ሚያዝያ—‘ኣበርቲዕና እንዓየላን እንጽዕረላን’ ወርሒ
1 ኣብ ከባቢ በዓል ዝኽሪ ዘሎ እዋን ህዝቢ የሆዋ ዘስተንትኑሉ ግዜ ኢዩ። ሞት ክርስቶስ እንታይ ከም ዝገበረልና ዝሓስብሉ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብዝፈሰሰ ደም የሱስ እተረኽበ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ዘስተንትንሉ እዋን ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ዓሚ 19 ሚያዝያ ኽትሓስብ ከሎኻ እንታይ ኢዩ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጸካ፧ በታ ምሸት እቲኣ ዝረኣኻዮም ሓደስቲ ሰባት: ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዝነበረ ባህ ዘብል መንፈሳዊ ሃዋሁ: ከምኡውን ነቲ ኣገዳሲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝርርብን ልባዊ ጸሎትን ትዝክሮዶ፧ ምናልባት ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ የሆዋን የሱስን ዘርኣዩኻ ፍቕሪ ዘሎካ ሞሳ ብዝያዳ ንምርኣይ ወሲንካ ነይርካ ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ምግባር ሕጂ ብኸመይ ክጸልወካ ይኽእል፧
2 ህዝቢ የሆዋ ብቓላት ጥራይ ኣይኰኑን ሞሳኦም ዝገልጹ። (ቈሎ. 3:15, 17) ብፍላይ ዝሓለፈ ሚያዝያ ነቲ የሆዋ ንድሕነት ኢሉ ዝገበሮ ምድላዋት ዘሎና ሞሳ ንምግላጽ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ተወሳኺ ንጥፈታት ገይርና ኢና። ኣብ ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ስለ ዝዀኑ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዝለዓለ ቍጽሪ ሓገዝቲ ፓይነራት ብ35 ሚእታዊት ሓሊፍዎ ኢዩ። እዞም ሓገዝቲ ፓይራትን ኵሎም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽን ዝገበርዎ ጻዕሪ ተደሚሩ ኣብ ሰዓታት: እተበርከተ መጽሔታት: ከምኡውን ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ተመዝጊቡ ኢዩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓደስቲ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ በዓል ዝኽሪ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብትን ብምርካብና ተሓጒስና ኢና!
3 እወ: እቲ ዘየወላውል ተስፋና ብግብሪ ንኽንንቀሳቐስ ይድርኸና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ኢዩ:- “በቲ ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ንኣመንቲ: ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና [“ኣበርቲዕና:” NW ] እንዐይን እንጽዕርን ዘሎና።”—1 ጢሞ. 4:10
4 ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ኣብቲ የሆዋ ህይወት ንኽንረክብ ዝገበሮ ምድላዋት ዘሎካ እምነት ብኸመይ ከተርኢ ኢኻ፧ ዝሓለፈ ሚያዝያ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝበዝሑ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ተኻፊሎም ነይሮም። ኣብዛ እትመጽእ ዘላ ወርሒ ሚያዝያ ካብቲ ናይ ዓሚ ንላዕሊ ኽንገብር ንኽእልዶ ኢና፧ ነዚ ሸቶ እዚ ኽንበጽሖ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ነፍሲ ወከፍ እተጠመቐ ይኹን ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ተሳትፎ ኽገብር ኣለዎ። ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት እውን ኣብ ኣገልግሎት ንምክፋል ብቑዓት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣበርቲዕካ ንኽትዓዪን ንኽትጽዕርን መደብ ክትገብር ከሎኻ: ሓደስትን ተመክሮ ዘይብሎምን ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ንኽሓብሩና ኸተነቓቕሓሉ እትኽእል መገድታት ሕሰብ።
