ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/03 ገጽ 3-5
  • ንሰናይ ነገር ጽዓት!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰናይ ነገር ጽዓት!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ‘ወንጌል መስክር’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተኣምራት የሆዋ ኣውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ሚያዝያ 2000 እታ ዝበለጸት ወርሒ ክንገብራ ንኽእልዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 3/03 ገጽ 3-5

ንሰናይ ነገር ጽዓት!

1 ናብ ናይ 2003 ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ኽንቀርብ ከሎና: ‘ንሰናይ ነገር ንምጽዓት’ እኹል ምኽንያታት ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:13) ካብዚ ብቐዳምነት ዝጥቀስ ከኣ እቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ማቴ. 20:28፣ ዮሃ. 3:16) ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል: ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር: ብጠፋኢ ነገር: ብብሩር ወይስ ወርቂ: ከም ዘይደሐንኩም: ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 1:18, 19) ነዚ ሓለፍ ዝበለ መግለጺ ፍቕሪ ዘሎና ሞሳ ኣብ ሰናይ ነገራት ትሑዛት ክንከውን ይድርኸና። ከመይሲ “የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና: ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ: ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።”​—⁠ቲቶ. 2:14፣ 2 ቈረ. 5:14, 15

2 ንኣምላኽ ዘሐጕስ ነገር ክንገብር ከሎና: ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ይህልወና: ንሱ ድማ ብፍቕሪ ኽሕልወና ይጅምር። ጴጥሮስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ:- “ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ: ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን: . . . እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ: . . . ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር: ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።” (1 ጴጥ. 3:10-12) ኣብዚ ሓደገኛ እዋን የሆዋ ‘ከም መርዓት ዓይኑ ገይሩ ንኽሕልወና’ ኢሉ ይዕዘበና ኸም ዘሎን ምእንታና ኢሉ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉው ምዃኑን ምፍላጥና ኸመይ ዝበለ ዓብዪ በረኸት ኰን እዩ!​—⁠ዘዳ. 32:10፣ 2 ዜና 16:9

3 እቶም ጳውሎስ መልእኽቱ ዝጸሓፈሎም ቀዳሞት ክርስትያናት ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ብቕንኢ ተቓጺሎም ነበሩ: ብዛዕባ እቲ ብስራት ከኣ ብእተኻእሎም መጠን ብሰፊሕ ይሰብኩ ነበሩ። (1 ጴጥ. 1:6፣ 4:12) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከምዚ ዓይነት ስምዒት እዩ ዘለዎም። ኣብ “ክፉእ ዘመን” ንነብር እኳ እንተሎና: ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ዘሎና ሞሳ ፍቓድ ኣምላኽ ብቕንኣት ንኽንፍጽም ይድርኸና። (2 ጢሞ. 3:1፣ መዝ. 145:7) እምበኣር ኣብዚ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ብሰናይ ግብሪ ትሑዛት እንዀነሉ መገድታት እስከ ንርአ።

4 ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ ኽመጹ ዓድሞም:- ሓደ ኻብቲ ነቲ ዘደንቕ ውህበት በጅነት ሞሳ እነርእየሉ መገዲ: ኣብቲ ዓመታዊ ዝበዓል በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ብምእካብ እዩ፣ ሎም ዘበን ከኣ ረቡዕ 16 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እዚ በዓል እዚ ኽበዓል እዩ። (ሉቃ. 22:19, 20) ዓሚ ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝነበራ 94,600 ጉባኤታት ብድምር 15,597,746 ዝዀኑ ተኣከብቲ ምንባሮም ጸብጻብ ሂበን። እዚ ኻብ ቅድሚ ዓሚ ብልዕሊ 220,000 ይዛይድ።

