ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/11 ገጽ 6
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 3/11 ገጽ 6

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ መጋቢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ሚያዝያን ግንቦትን፦ መጽሔታት፣ ሰነ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

◼ ኣብ ክልና ዚነብሩ ቻይናውያን ይበዝሑ ስለ ዘለዉ፡ ትዅረት ክንገብረሎም ኣሎና። ስለዚ፡ ትራክትታትን ካልእ መሰረታዊ ጽሑፋትን ንኺለኣኸልኩም ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እዚ ዚስዕብ ጽሑፋት ኣብ መኽዘን ኣሎና፦ T-23 (ጂሆቫ)፣ T-26 (መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ)፣ T-27 (መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ)፣ T-75 (ስቓይ፡ ንቡድሃውያን)። እዘን ዚስዕባ ሰለስተ ብሮሹራት ከኣ ንቻይናውያን እተዳለዋ እየን፦ ኤ ሳትስፋዪን ላይፍ—ሃው ቱ ኣተይን ኢት (la)፣ ላስቲንግ ፒስ ኤንድ ሃፒነስ—ሃው ቱ ፋይንድ ዘም (pc፡ ንቡድሃውያን)፣ ዘ ፓዝ ወይ ቱ ፒስ ኤንድ ሃፒነስ (ph፡ ንቡድሃውያን)።

◼ ንሓደ ቛንቋ ቻይና ዚዛረብ ሰብ ክትምስክሩሉ ኸለኹም፡ ኣብታ ኔሽንስ እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ገንጺልኩም፡ ካብቲ Chinese (Traditional) (CH) ከምኡውን Chinese (Simplified) (CHS) ነየናይ ኬንብብ ከም ዚመርጽ ሕተትዎ። ብሓፈሻ፡ ካብ ሆንግ ኮንግ ወይ ታይዋን ዝመጹ ሰባት ነቲ ብChinese (Traditional) (CH) እተጻሕፈ ኼንብቡ እዮም ዚደልዩ፣ እቶም ካብ ቻይና ዝመጹ ኸኣ ነቲ ብChinese (Simplified) (CHS) እተጻሕፈ እዮም ዜንብቡ። ቪድዮ ወይ ኣውድዮ ኽትህብዎም ከለኹም ግን፡ እቲ ብዓል ቤት ዚዛረቦን ዚርድኦን ላህጃ ኣየናይ ምዃኑ ኣብ ግምት ከተእትዉ ኣለኩም። ብሓፈሻ፡ እቶም ካብ ቻይናን ታይዋንን ዝመጹ፡ Chinese (Mandarin) (CHM) ይርድኦም እዩ፣ እቶም ካብ ሆንግ ኮንግ ዝመጹ ግን፡ Chinese (Cantonese) (CHC) እዩ ዚርድኦም።

◼ ንሓደ ቻይናዊ እንተ መስኪርኩምሉ ወይ ኣድራሻኡ እንተ ረኺብኩም፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምእንቲ ኺግበረሉ፡ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሓበሬታ ኽትህቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድራሻኡ በታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም መሊእኩም እንተ ለኣኽኩምዎ ድማ ዝሓሸ እዩ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ናይ ጉባኤኹም ጸሓፊ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

◼ ኣብ ነሓሰ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ክንመያየጠላ ኢና። ዜድልየኩም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ቅዳሕ እዛ ቪድዮ እዚኣ ንምርካብ ብጉባኤ ኣቢልኩም ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ኽትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