ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ኪዛረቡ ጸኒሖም እዮም። ንመወዳእታ ዓለም ክንፈርሆ ዚግብኣና ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ካብ መወዳእታ ዓለም ዚድሕኑ ኺህልዉ እዮም። [1 ዮሃንስ 2:17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዚለዓል ኣርባዕተ ልሙድ ሕቶታት ዚኸውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ።”
Awake! January
“ንስድራ ቤታት ዚጠቅም ሓበሬታ ነካፍል ስለ ዘለና ኢና ናብ ቤትካ መጺእና። ስድራ ቤታት ነዚ ዚስዕብ ቃላት የሱስ ኪትግብራኦ ኣገዳሲ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [ግብሪ ሃዋርያት 20:35ለ ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] ኣብዛ ንጥቕሚ ርእሳ ጥራይ እተቐድም ዓለም፡ ንደቅኻ ጥቕሚ ኻልኦት ንኬቐድሙ ምምሃር በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ወለዲ ንደቆም፡ ሓለይቲ ገይሮም ንኼዕብይዎም ዚሕግዞም ግብራዊ መገድታት ትገልጽ።”