህየኒ እዩ” በለት።
4. ካልኦት ኪሕብሩና ብምሕታት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ካልኦት ኪሕብሩኻ ሕተት፦ ሓንቲ ሓብቲ ምስተን መጽናዕቲ ዚመርሓ ኣሓት ክትከይድ ጻዕሪ ትገብር እያ። ነታ መምህር ኣፍቂዳ ኸኣ፡ ኣብ መደምደምታ እቲ መጽናዕቲ፡ ነታ ተምሃሪት መጽናዕቲ ኺምርሓለን ዚደልያ ሰባት ትፈልጥ እንተ ዀይና ትሓታ። ንሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሉ ሰብ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ተበርክተሉ እንተ ኣሊኻ፡ “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽትህልዎ ዚደሊ ሰብ ትፈልጥዶ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣስፋሕትን ፈለምትን ኣብ ክሎም ንዝረኸብዎ ሰብ መጽናዕቲ ንኺመርሑሉ ዅነታቶም ከይፈቕደሎም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከም እትደሊ፡ ንኻልኦት ሓብሮም።
5. ነቶም ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ኣባላት ጉባኤና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም፡ ክንሓቶም ኣድላዪ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
5 ዘይኣመንቲ መጻምድቲ፦ ኣብ ጉባኤኹም ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኣለዉዶ፧ ገሊኦም ዘይኣመንቲ ሰባት ምስቲ ክርስትያን መጻምድቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛረቡ ዘይደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብ ስድራ ቤቶም ወጻኢ ምስ ዝዀነ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ዕደመ ምስ ዚቐርበሎም ግና ኪቕበልዎ ይኽእሉ እዮም። ዝሓሸ ኣቀራርባ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲምካ ምስቲ ኣማኒ መጻምድቲ ምምይያጥ ዝሓሸ እዩ።
6. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ ንኽትረክብ ጸሎት ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧
6 ጸሎት፦ ነቲ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ። (ያእ. 5:16) የሆዋ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ሓደ ነገር እንተ ለሚንናዮ ኸም ዚሰምዓና ተመባጺዑልና እዩ። (1 ዮሃ. 5:14) ሓደ ጽዑቕ መደባት ዘለዎ ሓው፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሉ ሰብ ንኺረክብ ኪጽሊ ጀመረ። ሰበይቱ ግና ሰብኣያ ነቲ ተመሃራይ ንኺግደሰሉ ግዜ ዚረክብ እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሰባ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ተመሃራይ ብዙሕ ጸገማት ምስ ዚህልዎ፡ ግዜ ንኺረኽበሉ ዜሸግሮ ዀይኑ ተሰምዓ። ስለዚ ድማ፡ ንሰብኣያ መጽናዕቲ ንኺረክብ ክትጽልየሉ ኸላ፡ ነዚ ዘተሓሳሰባ ነገራት ንየሆዋ ነገረቶ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ከኣ ጸሎቶም ተመለሰ። ኣባል ጉባኤኦም ዝዀነት ፈላሚት፡ ኬጽንዕ ዚደሊ ሰብኣይ ምስ ረኸበት፡ ናብቲ ሓው ኣመሓላለፈቶ። እታ ሓብቲ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሕ ግዜ ዘይብሉ ዀይኑ ዚስምዖ ሰብ እንተ ኣልዩ፡ ‘ብዛዕባ እዚ ኣነጺርኩም ጸልዩ፡ ካብ ምጽላይ ከኣ ዓዲ ኣይትውዓሉ’ እየ ዝብሎ። ከመይሲ ሕጂ፡ ካብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ ዝያዳ ሕጉሳት ኢና” በለት። ንስኻውን እንተ ዘይተሓሊልካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ ክትርከብ ትኽእል ኢኻ፣ በታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ’ ንኺጐዓዝ፡ እትሕግዞ ሰብ ብምርካብካ ኸኣ ክትሕጐስ ኢኻ።—ማቴ. 7:13, 14።