ንዅሉ ሰናይ ዕዮ ገዛእ ርእስና ብፍታው ምቕራብ
1 ሓደ ዓለማዊ መጽሔት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝምልከት ከምዚ በለ:- “ከምቲ መሰኻኽር ኣብ ሃይማኖቶም ኣበርቲዖም ዝሰርሕዎ ገይሮም ዝሰርሑ ኣባላት ናይ ካልእ ጉጅለ ክትረክብ ኣጸጋሚ ኢዩ።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸምዚ ዝበለ ፍቓደኛ መንፈስ ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ስለምንታይ ኢዮም፧
2 ሓደ ምኽንያት ናይ ህጹጽነት ሰምዒት ስለ ዘለዎም ኢዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ዕዮኡ ዝፍጽመሉ ግዜ ውሱን ከም ዝነበረ ይግንዘብ ነይሩ ኢዩ። (ዮሃ. 9:4) እቲ ኽቡር ወዲ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ጸላእቱ እናሰዓረ ከሎ: ህዝቢ የሆዋ ዕዮኦም ክገብሩ ውሱን ግዜ ከም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ: ንገዛእ ርእሶም ብፍታው ንቕዱስ ኣገልግሎት ምውፋይ ይቕጽሉ። (መዝ. 110:1-3) እቲ ምእካብ ናይቲ ምህርቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ስለ ዘድልዮ: ኣብቲ ጻዕሮም ዕረፍቲ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። (ማቴ. 9:37, 38) ስለ ዝዀነ’ኳ ነቲ ኣብ ዕዮኡ ፍጹም ኣብነት ናይ ፍቓደኛነትን ጻዕርን ዝገደፈ የሱስ ክቐድሕዎ ኢዮም ዝጽዕሩ።—ዮሃ. 5:17
3 ካልእ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ንየሆዋ ገይሮም ብምሉእ ነፍሶም ዝዓይሉ ምኽንያት ድማ እታ ዓለምለኻዊት ማሕበሮም ካብ ኵለን ካልኦት ጉጅለታት ፍልይቲ ስለ ዝዀነት ኢዩ። ዓለማውያን ሃይማኖታውያን ማሕበራት ካብ ስዓብተን ውሑድ ግዜን ጻዕርን ጥራይ ኢየን ዝሓታ። እቲ ዝኣምንዎ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም: ምስ ካልኦት ኣብ ዝገብርዎ ምምልላስ: ወይ ድማ ዝስዕብዎ ህይወት ቍሩብ ወይ ከኣ ሳዕቤን የብሉን። እቲ መለዓዓሊ ሓይሊ ናይ ሓቂ እምነት ብምጕዳሉ: ነቶም ጓሶቶም: እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ሒደት ጻዕሮም እኹል ከም ዝዀነ ብምርግጋጽ ‘ዘሐጕስ ክነግርዎም’ ይግድድዎም ኣለዉ። (ኢሳ. 30:10) ኣቕሽሽቶም ‘ኣእዛኖም እናኣሰሓዩ’ መንፈስ ናይ ዘይተገዳስነትን መንፈሳዊ ትህኪትን ብምእታው ተሰማምዕዎም።—2 ጢሞ. 4:3
4 ምስቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ኣረኣኢኻስ ከመይ ዝበለ ምንጽጻር ኰን ኢዩ! ዝዀነ ይኹን ንኣምልኾና ዝምልከት ነገር ጻዕሪ: ጽዓት: ከምኡውን ስራሕ ዘጠቓልል ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ኣብ ኵሉ እንገብሮ ነገርን: ነቲ እንኣምኖ ኢና እንገብር። ሽሕ’ኳ ሓቂ ብዙሕ ሓጐስ ዘምጽኣልና እንተዀነ: ነቲ ዝሓተና ክንፍጽሞ “ሓይለ ገደል” ዘጠቓልል ኢዩ። (ምስ 1 ተሰሎንቄ 2:2 ኣነጻጽሮ።) ነቲ ናይ መዓልታዊ ናብራ ሓላፍነት ምፍጻም ጥራይ ንብዙሓት ሰባት ትሑዛት ንኽገብሮም እኹል ኢዩ። ይኹን እምበር: እዞም ሓልዮታት እዚኣቶም ነቲ ጥቕምታት ናይታ መንግስቲ ቀዳምነት ከይንህብ ክዓግቱና ኣይንፈቕደሎምን ናኢ።—ማቴ. 6:33
