ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/98 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመጋቢት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 3/98 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመጋቢት

2 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 3

8 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:⁠- “እዚ ብዘይ ምቍራጽ ንመዘከርታይ ግበርዎ።” ብሽማግለ ዝዋሃብ ዝርርብ። ኣብ በዓል ዝኽሪ ናይ ምክፋል ኣድላይነት ብምጕላሕ: ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 80⁠-​1 ተጠቒምካ ኣሕጽር ኣቢልካ ሓሳብ ሃብ።

22 ደቒቕ:⁠- “ንኻልኦት ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ስረጸሎም።” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ሕቶታት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ምይይጥ ንምቕጻል ብኸመይ ከም ዝሕግዙ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ኣብ ኣቀራርባ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ሓበርቲ ሕቶታትን ርእይቶ ንምርካብ ዝቐርቡ ሕቶታትን ዝገልጽ ኣብነታት ሃብ። (ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ገጽ 51⁠-​2 ቍጽሪ 10⁠-​12 ርአ።) ሓደ ካብቲ ቐሪቡ ዘሎ ናይ መእተዊ ኣቀራርባታት ምስ ተመላሊስካ ምብጻሕ ገይሩ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመር ከሎ ዘርኢ መርኣያ ከቕርብ ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ኣዳሉ።

መዝሙር 88ን መዕጸዊ ጸሎትን

9 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 60

8 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:⁠- ካብ ዓመት መጽሓፍ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐሙ። ነቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓለምለኻዊ ቲኦክራሲያዊ ፍጻመታት ብምግላጽ: ሓደ ኣቦ ምስ ስድራቤቱ ዀይኑ ካብ ገጽ 3⁠-​6, 31 (እንግሊዝኛ) የቕርቦ። እታ ስድራቤት ኣብ እዋን መግቢ ብሓባር ኰይና ንዕለት ጥቕሲ ከምኡውን ንገለ ክፋል ዓመት መጽሓፍ ብምንባብን ብምምይያጥን እትረኽቦ ረብሓታት የርኢ: ዓመት ምሉእ ድማ ከምዚ እናገበሩ ክቕጽሉ ቈራጽነት ይግበር።

22 ደቒቕ:⁠- “ክንደግሞዶ ኢና፧” (ቍጽሪ 1⁠-​11) ሕቶን መልስን። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓጋዚ ፓይነር ናይ ምዃን ወፈራ ዝነበረ ጕሉሕ ነገራት ኣዘንቱ: ኣብቲ እዋን እቲ ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ቍጽሪ ሓገዝቲ ፓይነራት ድማ ጥቐስ። ነቲ ካብ ዕዮ ፓይነር ብኡንብኡ እንረኽቦ ብሕታዊ ረብሓታት ተመያየጠሉ: እዚ ተወሳኺ ጻዕሪ እዚ ድማ ንዕቤት እታ ጉባኤ ብኸመይ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣርኢ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ብዙሓት ፓይነር ምእንቲ ክዀኑ ንምሕጋዝ ኣብታ ጉባኤ ክግበር እተመደበ ናይ ኣገልግሎት ምድላዋት ግለጽ። እቶም ኣስፋሕቲ እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ መሕተቲ ቅጥዒ ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።

መዝሙር 195ን መዕጸዊ ጸሎትን

16 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 43

8 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ንዅሎም እቶም ተገደስቲ ሰባት ኣብቲ ኣብ 29 መጋቢት ዝግበር ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ክእከቡ ዓድሞም። እቲ ዝዋሃብ ዝርርብ “ስለምንታይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትውከሎ ከም እትኽእል” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኢዩ።

15 ደቒቕ:⁠- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

22 ደቒቕ:⁠- “ክንደግሞዶ ኢና፧” (ቍጽሪ 12⁠-​19) ሕቶን መልስን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 113⁠-​14 ተገሊጹ ዘሎ ብቕዓታት ዘርዝሮ። ሓጋዚ ፓይነር ምዃን ንሓደ ሰብ ስርዓታዊ ፓይነር ንኽኸውን ብኸመይ ከም ዘዳልዎ ግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝቲ ፓይነር ኰይኖም ዘገልገሉ ገለ ሰባት ነቲ ዝድለ 60 ሰዓታት ንምምላእ ብኸመይ መደባቶም ከም ዘተዓራረዩ ክነግሩ ዓድሞም። ካብቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይታ እታው እተገልጸ ናይ ኣገልገሎት መደባት ብዝበለጸ እተሰማምዖም ኣየናይ ኢዩ፧ ግዜ ከም ዝፈቐዶ: ነቲ ኣብ ናይ 1987 ዓመት መጽሓፍ ገጽ 48⁠-​9, 245⁠-​246 ዘሎ ተመክሮታት ኣዘንቱ። ኣስፋሕቲ እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ መሕተቲ ቅጥዒ ክወስዱ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 224ን መዕጸዊ ጸሎትን