5 ንገሊኣቶም እንደገና ንጡፋት ኣስፋሕቲ ንኽዀኑ ምሕጋዞም:- ንሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ዘየገልገሉ ኣስፋሕቲ ትፈልጥ እንተድኣ ዄንካ: ምናልባት ከተተባብዖምን ምሳኻ ናብ ግራት ኣገልግሎት ክኸዱ ኽትዕድሞምን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጉባኤኹም ዝዛሕተሉ ሰባት እንተድኣ ሃልዮም: ሽማግለታት ምብጻሕ ንኽገብሩሎምን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣገልግሎት ክጅምሩ ንኸተባብዕዎምን ፍሉይ ጻዕሪ ኽገብሩ ኢዮም።
6 ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንብርትዕ ኵላትና መንፈስ የሆዋ ኽወሃበና ንለምን። (ሉቃ. 11:13) መንፈስ ቅዱስ ንኽወሃበና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ከነንብብ ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ኣብ ኵሉ ሓሙሽተ ሰሙናዊ ኣኼባታት ብምክፋል ‘እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ክንሰምዕ’ ይግብኣና። (ራእ. 3:6) ዘይስርዓታውያንን ዝዛሕተሉን ሰባት ኣብ ዝገብርዎ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምምሕያሽ ክገብሩን ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽካፈሉን ንምሕጋዞም እታ ምችእቲ ግዜ ሕጂ ኢያ። (መዝ. 50:23) ከምዚ ኽንገብር ከሎና ብዛዕባ መንፈሳውነትና እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ካልእ ዘድሊ ነገር እውን ኣሎ።
7 ኣምላኽ “ነቶም ዚእዘዝዎ” መንፈስ ቅዱሱ ከም ዝህቦም ሃዋርያ ጴጥሮስ ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 5:32) እዚ ተኣዛዝነት እዚ ነቲ ‘ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን እተዋህበና ትእዛዝ’ ኣብ ግብሪ ምውዓል እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ግብ. 1:8፣ 10:42) ስለዚ: ንኽንሰብኽ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ ምብርታዕ ዘድልየና እኳ እንተዀነ: ንየሆዋ ንምሕጓስ ዘሎና ባህጊ ብግብሪ ኸነርኢ እንተድኣ ጀሚርና ንሱ እውን ብዝያዳ ክሕግዘና ኢዩ። እዙዛት ብምዃን ፈለማ ነዚ ስጕምትታት እዚ ምውሳድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ፈጺምና ሸለል ኣይንበሎ!
8 ንንኣሽቱ ምሕጋዞም:- ወለዲ: ደቅኹም ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ኽነግሩ ባህጊ ከም ዘለዎም ተዓዚብኩምዶ ኢኹም፧ ምሳኻትኩም ኣገልግሎት ይኸዱዶ ኢዮም፧ ብጠባዮም ዝነኣዱዶ ኢዮም፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኖም ንምንታይ ሎሚ ጽባሕ ትብሉ ኣለኹም፧ ናብ ሓደ ኻብቶም ናይ ጉባኤኹም ኣባላት ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ቐሪብኩም ውሉድኩም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣስፋሒ ንምዃን ብቕዓት እንተለዎ ሕተቱ። (መጽሓፍ ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ] ገጽ 99-100 ርአ።) ደቅኹም ኣብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ንየሆዋ ዝግበር ውዳሰ ዓቢ ኣበርክቶ ኽገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣይትረስዑ።—ማቴ. 21:15, 16
9 ሓንቲ ኣብ ጆርጅያ: ሕ.መ.ኣ.: እትነብር ክርስትያን ኣደ ነታ ንእሽቶ ጓላ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኽትነግር ኵሉ ሳዕ ተተባብዓ ነበረት። ዝሓለፈ ዓመት እታ ቘልዓ ምስ ኣዲኣ እናገልገለት ከላ ንሓደ ሰብኣይ እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣበርከተትሉ: ኣሕጽር ኣቢላ ድማ ነቲ ትሕዝቶ ገለጸትሉ። እቲ ሰብኣይ ከኣ “ጓል ክንደይ ዓመት ኢኺ፧” ኢሉ ሓተታ። “ሸውዓተ” ኢላ መለሰትሉ። ቍም ነገር ዘለዎ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ምስ ረኣየ ደንጸዎ። ኣጋጣሚ ዀይኑ እቲ ሰብኣይ ብንእሽትኡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሓብር እኳ እንተ ነበረ: ንሓቂ ኣርዚኑ ስለ ዘይረኣዮ ግን ከም ክፍሊ ናብራኡ ንምግባር ሓሲቡ ኣይፈልጥን ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ሰብኣይ: በዓልቲ ቤቱ: ከምኡውን ጓሉ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ።