5 እቲ ኣብ ዕዮ የሆዋ ክንፍጽሞ ተዋሂቡና ዘሎ ኣዝዩ ጠቓምን ህጹጽን ስለ ዝዀነ: ካብ ካልእ ጕያና ግዜ ‘ክንዕድግን’ ዝያዳ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንመንፈሳዊ ነገራት ክንጥቀመሉን ተለዓዒልና ኢና። (ኤፌ. 5:16) እቲ ኣምላኻዊ ተወፋይነትናን ፍቓደኛ መንፈስናን ንየሆዋ ከም ዘሐጕሶ ምፍላጥና: ኣብቲ ብርቱዕ ስራሕና ክንቅጽል ዝዓበየ መተባብዒ ኣሎና። ምስቲ ሕጂ እንቕበሎ ሃብታም በረኸታትን ተስፋ ናይ ዝመጽእ ህይወትን: ውሳኔና ምእንቲ ናይታ መንግስቲ ጥቕምታት ‘ክንዓይን ክንጽዕርን’ ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:10
6 ተወፋይነትን መንፈስ ናይ ርእሰ-መስዋእትን:- ሎሚ ዝበዝሑ ሰባት ንስጋዊ ድሌታትን ጥቕምታትን ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ቀዳምነት ይህቡ። ኣብ ዝበልዕዎ: ዝሰትይዎ: ወይ ዝኽደንዎ ኣቓልቦኦም ብምትኳር ምሉእ ብምሉእ ቅኑዓት ከም ዝዀኑ ይስምዖም። (ማቴ. 6:31) በቲ መሰረታዊ ነገራት ከይዓገቡ: በቲ ሕጂ ጽቡቕ ህይወት ምሉእ ብምሉእ ምስትምቓር ከምኡውን ‘ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚአክል ምህላው: ምዕራፍ: ምብላዕ: ምስታይ: ምሕጓስ’ ዝብል ሸቶ ኢዮም ዝለዓዓሉ። (ሉቃ. 12:19) እቲ ኣዘውቲሩ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝመላለስ ሰብ ነቲ ብሃይማኖቱ ዝድለ ብሕታዊ ጻዕሪ ኣብ ልዕሊ መሰሉ ዓመጽ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ። እቲ ደድሕሪ ስጋ ምጕያይ ምሕዳጉ ወይ ምጕዳሉ ወይ ከኣ ደስ ዘብል ጥቕምታት ምውጋዱ ዝብሃል ሓሳባት ጽሉእ ኢዩ። ኣተሓሳስባኡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ብምቕንዑ: ናይ ርእሰ-መስዋእትነት መንፈስ ምኹስኳስ ዘይከውንን ዘይተግባራውን ኢዩ።
7 ነዚ ጉዳይ እዚ ብኻልእ ኢና እንርእዮ። ቃል ኣምላኽ ንኣተሓሳስባና ልዕል ስለ ዘበሎ: ናይ ሰባት ዘይኰነስ ሓሳባት ኣምላኽ ኢና እንሓስብ። (ኢሳ. 55:8, 9) ነቲ ስጋዊ ጕያ ሓለፍ ዝብሎ ናይ ህይወት ሸቶ ኣሎና። ምርግጋጽ ሉዓላዊነት የሆዋን ምቕዳስ ስሙን ኣብዚ ኣድማስ እዚ እቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ሕቶታት ኢዮም። እቲ ኣገዳስነት ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝዀነ ኵሎም ኣህዛብ “ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረአዩን” ኢዮም። (ኢሳ. 40:17) ንፍቓድ ኣምላኽ ግዲ ዘይብሉ ኣነባብራ ክንነብር ኢልና እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ፈተነ ከም ዕሽነት ክቝጸር ኣለዎ።—1 ቈረ. 3:19
8 ስለዚ ሽሕ’ኳ ስጋዊ ነገራት ዘድሊ እንተዀነ ከምኡውን ካልኦት ናይታ መንግስቲ ንጥፈታትና ክንገብር ጠቐምቲ እንተዀኑ: እዚኣቶም “ዝያዳ ኣድለይቲ ነገራት” ከም ዘይኰኑ ብሓቂ ነስተውዕሎ ኢና። (ፊል. 1:10 ትሓዓ ) ነቲ ደድሕሪ ስጋዊ ጥቕምታት እንገብሮ ጕያ ንምድራት ናብ መንፈስ ናይ 1 ጢሞቴዎስ 6:8 ኢና እንጽጋዕ ከምኡውን ልብና ናብቲ ‘ንዘለኣለም ዝዀነ ዘይርአ’ ከቕልብ ብጥበብ ንጽዕር ኢና።—2 ቈረ. 4:18