5 ሎም ዘበንከ ኽንደይ ተኣከብቲ ይህልዉ ይዀኑ፧ እዚ ብዓብዪኡ ኣብቲ ንኻልኦት ምሳና ንኽእከቡ ንምትብባዕ እንገብሮ ጻዕርታት እዩ ዝምርኰስ። ነቶም ክትዕድሞም እትደሊ ብምሉኦም ብዝርዝር መዝግቦም። ፈለማ ንኣባላት ስድራ​ቤትካ መዝግብ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ በዓልቲ ቤት ወይ በዓል ቤት ዘለዉኹም: ናብቲ ኣኼባ ምሳኻትኩም ክኸዱ ብሓቂ ኸም እትብህጉ ግለጹሎም። ሓደ ሰብኣያ ንሓንቲ ሓብቲ ዓሚ ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣከበ እሞ ከምዚ ዝገበረ በዓልቲ ቤቱ ኣብኡ ምምጽኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘሐጕሳ ስለ ዘስተብሃለ ምዃኑ ገለጸ። ቀጺልካ ንኣዝማድካ: ጐረባብትኻ: መሳርሕትኻ: ወይ መማህርትኻ ኣብቲ መዝገብካ ኣስፍሮምም። ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም ምምዝጋብ እውን ኣይትረስዕ።

6 ነቲ ስም ዝርዝር ምስ ጸሓፍካዮ: ንነፍሲ ወከፎም ብብሕቲ ኼድካ ንኽትዕድሞም መደብ ኣውጽእ። ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ተጠቐመሉ። እቲ በዓል ዝኽበረሉ ሰዓትን ቦታን ምእንቲ ኸይርስዕዎ ኣብቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ብንጹር ጽሓፎ። 16 ሚያዝያ እናቐረበት ክትከይድ ከላ: ነቶም ዝዓደምካዮም እንተ ብኣካል ኬድካ ወይ ተሌፎን ደዊልካ ኣዘኻኽሮም። ብእተኻእለና መጠን ኣብዚ ኣዝዩ ቕዱስ ኣጋጣሚ ብዙሓት ሰባት ንኽእከቡ ንሓግዞም።

7 ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝመጹ ሓግዞም:- በዓል ዝኽሪ ዝበዓለሉ ምሸት ኣዝዩ ባህ ዘብል እዋን እዩ። ነቶም ካልእ እዋን ናብ ኣኼባታትና ዘይመጹ ሰባት መርሓባ ኢልና ንኽንቅበል ኣጋጣሚታት ኣሎና። ኵነታት ጉባኤኻ ኸም ዘፍቅዶ ኣቐዲምካ ናብቲ ቦታ ንምብጻሕን ድሕሪ ኣኼባ ደንጒኻ ንምውጻእን ምድላዋት ግበር። ምስ ሓደስቲ ሰባት ንኽትላለ ተበግሶ ውሰድ። ምቕሉልን ተቐባል ጋሻን ኩን።​—⁠ሮሜ 12:13

8 ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ገሊኣቶም ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ዝያዳ ብመንፈስ ንኽዓብዩ ኽሕገዙ ይኽእሉዶ፧ ስምን ኣድራሻን ናይቶም ብኣስፋሕቲ ምብጻሕ ዘይግበረሎም ኣጋይሽ ተቐበል። ገሊኣቶም ብፍቕሪ ሓገዝ ምስ ዝወሃቦም ብመንፈስ ዕቤት ብምግባር ቅድሚ እቲ ንዓመታ ዝበዓል በዓል ዝኽሪ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነዞም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ኽትበጽሖም ከሎኻ: ኣብቲ 27 ሚያዝያ ዝወሃብ ፍሉይ ዝርርብ ክመጹ ዓድሞም።

9 ኣብዚ ወርሓት እዚ ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን ትኽእልዶ፧ ኣብ ዓዓመት ኣብዚ ፍሉይ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዝህልወሉ ወቕቲ ንየሆዋ ዘሎና ቕንኣት ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ንኽንጽዕት ይድርኸና። ኵሎም ኣባላት ጉባኤታት ኣብ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ብስራት መንግስቲ ብቕንኣት ንምእዋጅ ዝገብርዎ ስሙር ሕብረት ጽቡቕ ፍረ ኸፍሪ ይኽእል እዩ።