10 ብዙሓት ቈልዑ ኣስፋሕቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ: ምሳና ሓቢሮም ከገልግሉ ኸለዉ ድማ ባህ ኢዩ ዝብለና። እዞም ንኣሽቱ መንእሰያት እዚኣቶም ንኻልኦት መዛኑኦም ከነቓቕሑን ከተባብዑን ይኽእሉ ኢዮም። ስድራቤታት ኣብ ውሽጠን ዘሎ ማእሰር ንምድልዳልን ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ሓቢረን ብምስታፍ መንፈሳውነተን ንምህናጽን ወርሒ ሚያዝያ እትምችእ እዋን ኢያ። ርእሲ ስድራቤታት ኣብዚ መዳይ እዚ መሪሕነት ክወስዱ ኣለዎም።—ምሳ. 24:27
11 ንጽንዓታት ምሕጋዞም:- ብዛዕባ እቶም ጽንዓት እትገብረሎም ሰባትከ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝግበር ፍሉይ ንጥፈት ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ ምናልባት ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 2 ቍጽሪ 22 ወይ ምዕራፍ 11 ቍጽሪ 14 ከተጽንዑ ኸለኹም ነቲ ዝማሃርዎ ዘለዉ ንኻልኦት ንምንጋር ባህጊ ከም ዘለዎም ሓቢሮምኹም ይዀኑ። ነታ መጽሓፍ ክትውድእዋ እንተድኣ ቐሪብኩም: ነቲ ኣብ ምዕራፍ 18 ቍጽሪ 8 ዘሎ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሓሳባት ብግልጺ ንምምይያጥ ተዳለወሉ:- “ምናልባሽ ንኣዝማድካን ኣዕሩኽካን ካልኦትን ነቲ እትማሃሮ ዘሎኻ ክትነግሮም ትህንጠ ትህሉ። እኳ ድኣ: ከምቲ የሱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚታት ነቲ ብስራት ንኻልኦት ዘካፍሎ ዝነበረ: ንስኻውን ድሮ ነዚ ክትገብሮ ጸኒሕካ ትኸውን። (ሉቃስ 10:38, 39፣ ዮሃንስ 4:6-15) ሕጂ ኸኣ ዝያዳ ክትገብር ትደሊ ትኸውን።” እቶም ጽንዓት እትገብረሎም ዘሎኻ ሰባት ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ኣለዎምዶ ኢዩ፧
12 እቲ ጽንዓት እትገብረሉ ሰብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ይኣምንዶ ኢዩ፧ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ የውዕሎዶ ኢዩ፧ ናብርኡ ምስ መለኮታዊ ስርዓታት ከም ዝሰማማዕ ገይሩዶ ኢዩ፧ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ይሳተፍዶ ኢዩ፧ ንየሆዋ ኣምላኽ ከገልግሎ ይደሊዶ ኢዩ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ብምዃን ምሳኻ ብሓባር ንምግልጋል ብቑዕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ሽማግለታት ምእንቲ ኽውስኑ ንኸዘራርቦም ንምንታይ ዘይተተባብዖ፧ (መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 97-9 ርአ።) በዚ ኸምዚ ኸኣ ንየሆዋ ንምግልጋል ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ማሕበር የሆዋ ብኸመይ ከም እትሕግዞ ባዕሉ ኽሙከሮ ኢዩ።
13 ልክዕ ኢዩ: ገሊኦም ጽንዓታት ካብ ካልኦት ብዝያዳ ቕልጡፍ ዕቤት ይገብሩ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ናይ ሰነ 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 ቍጽሪ 5-6 ዘሎ መምርሒ ብምስምማዕ ነቶም ኣብ መጀመርታ ተገዳስነት ዘርኣዩ እንተዀነ ግን ንጡፋት ንኽዀኑ ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብኻልኣይቲ መጽሓፍ ጽንዓት ይግበረሎም ኣሎ። እዞም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት “ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ” ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ከም ዝዀኑ ፈጺምና ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። (ግብ. 26:29 NW ) እንተዀነ ግን: እቲ ሰብ ጽንዓት ካብ እትጅምረሉ ‘ነዊሕ እዋን’ ዝገበረ እንተድኣ ዀይኑ: ንበጅነት ክርስቶስ ዘለዎ ሞሳ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ንምርኣይ እዚ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውንዶ ኣይክእልን፧
