ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንታሕሳስ
2 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 134
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታት። ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ንዝግበር ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ነታ ብዛዕባ መርዓ እትዛረብ ናይ ሕዳር እታው ከምጽእዋ ንዅሎም ኣዘክሮም።
15 ደቒቕ:- “ንመልእኽትና መን ኢዩ ዝሰምዖ፧” ሕቶን መልስን። መልእኽትና ስለምንታይ ዝማርኽ ከም ዝዀነ ንምግላጽ: ካብ ናይ 22 መጋቢት 1987 ንቕሑ! ገጽ 5 (እንግሊዝኛ) ነጥብታት ወስኸሉ።
20 ደቒቕ:- “ቃል ኣምላኽ መምርሒ ይህብ።” ንቝጽሪ 1, 2 ከም መእተዊ ናይቲ ክፍሊ ተጠቐመሉ። (ካብ መጽሓፍ ምምርማር [እንግሊዝኛ] ገጽ 58-60 ካብታ “መጽሓፍ ቅዱስ ንምምርማር ዝኸውን ምኽንያታት” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ኣርባዕተ ነገራት ኣሕጽር ኣቢልካ ብምግላጽ: ወስኸሉ።) ናይቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣቀራርባታት መርኣያ ዘቕርቡ ክእለት ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኣዳሉ። ንሰማዕቲ (1) እቲ እተላዕለ ሕቶ ተገዳስነት ንምልዕዓል ብኸመይ ከም ዝሓገዘ: (2) እቲ ጥቕስታት ነቲ ዝዝረበሉ ዝነበረ ኣርእስቲ ብኸመይ ዝሰማማዕ ኰይኑ ከም እተዘውተረ: (3) እቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከምቲ ልሙድ ምስቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ተተሓሒዙ ብኸመይ ከም ዝቐጸለ: ከምኡውን (4) ጽንዓት ንምግባር ብኸመይ ዕድመ ከም ዝቐረበ: ሓሳባቶም ንኽህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 75ን መዕጸዊ ጸሎትን።
9 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 100
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ ኣገልግሎት ክካፈሉ ምሕጋዝ። ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣስፋሕቲ ምስታ ጉባኤ ኰይኖም ኣብ ዕዮ ስብከት ክካፈሉ ልባዊ ባህጊ ኣለዎም: ይኹን እምበር ብምኽንያት እርጋንን ጕድለት ጥዕናን ዓቕሚ ይስእኑ ኢዮም። ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ጕጅለ ምእንቲ ክሕወሱ ሓልዮት ከነርእዮም እንኽእለሉ መገድታት ኣሎ:- መጓዓዝያ ከነዳልወሎም፣ ኣብቲ ሒደት መደያይቦታት ዘለዎ ኣባይቲ ንኽዓዩ ምምዳብ፣ ናብቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝገብርሉ ቦታታት ብማኪና ምውሳድ፣ ኣብቲ ኣገልግሎት ክቕጽሉ ከም ዘይክእሉ እንተድኣ ተሰሚዕዎም ገዝኦም ክትወስዶም ምዃንካ ከተፍልጦም ትኽአል ኢኻ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ነቲ ዝግበረሎም ሓገዝ መመስገንቲ ኢዮም። ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ዝበለ ሓልዮት እተርእየሉ ካልእ መገድታት ጥቐስ። ነታ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1986 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-9 (እንግሊዝኛ) “ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ነኽብሮም ኢና!” እትብል ዓንቀጽ ዝርከብ ቀንዲ ነጥብታት ድገሞ።
