መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ሓያሎ ሰባት፡ ሃይማኖታት ዓለም ናብ ሓደ ኣምላኽ ዚመርሓ እተፈላለያ መገድታት ከም ዝዀና ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ርአ። [እያሱ 24:15 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሃይማኖትና ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እትመርሕ እንተ ዀይናን እንተ ዘይኰይናን ንምፍላጥ ብብሕቲ ኽንምርምር ዜድልየሉ ምኽንያት ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 12 እተጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! ሰነ
“ኵላትና ዝሞቱ ሰባት ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ገለ ኻብዚኣቶም ተቘጢዖም ኪጐድኡና ይኽእሉ እዮም ኢልና ኽንፈርህ ዚግባእዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ መክብብ 9:5, 6 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጸናንዕ እያ።” ኣብ ገጽ 22 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ሓያሎ ሰባት፡ ንምርድኡ የጸግሞም እዩ። ንስኻኸ ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ኽንርድኦን ካብኡ ኽንጥቀምን ይደልየና እዩ። [መዝሙር 119:130 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ ኪሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ርእይቶታት ትህብ።”
Awake! ሓምለ
“ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ብናይ መንፈስ ጭንቀት ይሳቐዩ እዮም። ኣምላኽ ነቶም ብስምዒታዊ መገዲ ዝሳቐዩ ሰባት ብብሕቲ ዚግደሰሎምዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ መዝሙር 34:18 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ እቶም ብጭንቀት ዚሳቐዩ ሰባት፡ ሕክምናዊ ኽንክን ኪግበረሎም ኣብ ዜድልየሉ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ካብ ኣምላኽ ብኸመይ ሓገዝ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ትገልጽ። ንኸነጸናንዖም እንታይ ክንብል ከም እንኽእል ዚሕብር ርእይቶታት እውን ትህብ።”