14 ኣብ ኣገልግሎት ንኽካፈሉ ብኸመይ ከም እትሕግዞም:- ካብቲ የሱስ ንኻልኦት ዘሰልጠነሉ መገዲ ብቕዓት ንዘለዎም ሰባት ኣገልግሎት ንኽጅምሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ንደቀ መዛሙርቱ ብቐጥታ ናብ እኩባት ሰባት ወሲዱ ንኽዛረቡ ኣይኣዘዞምን። መጀመርታ ዕዮ ስብከት ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሓሎም: ብጸሎት ክሓስቡሉ ኣተባብዖም: ድሕሪኡ ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት ማለት መገላግልቲ: ዞባ: ከምኡውን ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሃቦም። (ማቴ. 9:35-38፣ 10:5-7፣ ማር. 6:7፣ ሉቃ. 9:2, 6) ንስኻውን ተመሳሳሊ መገዲ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓገዝ እትገብረሉ ሰብ እንተ ውላድካ እንተ ጽንዓትካ ወይ ንገለ ኣዋርሕ ጸብጻብ ዘይሃበ ኣስፋሒ ይኹን ብዘየገድስ ነዚ ዝስዕብ ሸቶታት ብምሓዝ ፍሉይ ጻዕሪ እንተ ገበርካ ሰናይ ኢዩ።
15 ንኣድላይነት ዕዮ ስብከት ኣጕልሕ:- ዕዮ ስብከት ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብቲ ውልቀ-ሰብ ስረጽ። ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ጉባኤኹም ኣብ ኣገልግሎት እንታይ ትፍጽም ከም ዘላ ዝሕብር ተመክሮ ንገሮ። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 9:36-38 ተገሊጹ ዘሎ ናይ የሱስ ስምዒት ኣንጸባርቕ። ነቲ ኣስፋሒ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሰብ ወይ ነቲ ዝዛሕተለ ኣስፋሒ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝህልዎ ተሳትፎ ከምኡውን እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዕዉት ምእንቲ ኽኸውን ክጽሊ ኣተባብዓዮ።
16 እቲ ውልቀ-ሰብ ምስክርነት ንምሃብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዘለዎ ንኽሓስበሉ ኣተባብዓዮ:- ካብ ቤት ናብ ቤት ንምግልጋል ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍኩም ኣብ እትገብሮ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኽመጽእ ከም ዝኽእል ጥቐሰሉ። ንኣዝማዱን ዝፈልጦም ሰባትን ወይ ድማ ንመሳርሕቱ ወይ መማህርቱ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቱ ከዘራርቦም ከም ዝኽእል ሓብሮ። ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ጥቓኡ ንዘሎ ሰብ ብሕታዊ ተገዳስነት ብምርኣይ ዝርርብ ክጅምር ከም ዝኽእል ሓብሮ። ዕላል ንምጅማር ተበግሶ ምስ እንወስድ ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ። “ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ” ተስፋና ንኻልኦት ከነካፍለሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ።—መዝ. 96:2, 3
17 እንተዀነ ግን: ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ካብ ቤት ናብ ቤት እንተ ኣገልገልካ ዝሓሸ ኢዩ። ኣብ ሚያዝያ ኣብ ኣገልግሎትካ ወሰኽ ንምግባር ሸቶ እንተለካ እኹል ዞባ ምእንቲ ኽትሕዝ ነቲ ናይ ዞባ ኣገልጋሊ ሕተቶ። ኣብ ኣገልግሎትካ ወሰኽ እንተ ገይርካ ዞባኻ ምሉእ ብምሉእ ንኽትሽፍኖ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ ኢዩ። ንኣብነት: ኣገልግሎትካ ምስ ወዳእካ ወይ ድማ ናብ ኣኼባ ወይ ናብ ካልእ ክትከይድ ከሎኻ ኣቐዲምካ ሰብ ኣብ ዝሰኣንካሉ ወይ ተገዳስነት ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ኣብ ዝረኸብካሉ ቤት ሰብ ከም ዘሎ ትርኢ ትኸውን። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሓጺር ምብጻሕ ግበር። እዚ እውን ብግዲኡ ኣብ ኣገልግሎትካ ዕግበትን ሓጐስን ከምጽኣልካ ኢዩ።
