ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/14 ገጽ 2
  • ንእዋን በዓል ዝኽሪ ዜሐጕስ ግበሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንእዋን በዓል ዝኽሪ ዜሐጕስ ግበሮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ፡ ካብ ሕጂ መድብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ወቕቲ በዓል ዝኽሪ—ኣገልግሎትና እነስፍሓሉ ኣጋጣሚ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ዕቤት የሆዋ ንገር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 2/14 ገጽ 2

ንእዋን በዓል ዝኽሪ ዜሐጕስ ግበሮ

1. ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ብዝያዳ ኸም እንሕጐስ ኪገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

1 ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ብዝያዳ ኽትሕጐስ ትደሊዶ፧ ኣገልግሎትካ ብምስፋሕ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኸኣ ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ብዝያዳ ኽትሕጐስ ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎትካ ምስፋሕካ ብዝያዳ ኸም እትሕጐስ ዚገብረካ ብኸመይ እዩ፧

2. ኣገልግሎትና ምስፋሕና ብዝያዳ ዜሐጕሰና ብኸመይ እዩ፧

2 ብዝያዳ ተሓጐስ፦ የሆዋ፡ ንዕኡ ብምምላኽን ንህርፋን መንፈሳውነትና ብምዕጋብን ክንሕጐስ ከም እንኽእል ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (ማቴ. 5:3) ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ብምሃብ ክንሕጐስ ከም እንኽእል ገይሩ እዩ ነዲፉና። (ግብ. 20:35) ኣገልግሎትና ድማ፡ ንየሆዋ ንኸነምልኾን ንኻልኦት ንኽንሕግዞምን የኽእለና እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ኽንካፈል ከለና፡ ዝያዳ ሓጐስ ኢና እንረክብ። ብዝያዳ ብዝሰበኽና መጠን ከኣ፡ ክእለትና እውን እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ዝያዳ ኽእለት ከነጥሪ ኸለና ድማ፡ ጭንቀትና ይንኪ፡ ምትእምማንና ኸኣ ይውስኽ። ምስክርነት ክንህብን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምርን ዜኽእለና ዝያዳ ኣጋጣሚ እውን ንረክብ ኢና። እዚ ዅሉ ተደማሚሩ፡ ንኣገልግሎትና ዜሐጕስ ይገብሮ።

3. ብሕልፊ መጋቢትን ሚያዝያን፡ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ዚጥዕማ ስለምንታይ እየን፧

3 ብሕልፊ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን፡ ን30 ሰዓት ወይ ን50 ሰዓት ንኸነገልግል ክንመርጽ ስለ እንኽእል፡ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ዚጥዕማ ኣዋርሕ እየን። ብዘይካዚ፡ ካብ ቀዳም 22 መጋቢት ጀሚሩ፡ ክሳዕ እቲ በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ ሰኑይ 14 ሚያዝያ፡ ንኻልኦት ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኺመጹ ንምዕዳም ኣብ ዚግበር ወፈራ ኽንካፈል ኢና። ንኽልታት ጉባኤኦም ኣብቲ ውሱን እዋን ንምሽፋን “ሐቢሮም” ዚጽዕሩ ኣስፋሕቲ፡ ንጉባኤታት ብሓጐስ ኪመልእወን እዮም።—ጸፎ. 3:9።

4. ሓገዝቲ ፈለምቲ ኽንከውን እንተ ደሊና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

4 ካብ ሕጂ ተዳሎ፦ ግዜ ወሲድካ፡ ንመደባትካ መርምሮ፣ ኣብ ሓደ ወይ ኣብ ዝያዳ ኣዋርሕ ኣገልግሎትካ ብምስፋሕ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ከም እትኽእል ድማ ሕሰብ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጸሊ። (ያእ. 1:5) ምስ ስድራ ቤትካን ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤኻን ከኣ ተዘራረበሉ። (ምሳ. 15:22) ጸገም ጥዕና እናሃለወካ ወይ ከኣ ስራሕ ዚበዝሓካ ኽነስኻ፡ ነቲ ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ዚርከብ ሓጐስ ክትምከሮ ትኽእል ኢኻ።

5. ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ኣገልግሎትና ንኸነስፍሕ እንተ ጽዒርና፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ፧

5 የሆዋ፡ ኣገልገልቱ ሕጉሳት ኪዀኑ እዩ ዚደሊ። (መዝ. 32:11) ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ኣገልግሎትና ንምስፋሕ ምጽዓርና፡ ብዝያዳ ኸም እንሕጐስ ኪገብረና እዩ፣ ንሰማያዊ ኣቦና እውን ኬሐጕሶ እዩ።—ምሳ. 23:24፣ 27:11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