ቈልዑ —ሓጐስና ኢኹም!
1 ኣቱም ንኣሽቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘበልኩም: ነቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ክትካፈሉ ከም ዘለኩም ዝገልጽ ትእዛዝ የሆዋ ትፈልጥዎዶ፧ (ዘዳ. 31:12፣ መዝ. 127:3) ንየሆዋ ብሓባር ኴንና ከነምልኾ ከለና: ምሳና ምህላውኩም ዘሐጕስ ኢዩ! ኣብ ኣኼባታት ህድእ ኢልኩም ኮፍ ክትብሉን ነቒሕኩም ክትሰምዑን ከለኹም ንኣልባብና ብሓጐስ ትመልእዎ ኢኹም። ብናይ ገዛእ ርእስኹም ቃላት ገይርኩም ሓሳብ ንምሃብ ክትፍትኑ ከለኹም ከኣ ብዝያዳ የሐጕስና ኢዩ። ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምዱብ ክፍልታት ምስ እተቕርቡ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብቕንኢ ምስ እትሓብሩና: ንመማህርትኹምን መምህራንኩምን ብትብዓት ከም እትምስክሩሎም ድማ ምስ እንሰምዕ: ብምልእታ እታ ጉባኤ ትሕጐስ ኢያ።—መዝ. 148:12, 13
2 ነቲ ጽቡቕ ኣገባብኩም: ምዕሩግ ኣካላዊ ትርኢትኩም: ጽፉፍ ጠባይኩም: ከምኡውን ንዓበይቲ ዘለኩም ክብሪ ምስ እንርኢ: ብኣኻትኩም ከም እንዀርዕ ክትፈልጡ ንደሊ ኢና። ብፍላይ ንብሕትኹም ዝኸውን ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ብምውጻእ ‘ንፈጣሪኹም ትዝክሩ’ ከም ዘለኹም ምስ እተርእዩ: ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዓና።—መክ. 12:1፣ መዝ. 110:3
3 ሸቶታትኩም ንገሩና:- ሓደ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ንሓደ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ከምዚ ብምባል ነገሮ:- ‘ፈለማ ክጥመቕ እደሊ ኢየ: ብድሕሪኡ ኣብ ናይ ድምጺ ክፍሊ ብምግልጋልን ማይክሮፎን ብምትዕርራይን: ተቐባሊ ኣጋይሽ ብምዃን: ኣብ ጽሑፋት ብምሕጋዝ: ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍን ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕትን ብምንባብ ኣብ ጉባኤ ክሕግዝ እፈቱ ኢየ። ድሕርዚ ኣገልጋሊ ጉባኤ: ቀጺለ ድማ ሽማግለ ክኸውን እፈቱ ኢየ። ፓይነር ክኸውንን ናይ ፓይነር ቤት ትምህርቲ ክካፈልን እውን እደሊ ኢየ። ድሕርዚ ቤትኤል ክኣቱ: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ወይ ከኣ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ክኸውን እደሊ ኢየ።’ ነቲ ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል መሰል ከመይ ዝበለ ሰናይ ሞሳ ኰን ኢዩ ዘርኣየ!
4 ብኣካልን ብመንፈስን እናዓበኹም ብዝኸድኩም መጠን: ነቲ ሸቶታትኩም በጺሕኩምዎ ክንርእየኩም ንሕጐስ ኢና። (ምስ ሉቃስ 2:52 ኣረኣእዮ።) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካባታትኩም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ: ብድሕሪኡ ድማ ከም ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ንኽጥመቑ ብቑዓት ይዀኑ ኢዮም። ኣብ ዝቕጽል ግዜ ሓገዝቲ ፓይነራት ንኽትኰኑ ክትማጣጠሩ: ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እውን ከይተረፈ ኣቲኹም ምስ እንርእየኩም ሓጐስና ይውስኽ ኢዩ። ብሓቂ: ቈልዑ ሓጐስናን ነቲ ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና እነቕርቦ ውዳሰ ድማ ዘገርም ምንጭን ኢኹም። የሆዋ ኣብዚሑ ይባርኽኩም!—ምሳ. 23:24, 25