18 ዝስሕብ መልእኽቲ ኣዳሉ:- መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ከተካፍል ምድላይ ሓደ ነገር ኢዩ: ብኸመይ ከም እትዛረብ ምፍላጥ ግን ካብዚ እተፈልየ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ሰብ ሓድሽ ወይ ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ዝነበረ ኣስፋሒ እንተድኣ ዀይኑ ይኸብዶ ኢዩ። ሓደስቲ ኣስፋሕትን ዝዛሕተሉ ሰባትን ንኣገልግሎት ኣብ ምድላዎም ዝሓልፍ ግዜ ረብሓ ኣለዎ። ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባን ጠቓሚ ሓሳባት ክንረክብ ንኽእል እኳ እንተዀንና: ነቲ ብብሕትና እንገብሮ ምድላው ግን ክትክኦ ኣይክእልን ኢዩ።
19 ንሓደስቲ ኣስፋሕቲ ብኸመይ ንኣገልግሎት ከተዳልዎም ትኽእል፧ ከመይ ገይሮም መጽሔታት ብቕልል ዝበለን ሓጺርን መገዲ ኸም ዝዕድሉ ኣርእዮም! ነቶም ኣብ ዞባኹም ዘለዉ ሰባት ዘገድሶም ኣብ ዜና ዝሰምዕዎ ነገር እንተልዩ ሕተቶም: ድሕሪኡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እዋናውያን መጽሔታት ምስኡ ዝተሓሓዝ ሓሳብ እንተሎ ድለ። ነቲ ኣቀራርባ ብሓንሳእ ኴንኩም ተለማመድሉ: ብእተኻእለ መጠን ድማ ቀልጢፍኩም ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐሙሉ።
20 ነቲ ብቝጽሪ ንኽንውስኽ ዘሎና ተኽእሎ ንዀስኵሶ:- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ካብ 14.8 ሚልዮን ንላዕሊ ነበረ። ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ግን ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ብዙሕ ዝዛይድ ኣይነበረን። እዚ ማለት ከኣ 8.8 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብዚ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝቐርበሉ ፍሉይ ፕሮግራም ንምክፋል ተገዳስነት ኣሕዲሮም ማለት ኢዩ። ምስ ገሌና ይፋለጡ ኢዮም: እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ኣወንታዊ ጽልዋ የሕድረሎም ኢዩ። መብዛሕትኦም ብጽቡቕ የልዕሉና: ንዓለምለኻዊ ዕዮና ወፈያ ይገብሩ: ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ይጣበቑልና ኢዮም። እዚኣቶም ኣብ መጻኢ ብቝጽሪ ኽንውስኽ ተኽእሎ ከም ዘሎና ዘመልክቱ ኢዮም። ዝያዳ ዕቤት ክገብሩ ምእንቲ ኽንሕግዞም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
21 መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝእከቡ ሓደስቲ ሰባት ሓደ ኻባታትና ስለ ዝዕድሞም ኢዮም ዝመጹ። እዚ ማለት ከኣ እንተ ወሓደ ምስ ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዘሎና ይፋለጡ ኢዮም። ሓደ ሰብ ንዕድመና ተቐቢሉ ኣብቲ ኣኼባ እንተ መጺኡ ንኸይጋየሽን ካብቲ ፕሮግራም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽጥቀምን ንምሕጋዙ ሓላፍነት ኣሎና። እቲ ኣደራሽ ብሰባት ስለ ዝመልእ ኮፍ መበሊ ኽረክብ ሓግዞ። መጽሓፍ ቅዱስ ሃቦ: መዝሙር ክዝመር ከሎ ናይ መዝሙር መጽሓፍካ ኣርእዮ። ንዝሓተካ ዝዀነ ይኹን ሕቶ መልሰሉ። እቲ እተርእዮ ምዉቕ ብሕታዊ ሓልዮት: ተገዳስነት ንኸማዕብል ኣገዳሲ ረቛሒ ክዀኖ ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ኵላትና እዚ ሓላፍነት እዚ ኣሎና፣ ዘይንፈልጦ ሰብ እንተድኣ ርኢና ምዉቕ ሰላምታ ንሃቦ: ምእንቲ ኽንፋለጦ ድማ ንሕጽር ዝበለ እዋን ነዘራርቦ።
22 ሓደ ሰብ ኣብ በዓል ዝኽሪ ምስ ዝመጽእ ኣብ ኣተሓሳስብኡ ዓቢ ጽልዋ ኽገብረሉ ይኽእል ኢዩ። ናብ ኣኼባና ምምጽኡ ነቲ ዝደልዮ ዘሎ ነገር ኣብ ካልእ ከም ዘይረኸቦን ነቲ ንሕና እነቕርበሉ ዘሎና ኽምርምሮ ኸም ዝደልን ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ ናይ በጅነት ምድላው ዝወሃብ መብርሂ ንሓደ ብዛዕባ እቲ ዓቢ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይፈልጥ ሰብ ሓድሽ ትምህርቲ ክዀኖ ይኽእል ኢዩ። ቅኑዓት: ምቕሉላት: ፈቃራት: ከምኡውን ንሰባት እነኽብር ብምዃንና እተፈለና ከም ዝዀንና ብቐሊሉ ኽግንዘብ ይኽእል ኢዩ። ኣደራሻትና ምስቲ ምስልታት ዘለዎን ትርጕም ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ዝካየደሉን ኣብያተ-ክርስትያናት ፈጺሙ ኣይመሳሰልን ኢዩ። ካብ እተፈላለየ ደረጃታት ናብራ ዝመጻእና ምዃንናን እናዞርካ ገንዘብ ከም ዘይእከብን ሓደስቲ ሰባት ከስተውዕሉ ኢዮም። እዚ ኸኣ እንደገና ንኽመጹ ብርቱዕ ድራኸ ኸሕድረሎም ይኽእል ኢዩ።