23 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 94

10 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ንፍሉይ ዝርርብ ዝኸውን መዘኻኸሪ። እቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ናብቲ ኣብ 11 ሚያዝያ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኽካፈሉ ምዕዳም ክጅምሩ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ቅዳሕ ናይ ዕድመ ወረቐት ኣርኢ: ዝኣኽሎም ክወስዱን ኣብዚ ሰሙን እዚ ምዝርጋሕ ክጅምሩን ንዅሎም ተላበዎም። ኣስማት ናይቶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፓይነራት ዝዀኑ ኵሎም ንገር። መሕተቲ ቅጥዒ መሊእካ ንምሃብ ግዚኡ ከም ዘይሓለፈ ግለጽ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንኣገልግሎት እተመደበ ናይ ኣኼባታት መደብ ብምሉኡ ግለጽ።

20 ደቒቕ:⁠- ሓደስቲ ሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምክፋል ተዳለዉ። ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን ዝርርብን። እቶም ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይሮም ጽንዓት ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት ተማሃራዮም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምእንቲ ኽካፈል ንኸዳልውዎ ክሓስብሉ ኣሎዎም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ገጽ 105⁠-​6 ቍጽሪ 14: ከምኡውን ገጽ 179 ቍጽሪ 20 እተገልጸ ነጥብታት ግለጽ። ነቲ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 16⁠-​17 ቍጽሪ 7⁠-⁠10 ዘሎ ሓደስቲ ሰባት ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ተባሂሎም ምእንቲ ኽፍለጡ ክግበር ዘለዎ መምርሒ ዘርዝሮ። እቶም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኣገልግሎት ንኽጅምሩ ንምሕጋዝ ነቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 19 ዘሎ ሓሳባት: ንቘልዑ ዝምልከት ድማ ነቲ ኣብ ናይ ሰነ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሓሳባት ርአ።

15 ደቒቕ:⁠- ሕቶ ሳጹን። ብሕቶን መልስን። እቲ ሽማግለ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 131 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ከምኡውን 2 ዘሎ ሓሳባት የቕርቦ።

መዝሙር 47ን መዕጸዊ ጸሎትን

30 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 29

12 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ መጋቢት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ካብቲ ኣብ ናይ ሚያዝያ 1987 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ዝርከብ “ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎትካ ብልክዕ ኣቕርብ” ዝብል ግቡእ ነጥብታት ጥቐስ። እዋናዊ ሕታም መጽሔት ኣርኢ: ከተበርክቶም ከለኻ ኣየናይ ዓንቀጻት ከም እተጕልሕ ሓሳባት ሃብ: ገለ ፍሉያት ናይ መዘራረቢ ነጥብታት ድማ ጥቐስ። ነቲ “ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት” ኣቕርቦ: ናይታ ጉባኤ ናይ በዓል ዝኽሪ ምድላዋት ድማ ግለጽ። ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን ንኽካፈሉ ንምሕጋዝ ኵሎም ናይ መወዳእታ መደብ ከውጽኡ ኣለዎም። ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ምምርማር ተገሊጹ ዘሎ: ነቲ ካብ 6⁠-​11 ሚያዝያ ክንበብ እተመደበ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም።

13 ደቒቕ:⁠- “ቈልዑ​—⁠ሓጐስና ኢኹም!” ሕቶን መልስን። ነቲ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ተመክሮ ኣዘንቱ።

20 ደቒቕ:⁠- መንፈሳዊ ድኻም እንቃለሰሉ መገድታት። ክልተ ሽማግለታት ነቲ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1986 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሳጹን ይመያየጥሉ። ሓደ ሰብ ንነፍሲ ወከፍ “ምልክት ድኻም:” ካብቲ ኣብ ጐድኒ ዘሎ “ንኽትዋጽኣሉ ዝሕግዝ” ዝብል ኣርእስቲ ብኸመይ ክጥቀም ከም ዝኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዝዀነ መገዲ ይግለጹ። ድሕርዚ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ነጥብታት ኣብ ተግባር ምውዓል መንፈሳዊ ሓይሎም ንኽዕቅቡ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ሓሳብ ንዝህቡ ክልተ ኣስፋሕቲ የዘራርቡ።

መዝሙር 140ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