20 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ።” ንዅሉ ቍጽርታት ብምንባብ: ካብ ቍጽሪ 1-6 ዝግበር ምይይጥ። ሕቶታት:- 1. ንመርዓ ዝምልከት ጥበባዊ ምኽሪ እንረክብ ኣበየናይ ጽሑፋት ኢዩ፧ 2. ናይ መርዓና መዓልትታት ንምምራጽ በቲ ባህላዊ ናይቲ ከባቢ ወርሓት መርዓ ክቕየድ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ 3. (ሀ) ኣብ መንጎ እቲ ስቪላዊ ስነ-ስርዓትን ናይ መርዓ ዝርርብን ብዙሕ ናይ መዓልትታት ፍልልይ ክህሉ ጥበባዊ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ መርዓ ዝርርብ ክህሉ ንምምዳብ: ኣቐዲምካ ክግበር ዘለዎ እንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ንንውሓትን ሰዓትን ዝርርብ መርዓ ዝምልከት እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧ (መ) እቲ ተዛራቢ ምስቶም መርዓውን መርዓትን ኣቐዲሙ ክራኸብ ዘድልየሉ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧ 4. ንሰዓታት: ስእሊ ምስኣል: ከምኡውን ቅጥዕታት ዝምልከት እንታይ ነጥብታት ኢዩ ‘ካብ ዓለም ዘይምዃንና’ ዘርኢ፧ 5. ሰብኣይን ሰበይትን ድግስ ከዳልዉ እንተድኣ ኰይኖም: ካብቲ ዓለማዊ ድግሳት ክፍለ ዘለዎ በየናይ መገድታት ኢዩ፧ 6. (ሀ) እቲ ድግስ ስርዓትን ርዝነትን ንኽህልዎ ዝሕግዝ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንዕድመ ዝምልከት: ሓደ ክርስትያን ንመን ኢዩ ቀዳምነት ዝህብ፧ ኣብ መደምደምታ: እቲ ዝተረፈ ቍጽርታት ኣብቲ ዝቕጽል ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክውሰድ ምዃኑ በጃኻ ነታ ጉባኤ ኣዘኻኽራ።
መዝሙር 197ን መዕጸዊ ጸሎትን።
16 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 209
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ንናይ በዓላት ሰላምታ ከመይ ገይርና ብሜላ ከም እንምልሰሉ ሓሳባት ሃብ።
15 ደቒቕ:- “ገዛእ ርእስና ብፍታው ምሃብ።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 1 ግንቦት 1984 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22 (እንግሊዝኛ) ሓሳብ ወስኸሉ።
20 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ።” ቍጽሪ 7-13። ነቲ ዝሓለፈ ክፍሊ ሕጽር ዝበለ ድግማ ድሕሪ ምግባርካ: በጃኻ ነቲ ቍጽርታት እናንበብካ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ተጠቐም:- 7. (ሀ) “ኣቦ ዳስ” ክህሉ ተግባራዊ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ህያባት: ሙዚቃ: ሳዕስዒት: ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ምኽሪ ኢዩ እተዋህበ፧ 8, 9. (ሀ) ጥበበኛታት ሰብኣይን ሰበይትን ንመርዓ ኢሎም ኣብ ልቓሕ ዘይኣትዉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ምኽንያታውነትን ሕንክን ክዳውንቲ መርዓ ኣብ ምምራጽ ክሕግዙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ 10. ነቲ ናይ መርዓ ድግስ ዝምልከት ኣየናይ ተግባራዊ ምኽርታትን ስርዓታትን ኢዩ ክዝከር ዘለዎ፧ 11. ክርስትያናት ነየናይ መዳያት ናይ ርኣዩለይ መንፈስ ኢዮም ዘርሕቑ፧ 12. (ሀ) ዝፈልጡና ዓለማውያን ሰባት ወይ ርሕቕ ዝበሉ ኣዝማድና ኣብ ዝገብርዎ መርዓታት ክንሳተፍ ወይ ክንኣቢ ንምውሳን ዝሕግዘና ኣየናይ ጥቕስታት ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ መርዓ ድግስ ከይተኻፈልና ንሓደስቲ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ጽቡቕ ትምኒትና ክንገልጸሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ 13. ውራይ መርዓ ሓዊስካ: ካብ ዓለም ብምፍላይ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኢዩ ዝርከብ፧
መዝሙር 41ን መዕጸዊ ጸሎትን።
23 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 93