10 ኣብ ሓንቲ 126 ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ጉባኤ ዓሚ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንዅሎም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን እውን ሓዊስካ 89 ካብቶም ኣስፋሕቲ ስርዓታውያን ወይ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋሎም “ብልጽቲ ወርሒ” ኣሕሊፎም እዮም። እቶም ሽማግለታት ኣብታ ወርሒ እቲኣ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ንክዀኑ ውዕዉዕ መንፈስ ከም ዝህሉ ዝገበሩ ብኸመይ እዮም፧ ኣቐዲሞም ንብዙሓት ኣስፋሕቲ ንኸመልክቱ ብምትብባዖም እዮም። ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ንዅሎም ኣባላት ጉባኤ ዝጥዕም ምእንቲ ክኸውን ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት ይግበር ነይሩ። ጉባኤኹም እውን ግቡእ ምድላው እንተ ገይራ: ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸት ክትረክብ ትኽእል እያ።

11 ኵላቶም ኣባላት ጉባኤ ኣብ ኣገልግሎት ንኽሳተፉ ጽዓሩ:- ንኣምላኽን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ወወርሒ ነቲ ብስራት ንሰባት ንኸነካፍሎም ይድርኸና። (ማቴ. 22:37-39) ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብትን ሓገዝቶምን ነቶም ኣብ ጕጅለኦም ዝርከቡ ኣብ ወወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ንኽሳተፉ ኽሕግዝዎም ክጽዕሩ ኣለዎም። እዚ ኽግበረሉ ዝከኣል ዝበለጸ መገዲ ምስቶም ኣብታ ጕጅለ ዝርከቡ ውልቀ⁠-​ሰባት ብሓባር ንምግልጋል ምድላዋት ብምግባር እዩ። ነዚ ንምግባር ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ ኣብ ክንዲ ምጽባይ ኣቐዲምኩም ጀምሩ። እዚ ኸኣ ብፍቕሪ ንኽትድግፍዎም ዝያዳ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልኩም።

12 ኣብ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍኩም ብሰንኪ ሕማም ወይ እርጋን ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ዘሸግሮም ኣስፋሕቲ ኣለዉዶ፧ ገሊኣቶም ካብ ቤቶም ክወጹ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም: ንኽምስክሩ ዘለዎም ኣጋጣሚታት ውሱን ምዃኑ ርዱእ እዩ። እንተዀነ ግን: ነተን ዝረኽብወን ኣጋጣሚታት ብርሃኖም ንምብራህ ምስ ዝጥቀሙለን: ነቶም ነቲ ሰናይ ግብሮም ዝርእዩ ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ተገዳስነት ንኽሓድሮም ክድርኽዎም ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 5:16) ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ነቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት 15 ደቒቕ ወይ ካብኡ ዝዛይድ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ክህቡ ኸም ዝኽእሉ ኽነግርዎም ኣለዎም። ነዞም እሙናት ኣስፋሕቲ ኣብ ምስክርነት ዘሕለፍዎ ግዜ ጸብጻብ ክህቡ ምኽኣሎም ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣሎም። እቲ ናይ መላእ ዓለም ጸብጻብ ህዝቢ ኣምላኽ ቅኑዕ ንክኸውን እውን ኣበርክቶ ይገብር።

13 ሰናይ ንምግባር ትሑዛት ዝዀኑ መንእሰያት! ክርስትያን መንእሰያት ጕልበቶምን ሓይሎምን ንኣገልግሎት የሆዋ ኽጥቀሙሉ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን እዩ! (ምሳ. 20:29) ንስኻውን መንእሰይ እንተ ዄንካ: ኣብዚ ፍሉይ ንጥፈታት ዝህልወሉ ኣዋርሕ ንየሆዋ ዘሎካ ቕንኣት ብኸመይ ከተንጸባርቕ ትኽእል፧

