“እዚ ብዘይ ምቍራጽ ንመዘከርታይ ግበርዎ”
1 ሰባት ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ንቑም ነገር ናይ ገለ ኣገደስቲ ጕዳያት ናብ ምርሳዕ ገጾም ኢዮም ዝኸዱ። የሱስ ‘ድራር ጐይታ’ ከቕውም ከሎ: ንደቀ መዛሙርቱ “እዚ [“ብዘይ ምቍራጽ:” NW ] ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ዝኣዘዘሉ ሓደ ምኽንያት እዚ ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር እውን እንተዀነ: ክርስትያናት ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ሞት የሱስ: “ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ [ብምንጋር]” ብተኣዛዝነት ቀጺሎም ኢዮም።—1 ቈረ. 11:20, 23-26
2 ድሕሪ ሓጺር ግዜ: የሱስ ነቶም እናጐደሉ ዝኸዱ ዘለዉ ናይ መወዳእታ ተረፍ ናይቲ “ሒደት መጓሰ” ናብቲ ሰማያዊ መንበሪ ክቕበሎም ኢዩ። (ሉቃ. 12:32፣ ዮሃ. 14:2, 3) ኣብዚ ዓመት እዚ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ምስቶም እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ናይቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኰይኖም: ኣብ 11 ሚያዝያ እንደገና ድራር ጐይታ ናይ ምብዓል መሰል ክህልዎም ኢዩ። (ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 7:9, 10) እቲ የሆዋ ምእንቲ ደቅሰብ ክብል ነቲ ሓደ ወዱ ብምልኣኽ ዘርኣዮ ዓቢ ፍቕሩ ዘለዎም ሞሳ ክውስኽ ኢዩ። ኣብነት የሱስ: ፍቕሩ: በጅነት ብምድላው ክሳዕ ሞት ተኣማንነት ምርኣዩ: ኣብታ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ንጉስ ኰይኑ ሕጂ ይገዝእ ምህላዉ: ከምኡውን እታ መንግስቲ ንደቅሰብ እተምጽኣሎም በረኸታት ክጐልሕ ኢዩ። ብሓቂ ክዝከር ዘሎዎ ኣጋጣሚ ኢዩ!
3 ሕጂ ተዳሎ:- እዚ በዓል ዝኽሪ እዚ ንዓናን ንዅሎም እቶም ምሳና ዝሓብሩ ሰባትን ዓቢ ሓጐስን ደስታን ዘምጽእ ከም ዝኸውን ንምግባር ኵላትና ንዕየ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ መወዳእታ ሒደት መዓልትታት ኣገልግሎት የሱስን ነቲ ናብ ሞት ዝመርሖ ፍጻመታትን ዝምልከት ጸብጻባት እንደገና ብምንባብ ንኣልባብና ከነዳልዎ ንኽእል ኢና። ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕትና ቅድሚ እቲ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ ሓያሎ ሰሙናት: ነታ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምዕራፍ 112-16 ንምጽናዕ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
4 ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ዘለዎም ሞሳ ንምልዕዓልን ንምዕዳምን ንኽትቅበሎምን ተበግሶ እንተድኣ ወሲድካ: ናብ ዝኽሪ በዓል ክመጹ ዝኽእሉ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኢኻ እትፈልጥ፧ ስም ዝርዝር ሕጂ ኣዳሉ: ንኽመጹ ምእንቲ ክትሕግዞም ድማ ዝከኣለካ ዘበለ ዅሉ ግበር። ብድሕርዚ: ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኣኼባታት ክካፈሉ ብምትብባዕ ብመንፈስ እናዓበዩ ክኸዱ ሓግዞም።
5 ኣብ እዋን እቲ በዓል ዝኽሪ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ስብከት ኣጋጣሚታቱ ምእንቲ ኸስፍሕ ፍሉይ ምድላዋት ክግበር ኢዩ። ጽቡቕ መደብ ብምውጻእ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ሓጋዚ ፓይነር ክትከውንዶ ምኸኣልካ፧ ንዅሉ እቲ ናይ የሱስ መስዋእቲ ኣባና ዘለዎ ትርጕም ሞሳ ብምርኣይ ከም ዝዘከርናዮ ዘርኢ ካብቲ ዝበለጸ መገድታት ሓደ: ብዛዕባ ኣምላኽና የሆዋን ብዛዕባ እታ ብወዱ እትግዛእ መንግስቲ እተምጽኦ በረኸታትን ብምዝራብ ኢዩ።—መዝ. 79:13፣ 147:1