9 ዝያዳ ሓሳብ ኣምላኽ ብዝሓሰብና መጠን: እቲ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዘሎና ጭንቀት ድማ ዝወሓደ ይኸውን። ነቲ ድሮ ገይሩልና ዘሎን ነቲ ንመጻኢ ተመባጺዑልና ዘሎ ዘደንቕ በረኸታትን ከነስተንትነሉ ከሎና: ነቲ ንሱ ዝሓተና ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ንምፍጻም ፍቓደኛታት ኢና። (ማር. 10:29, 30) ሳላኡ ኢና ብህይወት ዘሎና። ምሕረቱን ፍቕሩን እንተዘይህሉ ነይሩ: ሕጂ ናይ ህይወት ሓጐስን መጻኢ ተስፋን ኣይምሃለወናን ነይሩ። ኵሉ ኣብ ኣገልግሎቱ እንገብሮ ዘሎና ነገራት ‘እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ስለ ዝዀነ’ ገዛእ ርእስና ክንውፊ ንግደድ ኢና። (ሉቃ. 17:10) ‘ብበረኸት ክንዓጽድ’ ምዃንና ስለ እንፈልጥ: ዝዀነ ይኹን የሆዋ ክንህቦ ዝሓተና ነገር ተሐጒስና ኢና እንህቦ።—2 ቈረ. 9:6, 7
10 ሕጂ ፍቓደኛታት ሰራሕተኛታት የድልዩ ኣለዉ:- እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጅምር ከተብል ከላ ኣብ ናይ ጽዑቕ ዕዮ እዋን ኢያ ኣትያ። ቅድሚ ምውዳቕ የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሰፊሕ ዝዀነ ምስክርነት ክወሃብ ነበሮ። ኣብቲ ግዜ እቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ብዕዮ እቲ ቓል [ትሑዛት ትሓዓ ]” ነበሩ። (ግብ. 18:5) እቲ ቅልጡፍ ዝዀነ ምስፍሕፋሕ ዝያዳ ወንጌላውያንን ክኢላታት ጓሶትን ከምኡውን ሓገዞም ንምርካብ ኣድላዪ ገበሮ። ምስ ዓለማውያን ሰበ-ስልጣናት ክረዳድኡ ዝኽእሉ ተመኵሮ ዘለዎም ሰብኡት ከምኡውን ነቲ ምእካብን ምክፍፋልን ናይቲ ስጋዊ ነገራት ክቈጻጸሩ ክእለት ዘለዎም ሰባት ኣድልዮም ነበሩ። (ግብ. 6:1-6፣ ኤፌ. 4:11) ውሑዳት ከም ቀንዲ ኰይኖም የገልግሉ እኳ እንተ ነበሩ: ዝበዝሑ ግን ብድሕሪት ኰይኖም ይድግፉ ነበሩ። ይኹን እምበር እቲ ዕዮ ምእንቲ ክፍጸም ኵሎም ብምሉእ ልቢ ብሓደ ሓቢሮም ‘ይጋደሉ’ ነበሩ።—ሉቃ. 13:24
11 ሽሕ’ኳ ኣብቲ ዝሰዓበ ብዙሕ ዘበናት ብዓለምለኸ ደረጃ ዝግበር ሓያል ንጥፈት ኣድላይነቱ ብተዛማዲ ውሑድ እንተነበረ: የሱስ መንግስታዊ ስልጣኑ ብ1914 ምስ ሓዘ: ዓቢ ምብርባር ዕዮ ናይታ መንግስቲ ተጀመረ። ሓገዝ ናይቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ዝርከቡ ሚልዮናት ፍቓደኛታት ሰባት ብምሕታት: ንጥቕምታት ናይታ መንግስቲ ዘቐድሙ ሰራሕተኛታት ኣዝዩ ክዓቢ ከም ዘድሊ እተገንዘቡ ውሑዳት ጥራይ ኢዮም ነይሮም።
12 ሎሚ እታ ማሕበር ኣብቲ ዓቕምታትና ክሳዕ ዝጽንቀቕ ዝገብር ብዙሕ ፕሮጀክትታት ኣዝያ ተጸሚዳ ኢያ ዘላ። ንጥፈታት ናይታ መንግስቲ ብዓቢ ፍጥነት ንቕድሚት ይውንጨፍ ኣሎ። ህጹጽነት ናይ ግዜና ነቲ ክግበር ዘሎዎ ዕዮ ንኽንፍጽም ኣበርቲዕና ክንጽዕርን ነቲ ክንረኽቦ እንኽእል ነፍሲ ወከፍ ዓቕሚ ክንጥቀመሉን ከለዓዕለና ኣለዎ። ናይዚ ጠቕላላ እኩይ ኣገባብ መወዳእታ ኣዝዩ ምቕራቡ: ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ መዓልትታት ኣዝዩ ጽዑቕ ዕዮ ኢና እንጽበ። ነፍሲ ወከፍ ውፉይ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብዚ ህጹጽ ናይ ምእካብ ዕዮ: ንገዛእ ርእሱ ብፍቓደኛነት ክውፍያ ይሕተት ኣሎ።
13 እንታይ ክግበር ኢዩ ዘድሊ ዘሎ፧ ‘ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ እንዀነሉ ከም ዘሎ ብሓቂ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 15:58) ኣብ ብዙሕ ዞባታት እቲ እኽሊ ሰዊቱ ኢዩ: እቶም ዓየይቲ ግና ሒደት ኢዮም። ኣብቲ ዞባና ሰፊሕ ዝዀነ ምስክርነት ብምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ኬድካ ምግልጋል ዝምልከት ብድሆ ብምግጣም እውን እጃምና ከነበርከት ተዓዲምና ኣሎና።