14 ገና ዘይተጠመቕካ ኣስፋሒ እንተደኣ ዄንካ: ናብ ጥምቀት ንኽትበጽሕ ጻዕሪ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ንርእስኻ ሕተት:- ‘መሰረታዊ ፍልጠት ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣሎኒዶ፧ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂዶ ኽሳተፍ እደሊ እየ፧ ጠባየይ ኣብነታዊ ድዩ፧ ንኻልኦት እቲ ብስራት ብምንጋር ብዛዕባ እምነተይ ክገልጽ እኽእል ድየ፧ ከምዚ ንምግባር ካብ ልበይ ድየ ዝለዓዓል፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ እወ ኢልካ ኽትምልስ እንተ ኽኢልካ: ኣስፋሒ ንምዃን ባህጊ ኸም ዘሎካ ንወለድኻ ንገሮም። ወለድኻ ኸኣ ንሓደ ኻብቶም ኣባላት ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ዝዀነ ሽማግለ ቐሪቦም ከዘራርብዎ ይኽእሉ እዮም።

15 ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት እንተ ዄንካ ኸኣ በቲ ኻብ ቤት ትምህርቲ እትረኽቦ ዕረፍቲ ተጠቒምካ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእልዶ፧ ብዙሓት እተጠምቁ መንእሰያት ጽቡቕ መደብ ብምውጻኦምን ካብ ወለዶም ኰነ ኻብ ካልኦት ሓገዝ ብምርካቦምን ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ኽኢሎም እዮም። ነዚ ኽትገብር እንተ ዘይክኢልካ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዝያዳ ንኽትሳተፍ ቈራጽነት ግበር። ናይ ብሕትኻ ሸቶ ኣውጽእ። ኣብ ርእሲ እቲ ንሰዓታት ብዝምልከት እተውጽኦ ሸቶ: ኣገልግሎትካ ብሉጽ ንምግባር እውን ሸቶ ኣውጽእ። ምናልባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጥቕሲ ንምንባብ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ብዝሓሸ መገዲ ንምግባር: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር: ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ: ወይ ኣብ ካልእ መዳይ ኣገልግሎት ንምስታፍ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ምናልባት እውን ንጐረቤትካ: መማህርትኻ: ወይ ዘመድካ ናብ ናይ ሎም ዘበን በዓል ዝኽሪ ምሳኻ ንኽመጽእ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ምሉእ ተሳትፎ ምስ እትገብር: ብዙሕ ፍረ ኽትረክብን ንኻልኦት ኣባላት ጉባኤኹም ኸተተባብዖምን ኢኻ።​—⁠1 ተሰ. 5:11

16 ንሓደስቲ ዕቤት ክገብሩ ሓግዞም:- ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዳርጋ 5,000 ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኣለዉ። ድሕሪ ግዜ መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ዕቤት ብምግባር ህይወቶም ክውፍዩን ክጥመቑን እዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ሸቶ እቲ ቕድሚ ምብጻሖም: ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ንክዀኑ ብቕዓት ንኽህልዎም ክንሕግዞም የድሊ። ሓደስቲ ሰባት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ንክዀኑ ኽንምህሮም ከሎና እዚ ስጕምቲ እዚ ኣገዳሲ እዩ። (ማቴ. 9:9፣ ሉቃ. 6:40) ነዚ ስጕምቲ እዚ ኽወስድ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ ኣሎካዶ፧

17 ብዛዕባ እቲ ተማሃራይካ ዝገበሮ ዕቤት ርግጸኛ እንተ ዘይኰንካ: ካብ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ወይ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ሓገዝ ሕተት። ምናልባት ምሳኻትኩም ሓቢሮም መጽናዕቲ ንኽገብሩ ኽትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ንመንፈሳዊ ዕቤት ናይቲ ተማሃራይ ንምግምጋም ዘኽእሎም ተመክሮ ኣለዎም። እቲ ተማሃራይ መንፈሳዊ ዕቤቱ ንክቕጽል ዝሕግዞ ሓሳባት እውን ክህቡ ይኽእሉ እዮም።