23 ድሕሪ በዓል ዝኽሪ ንዅሎም ሓደስቲ ሰባት ተኸታቲልና ንምሕጋዝ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። ሓደስቲ ሰባት እንተድኣ ዓዲምካ: ብፍላይ ሓላፍነት ኣሎካ። ቅድሚ ምኻዶም ብዛዕባ ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ካልእ ኣኼባታት ሓብሮም። ኣርእስቲ ናይቲ ኣብ ዝቕጽል ዝቐርብ ህዝባዊ ዝርርብ ንገሮም። ኣብ ቀረባኦም ዝርከብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣበይን መዓስን ከም ዝግበር ሓብሮም። ብምልእታ ጉባኤኹም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ (ወይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ) ኽትካፈል መደብ ዝገበረትሉ ምኽንያት ግለጸሎም።
24 ዘነቓቕሕ ምብጻሕ ንኽትገብረሎም ተቛጸር። ምስ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽላለዩ ዝሕግዝኦም ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ከም ዘለዎም ኣረጋግጽ። ክሳዕ ሕጂ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጀመሩ እንተድኣ ዀይኖም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምሩ ዓድሞም። ነታ ብማሕበር ተጠርኒፍና ኸመይ ገይርና ኸም እንዓዪ ብንጹር እትገልጽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ወይ ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ እትበሃል ብሮሹር ከንብቡ ሓሳብ ኣቕርበሎም። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ከም ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ (እንግሊዝኛ) ዝኣመሰለ ቪድዮታት ክርእዩ ዓድሞም። ምስቶም ኣባላት ጉባኤኻ ንኸተላልዮም መደብ ግበር። ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበረሎም፣ ገያሺ ተዓዛቢ ኽበጽሓኩም ከሎ ወይ ድማ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ወይ ፍሉይ መዓልቲ ኣሰምብሊ ኽህልወኩም ከሎ ዓድሞም። “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ምዃኖም ንኸርእዩ ዘሎ ዅሉ ኣጋጣሚ ኽፈተሎም።—ግብ. 13:48
25 ሽማግለታት ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት:- ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እንገብሮ ጻዕሪ ዕዉት ንኽኸውን ብዓቢኡ ኣብ ሽማግለታት ኢዩ ዝምርኰስ። መራሒ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ እንተድኣ ዄንካ ኣባላት ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍኩም ኣብዚ ፍሉይ ንጥፈት ኣብ ዝገብርዎ ተሳትፎ ንኽትሕግዞም ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ዘርዚርካ ጸሓፍ። ኣብ ጕጅለኹም ንኣሽቱ: ሓደስቲ: ዘይስርዓታውያን: ወይ ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ኣለዉዶ ኢዮም፧ ወለዲ: ፓይነራት: ወይ ካልኦት ኣስፋሕቲ ኽሕግዝዎም ተበግሶ ወሲዶም እንተ ዀይኖም ኣረጋግጽ። ክትገብሮ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ግበረሎም። ሓንቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘይስርዓታዊት ዝነበረት ሓብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣገልግሎት ልዕሊ 50 ሰዓታት ኣሕሊፋ ኢያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ኽትገብር ዝኸኣለት ብኸመይ ኢያ፧ እቲ ብሽማግለታት እተገብረላ ሃናጺ ጕስነት ከም ዝጠቐማ ገሊጻ ኢያ።
