መንእሰያት— መንፈሳዊ ሸቶታትኩም እንታይ ኢዩ፧
1 ትርጕም ዘለዎ ስራሕን ክብጻሕ ዝከኣል ሸቶታትን: ሓጐስ ኣብ ምምጻእ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ የሆዋ ይፈልጥ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15, 19 ርአ።) የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ናይ ምስባኽን ምምሃርን መዝነት ሂብዎም ኣሎ። ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ዝለዓለ ሸቶ እውን ኣሎና። ክሳዕ ሽዑ ግን: ጕልበትናን ገንዘብናን ኣብ ዘይመዓላኡ ካብ ምጥፋእ ክንርሕቕ እንተድኣ ኴንና እናማዕበለ ዝኸይድ መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእ የድልየና ኢዩ።—1 ቈረ. 9:26
2 ንመንእሰያት ዝኸውን ተግባራዊ ሸቶታት:- መንእሰያት ብውልቃዊ ዓቕምታቶም ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ክህልዎም ኣለዎ። (1 ጢሞ. 4:15) ገሊኦም ንኣሽቱ ቈልዑ ምንባብ ቅድሚ ምምሃሮም እውን ከይተረፈ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ብኣእምሮኦም ናይ ምዝካር ሸቶ በጺሖምዎ ኢዮም። ቈልዑ ኣብቲ ቁም ነገር ዘለዎ ሓሳባት ናይ ምሃብን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ናይ ምምዝጋብን ሸቶ ክበጽሑ ምእንቲ ክኽእሉ ብናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣቢሎም ንኣኼባታት ምድላው ይማሃሩ ኢዮም። ቈልዑ ንወለዶም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስ ዘሰንይዎም: ምስክርነት ኣብ ምሃብ ግደ ንኽህልዎምን ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ናብ ናይ ምዃን ሸቶ ገጾም እናዓበዩ ንክኸዱን ይማሃሩ ኢዮም። ወለዲ: ንደቆም ናይ ወፈያን ጥምቀትን ሸቶ ክገብሩ ክሕግዝዎም ኣለዎም።
3 ኰተቴ እንተድኣ ኴንካ: መንፈሳዊ ሸቶታትካ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ናብቲ ኣብ ህይወት ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ሸቶታት ብምትኳር “[“ሕጂ:”NW ] ንፈጣሪኻ ዘክሮ።” (መክ. 12:1፣ መዝ. 71:17) ኣብቲ ካብ ትምህርቲ እተዕርፈሉ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፓይነር ዘይትኸውን፧ ስርዓታዊ ፓይነር ብምዃን ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምዕያይ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኣብ መጻኢ ግዜ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ዝምስረት ናይ ወጻኢ ቋንቋ ጕጅለ ወይ ጉባኤ ክትሕግዝ ምእንቲ ኽትክእል ሓድሽ ቋንቋ ብዛዕባ ምምሃርከ፧ ሎሚ ኣብ ቤትኤል ወይ ከም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ወይ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋት: ገና ኣብ ትምህርቲ ከለዉ ኢዮም ንፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሸቶ ገይሮም ዝሓዝዎ። ንስኻኸ ከምኡ ዘይትገብር፧
4 ገና ንእሽቶ ከሎኻ: ናይ የሱስ ኣብነት ንምቕዳሕ ፋሕተርተር በል። የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ እውን ከይተረፈ: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ንምዝራብ ድሉው ኢዩ ነይሩ። (ሉቃ. 2:42-49, 52) ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባር: መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ: ከምኡውን ኣብ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ምስ ብሱላት ክርስትያናት ስርዓታዊ ኴንካ ንምሕባር ጠቓሚ ሸቶታት ምውጻእ: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ገይርካ ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር ክእለት ከተጥሪ ክሕግዘካ ኢዩ።