18 ተማሃራይካ ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ክኸውን ከም ዝደሊ እንተ ነጊሩካ እሞ ብቑዕ ከም ዝዀነ እንተ ኣሚንካሉ: ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ንገሮ። ክልተ ሽማግለታት ምሳኻን ምስቲ ተማሃራይን ኰይኖም በቲ ኣዋር ሚኒስትሪ ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 98-9 ዘሎ ሓሳባት ገይሮም ብሓቂ ብቕዓት እንተ ሃልይዎ ይምርምሩ። (ናይ 15 ሕዳር 1988 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 17 ርአ።) እቲ ተማሃራይ ኣስፋሒ ንክኸውን እንተ ተፈቒዱሉ: ብኡንብኡ ኸተሰልጥኖ ኽትጅምር ኣሎካ። ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ምስ ሃበ: ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኸም ዝዀነ ኣብታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ኣብዚ ፍሉይ ንጥፈታት ዝግበረሉ ኣዋርሕ ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ብምዃን ነዚ ዓብዪ ስጕምቲ ኽወስዱ ተስፋ ንገብር።

19 መደብ ምውጻእ ብዙሕ ንኽትዓምም ይሕግዘካ:- ኣቐዲምና መደብ ምስ እነውጽእ ኣብዚ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ንዝግበር ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ብዙሕ ኣሳልጦ ንኽንረክብ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። (ምሳ. 21:5) ሽማግለታት እውን ቈላሕታ ኽገብሩሉ ዝግባእ ብዙሕ ነገራት ኣሎ።

20 ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ኣገልግሎት ዝከኣሎም ኵሉ ምእንቲ ኽገብሩ: ሽማግለታት ኣብ ናይ ስራሕ መዓልትታት ኰነ ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ንምግባር ምድላዋት ክገብሩ ኣለዎም። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ነዚ ምድላዋት እዚ ኣብ ምግባር መሪሕነት ይወስድ። ምናልባት ኣንጊህካ ወይ ኣጋ ምሸት ተወሳኺ ኣኼባታት ክግበር ይከኣልዶ፧ ነታ ጉባኤ ብዛዕባ እዚ ምድላው እዚ ምልክታ ኽንገራ ኣለዎ። እቲ መደብ ኣብ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ እንተ ተለጠፈ: ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

21 ሽማግለታት 16 ሚያዝያ ቕድሚ ምቕራባ ንበዓል ዝኽሪ ዘድሊ ዅሉ ምድላዋት ከም እተገብረ ኸረጋግጹ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስተን ኣብኡ ዝእከባ ካልኦት ጉባኤታት ተሓባቢርካ ምጥቃም: ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምጽራይ: ተቐበልቲ ኣጋይሽን ነቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዘዙሩን ምምራጽ: ከምኡውን ነቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምድላው ዘጠቓልል እዩ። እቲ በዓል ዝኽሪ ዝበዓለሉ ሰዓትን ቦታን ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ኣብታ ሰሙን ብዛዕባ ዝግበር ኣኼባ ዘሎ ምትዕርራይ ነታ ጉባኤ ኽንገራ ኣለዎ። ነዚ ነገራት እዚ ተጠንቂቕካ ምሓዙ: እቲ በዓል “ብስርዓትን በገባብን” ንኽበዓል የኽእል።​—⁠1 ቈረ. 14:40

