መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“መብዛሕትና ኸቢድ ሕማም ንዝሓመመ ፈታዊና እንታይ ከም እንብሎ ይሕርብተና እዩ። ብዛዕባ እዚ ምኽሪ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ [ያእቆብ 1:19 ኣንብብ። መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ሓያሎ ግብራዊ ርእይቶታት ትህብ።” ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! July
“ኣንስቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኪዀና ኺምዘዛ ይኽእላዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ኸንብበልካ። [ሮሜ 16:1 ኣንብብ።] ካልእ ጥቕሲ ኸኣ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ስቕ ኪብላ ኸም ዘለወን ይገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትገልጸልካ እያ።” ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ
“ብዙሓት ሰባት፡ እዛ ምድሪ ብኑክልየሳዊ ውግእ ወይ ከኣ ብለውጢ ዅነታት ኣየር እትጠፍእ ይመስሎም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ኸርእየካ። [ራእይ 11:18 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ንዚለዓል ኣርባዕተ ሕቶታት፡ መልሲ ትህብ።”
Awake! August
“ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘራሪቦምኻ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም ክነሶም፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እንኸደሉ ምኽንያት ይገርመካዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ።] ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ግጉይ ምርዳእ ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት ምዃኖም ትገልጽ።”