መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ
1 ንየሆዋ ንዘለኣለም ክንውድሶስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን ኢዩ! ነዚ ሸቶ እዚ ምእንቲ ኽንበጽሖ ግን ንኣሽቱ መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእን ነዚ ሸቶታት ክንበጽሖ ክንጽዕርን ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ጕልበትና ብጥበብ ንኽንጥቀመሉ የኽእለና። (1 ቈረ. 9:26) እንታይ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል፧
2 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ:- ንነፍሲ ወከፍ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ትዳለወሉ ዲኻ፧ መጽናዕቲ ኽትገብር ከሎኻ ምርምር ንምግባርን ንምስትንታንን ዝኸውን ግዜ ትምድብ ዲኻ፧ ንኣብነት: ነቲ ኣብ ሰሰሙን እንወስዶ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ትምህርቲ መጽሓፍ ክትዳሎ ኸሎኻ: ነቲ መልሲ ኣስሚርካ ጥራይ ዲኻ እትሓልፎ ወይስ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ብምንባብን ነቲ መግለጺታት ብምስትንታንን ንምርድኡ ጻዕሪ ትገብር ኢኻ፧ ኣብ ሰሰሙን ካብቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እተመደበልና ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተወሰነ ነጥብታት ንኸተስተንትነሉ ሸቶ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ብመንፈሳዊ መገዲ ኸምዚ ጌርካ ንኽትኵዕት ግዜን ጻዕርን ዝሓትት እኳ እንተዀነ ብዙሕ በረኸት ግን ኣለዎ።—ምሳ. 2:4, 5
3 ናይ ጉባኤ ኣኼባታት:- ካልእ ከተውጽኦ እትኽእል ሸቶ ኸኣ ኣብ ሓሙሽቲኡ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ኢዩ። ኣቐዲምካ ብምኻድ ምስ ኣመንቲ ብጾትካ እተዕልልን ኣብ መኽፈቲ መዝሙር ኰነ ጸሎት እትካፈልን እንተደኣ ዄንካ: ኣብታ ጉባኤ ጽቡቕ መንፈስ ንኽሰፍን ኣበርክቶ ጌርካ ማለት ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ሓሳባት ንኽንህብን እንህቦ ሓሳባት ንኸነመሓይሽን እውን ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ምናልባት ነቲ ኣብቲ ጽሑፍና ዝርከብ ጥቕሲ ምስቲ ነጥቢ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ: እቲ ትምህርቲ እውን ኣብ መዓልታዊ ናብራና ብኸመይ ከም እነውዕሎ ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ።—እብ. 10:24, 25
4 ግራት ኣገልግሎት:- ሸቶታት ነውጽእ እንተደኣ ዄንና: ኣገልግሎትና እውን ኣጸቢቑ ይመሓየሽ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ክንደይ ሰዓታት ከተሕልፍ ከም ዘሎካ ብብሕትኻ ሸቶ ተውጽእ ዲኻ፧ ገሊኣቶም እዚ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ወይ ድማ ኣብ ገሊኡ መዳይ ኣገልግሎትካ ኸተመሓይሽ ትኽእልዶ፧ ንኣብነት: ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከሎኻ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃም: ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር: ወይ ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሎም ጽቡቕ ጌርካ ብምምሃር ዝመጸ መመሓየሽካዶ፧
5 ወለዲ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ሸቶታቶም ከእትዉዎ ንውሉዳትኩም ተተባብዑዎም ዲኹም፧ ፓይነር ወይ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኴንካ ምግልጋል ንየሆዋ ዘለዎም ሞሳ ዘርእዩሉ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ንኽግንዘቡ ሓግዝዎም።—መክ. 12:1
6 ንንጥፈታትና ምልስ ኢልና ምስ እንምርምር: መንፈሳዊ ሸቶታት ምስ እነውጽእ: ሸቶታትና ንምውቃዕ ኸኣ ምስ እንጽዕር: ኣብ ኣገልግሎትና ዝያዳ ሓጐስ ክንረክብን ንኻልኦት ከነጸናንዕን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 1:12