22 ርእሲ ስድራ​ቤታት ኣብ ናይ ስድራ​ቤቶም መጽናዕቲ: እታ ስድራ​ቤት ኣብ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ኣብ ዝግበር ተወሳኺ ንጥፈታት ብኸመይ ከም እትካፈል ክመያየጡሉ ይኽእሉ እዮም። ኵላቶም ኣባላት ስድራ​ቤትኩም ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ይኽእሉዶ፧ ወይውን ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣባል ስድራ​ቤትኩም ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ደገፍ ክትገብሩ ትኽእሉዶ፧ እዚ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን: ከም ስድራ​ቤት መጠን ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንምሕላፍ ሸቶ ኣውጽኡ። ቊሩብ ምትብባዕን ሓገዝን ብምሃብ ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ክኸውን ዝኽእል ብዕድመ ንእሽቶ ኣባል እታ ስድራ​ቤት ኣሎዶ፧ ኣባላት ስድራ​ቤትኩም ኣብዚ ናይ ሎም ዘበን በዓል ዝኽሪ ኽንደይ ሰባት ክዕድሙ ይኽእሉ፧ ጸቡቕ መደብ ምውጻእ ንስድራ​ቤትካ ብዙሕ በረኸትን ሓጐስን ከምጽኣላ እዩ።

23 ነዚ ዝተረፈ ግዜ ብዝግባእ ተጠቐመሉ:- ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ መወዳእታ ኣገባብ ኣይሁድ ቀሪቡ ምንባሩ ኣዘኻኺርዎም እዩ። (1 ጴጥ. 4:7) ኣብዚ ግዜና እንርእዮ ዅሉ መርትዖታት መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ ከም ዝቐረበ እዩ ዝሕብረና። መዓልታዊ ናብራና ነዚ እንኣምነሉ ነገር ዘንጸባርቕ ክኸውን ይግባእ። ቀናኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ኣብቲ ብስራት ናይ ምእዋጅ ህጹጽ ዕዮ ኸነተኵር ኣሎና።​—⁠ቲቶ. 2:13, 14

24 እዚ ግዜና ብቕንኢ እንንቀሳቐሉ እዋን እዩ! የሆዋ ንዓኻን ንስድራ​ቤትካን ንጉባኤኻን እንታይ ከም ዝገበረልካ እሞ ኣስተንትነሉ። ነቲ ዝገበረልና ብዙሕ ሰናይ ነገራት ውሬታ ኽንመልሰሉ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ብምሉእ ልብና ግን ኸነምልኾ ንኽእል ኢና። (መዝ. 116:12-14) ብትግሃት ምስ እንጽዕት: ካብ ላዕሊ በረኸት ክንረክብ ኢና። (ምሳ. 10:22) እምበኣር “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር:” ኣብዚ ተወሳኺ ንጥፈታት ዝግበረሉ ፍሉይ ኣዋርሕ ኵላትና ‘ንሰናይ ነገር ንጽዓት።’​—⁠1 ጴጥ. 3:13፣ 4:11

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]

ናብ በዓል ዝኽሪ መነመን ክትዕድም ኢኻ፧

□✔ ኣባላት ስድራ​ቤትካን ኣዝማድካን

□✔ ጐረባብትኻን ካልኦት እትፈልጦም ሰባትን

□✔ መሳርሕትኻን መማህርትኻን

□✔ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎምን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝእከቡ ሓግዞም

□✔ መርሓባ ኢልካ ተቐበሎም

□✔ ድሕሪ እቲ በዓል ዝኽሪ ኼድካ ብጽሓዮም

□✔ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ዓድሞም

□✔ ናብ ፍሉይ ዝርርብ ዓድሞም

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

ኣብዚ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ እንታይ ሸቶታት ኣሎካ፧

□✔ ንሰብ ዓዲምካ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኸም ዝመጽእ ምግባር

□✔ ኣስፋሒ እቲ ብስራት ንምዃን ዘድሊ ብቕዓት ምምላእ

□✔ ኣብ ኣገልግሎት ተወሳኺ ሰዓታት ምሕላፍ

□✔ ኣብ ገሊኡ መዳይ ኣገልግሎት ምምሕያሽ

□✔ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