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ክጠቅም ዝኽእል ኣብቲ እዋናዊ መጽሔታት ዝርከብ ገለ መዘራረቢ ነጥብታት ጥቐስ።
15 ደቒቕ:- “በቲ ኣምላኽ ዝህቦ ወሰኽ ምሕጓስ።” ብሓደ ሽማግለ ዝወሃብ ውዕዉዕ ዝርርብ። ኣብቲ ናይ ቀረባ እዋን ናይ ዓመት መጻሕፍቲ ተገሊጹ ከም ዘሎ: ናይተን ኣብኡ ዘለዋ ሃገራት ተመክሮታት ወይ ዘርኣያኦ ወሰኽ ጥቐስ። ካብቲ ኣብ ናይ 1996 ዓመት መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ሞዛምቢክ ኣሕዋትና እተጸመምዎ መስጐግቲ: ድሕርዚ ድማ ካብ ገጽ 172-185 ዝርከብ ባህ ዘብል ዝጐልሐ ነጥብታት ክጥቀስ ሓሳብ ነቕርብ። ኣብዚ ክፍሊ እዚ እንግሊዝኛ ዘንብብ ሰብ ምስ ዝሕግዝ ሰናይ ኢዩ።
20 ደቒቕ:- “ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምዝገባ።” ብናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ። ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቦም ዘለዉ ሰባት ኣቕርብ: ንዅሎም እቶም ዝኽእሉ ድማ ክምዝገቡ ኣተባብዓዮም። ነቲ ኣብ “ናይ 1997 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ተዋሂቡ ዘሎ ንናይ ተማሃሮ ክፍልታት ዝምልከት መመርሒታት ድገሞ።
መዝሙር 166ን መዕጸዊ ጸሎትን
30 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 223
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ጉባኤኹም ኣብ ሓድሽ ዓመት ናይ ኣኼባ ሰዓታት ክትለዋውጥ እንተድኣ ኰይና: ዘድሊ ምትዕርራይ ክገብሩን ኣብቲ ናይታ ጉባኤ ሓድሽ ሰዓት ድማ ስርዓታውያን ኰይኖም ምእካብ ክቕጽሉን ብምምሕጻን ንዅሎም ሕያውነት ብዘለዎ መገዲ ኣተባብዓዮም። ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ኣቐዲሞም መደብ ክገብሩ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰናብትን ናይ ዝኽሪ በዓል ንጥፈታትን ፍሉይ ድፍኢት ክገብር ኣለዎ። ንእተወሰነ ግዜ ቈላሕታ ዘይተገብረሉ ዝዀነ ይኹን ዞባ ንምሽፋን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን ኢዩ።
20 ደቒቕ:- “ልክዕ ኣብቲ እዋኑ እተረኽበ ሓገዝ።” ሕቶን መልስን። ካብ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ሓድሽ ጽሑፋት: ጠቓሚ ዝጐልሐ ነጥብታት ጥቐስ።
15 ደቒቕ:- ኣብ ጥሪ ዝዕደል ጽሑፍ ተዘራረበሉ። ቅድሚ 1984 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ ዝዀነ መጽሓፍ ዓድሉ። ከም ዘለኣለማዊ ዕላማ: ዓቢ መምህር: መንፈስ ቅዱስ: ዝኣመሰለ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ከምኡውን መጽሓፍ ሓቂ ዝተረፈ እንተድኣ ኣሎ ንምዕዳሉ ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ። ኣብቲ ናይታ ጉባኤ መኽዘን ዝተረፈ እንተድኣ ዘየለ: ድሕነት ናብታ ሓዳስ ምድሪ (እንግሊዝኛ) ዓድሉ። እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን እንታይ መጻሕፍቲ ከም ዘለዋ ሓብር። ኣብቲ ዞባኹም ኣስላጢ ኢዩ ዝበልካዮ ክልተ ወይ ሰለስተ መጻሕፍቲ ምረጽ። ካብ መጽሓፍ ምምርማር ገጽ 9-14 (እንግሊዝኛ) ብምጥቃም: ንነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ዝኸውን ግቡእ መእተዊታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባታት ብመርኣያ ገይርካ ኣዳሉ።
መዝሙር 137ን መዕጸዊ ጸሎትን
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ስእሊ]
(ናብ ገጽ 5 ይቕጽል)
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ . . .(ካብ ገጽ 2 ዝቐጸለ)