26 ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ተሓባቢሮም ነታ እትመጽእ ወርሒ ዝኸውን እኹል ዞባ: መጽሔታት: ከምኡውን ጽሑፋት ከም ዘሎ ኸረጋግጹ ኣለዎም። ተወሳኺ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኽግበር ይከኣልዶ ኢዩ፧ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ እቲ እተገብረ ፍሉይ ምድላዋት ንኣባላት እታ ጉባኤ ኣፍልጥዎም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብዛ ተወሳኺ ንጥፈታት እንገብረላ ወርሒ: የሆዋ ምእንቲ ኽባርኸና ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዀነ ብብሕትኹም እተቕርብዎ ጸሎት ለምኑ።—ሮሜ 15:30, 31፣ 2 ተሰ. 3:1
27 ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ገለ ጉባኤታት ዝርከቡ ሽማግለታት ኣብ ኣገልግሎት ተወሳኺ ንጥፈታት ንኽግበር ብዝግባእ ኣተባቢዖም ኢዮም። ኣብ ሰሰሙን ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ነቶም ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ እንተድኣ ዀይኖም ብጸሎት ክሓስቡሉ ኣተባቢዖምዎም ኢዮም። ኵሎም እቶም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ዝረኸብዎ ዘበለ ኣጋጣሚ ብውዕዉዕ ስምዒት ንሚያዝያ ዝበለጸት ወርሒ ብዛዕባ ምግባር ኢዮም ዝዘራረቡ ነይሮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ልዕሊ ፍርቂ ናይቶም ኣስፋሕትን ኵሎም እቶም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተጸሚዶም ነይሮም!
28 ምሉእ ተሳትፎ ኻብ ምግባር ዝርከብ ሓጐስ:- ኣብ ኣገልግሎት ‘[“ኣበርቲዕና:” NW ] ብምዕያይን ብምጽዓርን’ እንታይ በረኸት ኢና እንዓጽድ፧ (1 ጢሞ. 4:10) እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ጉባኤኦም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘርኣየቶ ቕንኢ ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዝያዳ ኽካፈሉ ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዞም ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ፍቕርን ምቅርራብን ብዝያዳ ኸም ዝደልደለ ደጋጊሞም ኢዮም ዝዛረቡ።”
29 ሓደ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ዘሸግሮ መንእሰይ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ እተገብረ ፍሉይ ንጥፈታት ንኽካፈል ሓያል ባህጊ ኣሕደረ። ተጠንቂቑ መደብ ብምውጻእ ከምኡውን ብሓገዝ ኣዲኡን መንፈሳውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ ብምግልጋል ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ገበረ። ብዛዕባ እዚ ከመይ ተሰምዖ፧ “ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ጥዑይን ድልዱልን ከም ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ” በለ።
30 የሆዋ ነቶም ብዛዕባ ንግስነቱ ናይ ምዝራብ መሰሎም ክብ ኣቢሎም ዝርእዩ ሰባት ኣብዚሑ ኸም ዝባርኾም ኣየጠራጥርን ኢዩ። (መዝ. 145:11, 12) ኣምላኻዊ ተወፋይነት ምስ እነንጸባርቕ ኣብ መጻኢ ብዙሕ በረኸታት ከም እንዓጽድ ዝኽሪ ሞት ጐይታና ኣብ እነብዕለሉ እዋን ንግንዘቦ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ሓያል ባህጊ ነበሮ። እንተዀነ ግን: ዘለኣለማዊ ህይወት ብኾፍካ ብተስፋ እናተጸበኻ ዝርከብ ነገር ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። “ነዚ ድማ ኣነ: ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ: እጽዕር አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎ. 1:29) የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ንጳውሎስ ነቲ ህይወት ዘድሕን ኣገልግሎት ከም ዝፍጽም ገበሮ: ሎሚ እውን ንዓና ብተመሳሳሊ ኽጥቀመልና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ከተሕልፍዶ ኢኻ፧
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣገልግሎት ንኽሳተፍ ንመን ክትሕግዝ ምኸኣልካ
ንውላድካ፧
ንጽንዓትካ፧
ንዝዛሕተለ ኣስፋሒ፧