መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት
“ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዚሰምዖዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዘበለ እሞ ርአ። [ማቴዎስ 6:7 ኣንብብ።] እዛ ኣገዳሲት ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባ ጸሎት ብብዝሒ ዚለዓል ኣርባዕተ ሕቶታት መልሲ ትህበሉ።” ኣብ ገጽ 16 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! February
“ብዙሓት ሰባት፡ መጻኢና ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኵላትና ምርጫ ኣሎና። [ዘዳግም 30:19 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጽሕፍቶ ዚብሎ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 12 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
“ኵሉ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ነገራት፡ ኣቐዲሙ እተወሰነዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ። [መክብብ 9:11 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ብሩህ መጻኢ እኳ እንተ ወሰነላ፡ ነፍሲ ወከፍና ግን ንህይወትና ኽንመርሕ ከም ዝፈቐደልና ትገልጽ።”
Awake! March
“ሎሚ ብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣጸጋሚ ቝጠባዊ ዅነታት ብገንዘብ ይጭነቑ እዮም። ሓቀይዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ሚዛናዊ ምኽሪ እሞ ኣስተብህለሉ። [1 ጢሞቴዎስ 6:8, 10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ገንዘብና ንኸነካውን ዚሕግዘና መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም እንረኽበሉ መገዲ ትገልጽ።”