ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/96 ገጽ 1
  • ገዛእ ርእስና ብፍታው ምሃብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገዛእ ርእስና ብፍታው ምሃብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዅሉ ሰናይ ዕዮ ገዛእ ርእስና ብፍታው ምቕራብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ዘክሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝያዳ ኣሕዋት የድልዩ ኣለዉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 12/96 ገጽ 1

ገዛእ ርእስና ብፍታው ምሃብ

1 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ህዝቢ የሆዋ ‘ፈትዩ ዝመጽእ’ ምዃኑ ተነብዩ ኢዩ፣ እዚ ድማ “ብወለንታ ዝለዓዓሉ ሰባት” ማለት ኢዩ። (መዝ. 110:⁠3 NW  እግረ⁠-ጽሑፍ።) እዚ ብርግጽ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሕብረት ሕውነትና ይርአ ኢዩ ዘሎ። ኣብ እዋን ናይዚ ዝሓለፈ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ናይ ኣገልግሎት ዓመታት: ህዝቢ የሆዋ ብስራት ናይታ መንግስቲ ንምዝርጋሕ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ወፍዮም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዕዮ: ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ገዛእ ርእስና ብፍታው ክንህበሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ።

2 ፍታውና ከነርእየሉ እንኽእል መገድታት:⁠- ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ገለ ሰባት ናብቲ ኣኼባታት ንኽመጹ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ምሳኻ ክትማልኦም ስለምንታይ ፍቓደኛ ዘይትኸውን፧ ካልኦት ድማ ሕሙማት: ብሰንኪ ጥዕና ዓቕሚ ዘይብሎም: ወይ ኣብ ሆስፒታል እተዓቝቡ ይዀኑ። ክትበጽሖም ወይ ብገለ መገዲ ክትሕግዞም ተበግሶ ክትወስድ ምኸኣልካዶ፧ ምትብባዕ ዘድልዮ ሓደ ውልቀ⁠-ሰብ ወይ ስድራቤት ይህልዉ ይዀኑ። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ናይ ስድራቤትካ መጽናዕቲ ክካፈሉ ክትዕድሞም ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ሓደ ፓይነር ወይ ኣስፋሒ ኣብቲ ኣገልግሎት መሳንይቲ ይደሊ ይኸውን። ኣብቲ ኣገልግሎት ሓቢርኩም ክትዓዩ ስለምንታይ ዘይትዕድሞም፧ እዚ ገለ ካብቲ ንኣመንቲ ብጾትና ብወለንታ ክንገብሮ እንኽእል ሰናይ ዕዮ እንፍጽመሉ መገድታት ኢዩ።​—⁠ገላ. 6:​10

3 ኣሕዋት ነቲ ናይ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብቕዓታት ክበጽሕዎ ብምጽዓር: ኣብ ማሕበር የሆዋ ከገልግሉ ዘለዎም ፍታው ከርእዩ ይኽ⁠እሉ ኢዮም። (1 ጢሞ. 3:​2⁠-10, 12, 13፣ ቲቶ. 1:​5⁠-9) ብቝጽሪ እናወሰኽና ክንከይድ ከሎና: ኣብ ስብከትን ምምሃርን ነታ ጉባኤ ኣብ ምጕሳይን መሪሕነት ንምውሳድ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብቑዓት ኣሕዋት የድልዩ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞ. 3:1

4 ምናልባት ገለ ካባና በብግዜኡ ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ንገዛእ ርእስና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝዓበየ ከም እትሳተፍ ክንገብራ ንኽእል ኢና። ኣብ መደብና ዓቕምና ዘፍቅዶ ምትዕርራይ ብምግባር ብቐጻሊ ሓገዝቲ ፓይነራት ወይ ስርዓታውያን ፓይነራት እውን ከይተረፈ ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዝድለየሉ ከባቢ ክንከይድ ምእንቲ ክንክእል ኵነታትና የፍቅደልና ድዩ፧ ኣብ ቤትኤል ከነገልግል: በዚ ድማ ንዕቤት ናይቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዘሎና ግደ ብቐጥታ ንምብርካት ገዛእ ርእስና ቅርብቲ ክንገብራዶ ምኸኣልና፧ ኣብቲ ናይ ወለንታ ዕዮ ኣዝዩ ዝድለየሉ ኣደራሻት መንግስቲ: ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻት: ከምኡውን ኣብ ምልእቲ ዓለም ዝርከብ ናይ ጨንፈር መሳለጥያታት ኣብ ምህናጽ እውን ብዙሕ ዝግበር ነገራት ኣሎ። እቶም ነዚ ሰናይ ዕዮታት እዚ ገዛእ ርእሶም ዝሃቡ ሰባት ብዙሕ ተመስጊኖም: ብዙሕ ድማ ተባሪኾም ኢዮም!​—⁠ሉቃ. 6:⁠38

5 እዚ ግዜ እዚ ዘሐጕስ ኢዩ። የሆዋ መንፈሱ ብምጥቃም: በቶም ፍቓደኛታት ህዝቡ ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ዘደንቕ ዕዮ ይፍጽም ኢዩ ዘሎ! የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ በታ ማሕበሩ ኣቢሉ: ንዕዮ ናይታ መንግስቲ ኣብ ምስፋሕ ክንካፈል ዕድመ ምስ ዘቕርበልና ‘ጌና ገዛእ ርእሰይ ብፍታው እህብዶ ኣሎኹ፧’ ኢልና ክንሓትት ሰናይ ኢዩ። ድሕርዚ ብጸሎት ልብናን ኵነታትናን ክንምርምር ኣሎና። ኣምላኻዊ ወፈያና ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎት እንኽእሎ ዘበለ ዅሉ ክንገብር ከለዓዕለና ኢዩ: በዚ ኸኣ ንልቢ የሆዋ ኣዚና ነሐጕሶ!​—⁠ጸፎ. 3:​17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