መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ እዋን፡ ውሽጣዊ ሰላም ኪርከብ ዚከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ። [ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ ሰላም ብኸመይ ክንረኽቦ ኸም እንኽእል ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣጕልሕ።
Awake! July
“መብዛሕትና ነቲ ኻብ ወለድና እተመሃርናዮ ነመስግነሉ ኢና። ነቲ ብቝልዕነትና እተመሃርናዮ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ምምርማርና ድፍረትዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ 1 ዮሃንስ 4:1 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሃይማኖት ምቕያር ጌጋ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ
“ገሊኦም ሰባት፡ ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ኣምላኽ ዚመርሓ እተፈላለያ መገድታት ከም ዝዀና ይዛረቡ። ኵለን ሃይማኖታት ቅኑዓት ዝዀናዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ማቴዎስ 7:13, 14 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ቅንዕቲ ሃይማኖት ክትገብሮ ዘለዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ሰለስተ ነገራት ትገልጽ።”
Awake! August
“ኵላትና ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ኣድልዎ ዄንና ንፈልጥ ኢና። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ኣንብብ።] ግዳያት ኣድልዎ ኽንከውን ከለና፡ ነዚ ንኽንጻወሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይና ኻብ ሱሩ ንኽንምሕዎ እውን ይሕግዘና እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነዚ ትገልጽ።”