14 መሰኻኽር: ነቲ ኣብ ኵሉ ክፍልታት ናይ ዓለም ዘሎ ካልእ ንጥፈታት ብኸመይ ገዛእ ርእሶም ብፍቓደኛነት ከም ዝውፍዩ ክትርኢ ከሎኻ ዝንኣድ ኢዩ። እዚ ካብቲ ንኣምልኾ ዝኸውን ቦታ ምህናጽ: ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ምግልጋል: ከምኡውን ኣብ ግዜ ሓደጋ ነቲ ናይ ረድኤት ጻዕርታት ብምሕጋዝ ክሳዕ ነቲ ናይ ከባቢ ኣዳራሽ መንግስቲ ስርዓታዊ ኴንካ ምጽራይ ክዝርጋሕ ይኽእል ኢዩ። ምስቲ ዳሕረዋይ እተተሓሓዘ: እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ድሕሪ ኣኼባ ከም ዝጸረየን ብኣገባብ ከም እተሰርዐን ምርግጋጽ ከድሊ ኢዩ። ነቶም ትሑታት ዝበሃሉ ዕዮታት ምፍጻም እውን ነቲ ኣብ ሉቃስ 16:10 ዝርከብ ቃላት የሱስ ግቡእ ምርዳእ ከም ዘሎ ኢዩ ዘርኢ:- “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ: እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።”
■ ንንጥፈታት ናይታ ጉባኤ ደገፍ ምሃብ:- ሽሕ’ኳ እታ ጉባኤ ከም ክፍሊ ናይታ ጠቕላላዊት ማሕበር ትዓዪ: ካብቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ድማ መምርሒ ትቕበል እንተዀነት: ብነፍሲ ወከፍ ናይ መንግስቲ ኣስፋሒ ዝቘመት ኢያ። (ማቴ. 24:45 ትሓዓ ) እቲ ዕማማ ብዓቢኡ: ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ምስክር ክሳዕ ክንደይ ፍቓደኛ ምዃኑን ዓቕሙን እተመርኰሰ ኢዩ። እታ ጉባኤ እቲ ብስራት ኣብ ዞባኣ ምስባኹ: ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር: ብድሕሪኡ ድማ ብመንፈስ ኣብ ምድልዳሎም ኢያ እተተኵር። ነፍሲ ወከፍና ኣብዚ ዕዮ እዚ እጃሙ ከበርክት ይኽእል ኢዩ። ከምኡውን ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ኣብ ኣኼባታት ትርጕም ዘለዎ ተሳታፍነትን ንኻልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሓገዝ ንምሃብ ንገዛእ ርእስና ሸቶ ከነውጽእ ንኽእል ኢና። እዞም ንጥፈታት እዚኣቶም ነቲ ፍቓደኛነትና ንምግላጽ ብዙሕ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ይህቡና ኢዮም።
■ በቶም ኣብ ናይ ምዕዛብ ቦታ ዘለዉ ዝውሰድ መሪሕነት:- የሆዋ ነቲ ምዕዛብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ነቶም ኣብአን እተመዘዙ ሽማግለታት ሕድሪ ሂቡዎም ኢዩ። (ግብ. 20:28) እዚኣቶም ነዚ መሰል እዚ ንኽበቕዑ እተመጣጠሩ ሰብኡት ኢዮም። (1 ጢሞ. 3:1) ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ሓው ንዝዓበየ ሓላፍነት ክበቅዕ ገለ ተኽእሎ ኣለዎ። ብዙሓት ኣሕዋት ብመንፈስ ይዓብዩ ኣለዉ: ከምኡውን ኣብ ትሕቲ መሪሕነትን ፍቕራዊ ሓገዝን ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ምዕባይ ክቕጽሉ የድልዮም ኢዩ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ጻዕረኛታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትናን ክዀኑ ኣለዎም። ነቶም ብመንፈስ እተሸሙ ሽማግለታት እዙዛት ብምዃን: እምነቶም ብምቕዳሕ ከምኡውን ነቲ ካብ ተዓዘብቲ ዝድለ ባህርያት ብምዅስኳስ: ፍቓደኛነቶም ክገልጹ ይኽአሉ ኢዮም።—እብ. 13:7, 17
■ ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምሓዙ:- እታ ጉባኤ ብቐዳምነት ነቲ ብስራት ንምስባኽ ኢያ እትዓዪ። (ማቴ. 24:14) ቀናኣት ዝዀኑ ሰባት ፓይነራት ብምዃን ነቲ ጻዕርታቶም ከዛይድዎ ከለዉስ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኢዩ! እዚ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ብሕታዊ ህይወቶም ምትዕርራይ ምግባርውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዚ ፍሉይ ግራት ኣገልግሎት እዚ ምእንቲ ክቕጽሉ ተወሳኺ ምትዕርራያት ክገብሩ የድልዮም ይኸውን። ግናኸ እቶም ብምኽንያት ገለ ግዜያዊ መጃጀዊታት ድሕሪ ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነዚ መሰል እዚ ኣብ ክንዲ ዘቋርጽዎ ዝቐጸልዎ ሰባት: ናይ የሆዋ ሃብታም በረኸታት ከም ዘስተማቕሩ ርግጸኛታት ኢዮም። ፈቃራት ሽማግለታትን ካልኦት ብሱላትን ብቓልን ብግብርን ብምትብባዕ: ንዓወት ናይቶም ፓይነራት ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። በቶም ትምህርቶም ምስ ወድኡ ናብ ናይ ፓይነር ዕዮ ብቐጥታ ዝኣትዉ መንእሰያት ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ መንፈስ ኢዩ ዝንጸባረቕ ዘሎ! ናይቶም ዓለማዊ ሓላፍነቶም ምስ ጐደለ ስርዓታውያን ፓይነራት ዝዀኑ ዓበይቲውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ነቲ ምስቲ ዝቕልጥፍ ዘሎ ናይ የሆዋ ናይ ምእካብ ዕዮ ዝተሓባበር ውፉይ ክርስትያን ከመይ ዝበለ ዕግበት ኰን ኢዩ ዘምጽኣሉ!—ኢሳ. 66:22
■ ኣብቲ ምህናጽን ምጽጋንን ናይ መአከቢ ቦታታት ምክፋል:- ቃል ብቓሉ በማእታት ዝቝጸሩ መንግስቲ ኣዳራሻት ከምኡውን ናይ ኣሰምብሊ ኣዳራሻት ተሃኒጾም ኢዮም። ዘገርም: ዳርጋ ዅሉ በቶም ፍቓደኛታት ብምዃን ግዜኦምን ክእለቶምን ዘወፈዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢዩ ተገይሩ። (1 ዜና. 28:21) ኣሽሓት ፍቓደኛታት ሰራሕተኛታት: ዝዀነ ይኹን ዝድለ ዕማም ብምፍጻም ነዞም መሳለጥያታት እዚኣቶም ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ዝሕዝዎም። (2 ዜና. 34:8) እዚ ዕዮ እዚ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ቅዱስ ኣገልግሎት ስለ ዝዀነ: እቶም ዝሕግዙ ብፍቓደኛነት ንገዛእ ርእሶም ብምቕራብ: ከምቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኩ ኸለዉ: ኣብ ጉባኤ ህዝባዊ ዝርርብ ክህቡ ከለዉ: ወይ ኣብ ኣሰምብሊ ወይ ዓቢ ኣኼባ ዕዮ ክዓዩ ከለዉ ክኽፈሉ ዘይሓቱ: ኣብዚውን ክኽፈሉ ኣይሓቱን ኢዮም። እዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም ንውዳሴ የሆዋ ዝኸውን ናይ ኣምልኾ ቦታ ካርታ ብምስኣልን ብምህናጽን ኣገልግሎቶም ብናጻ ይውፍዩ። ኣብ ከም ሕጋዊ ሰነዳት ምፍጻም: ናይ ሕሳብ መዝገብ ምሓዝ: ናይ ምዕዳግ ርክባት ምግባር: ከምኡውን ናይቲ ዘድሊ ኣቑሑት መጠን ምጽብጻብ ዝኣመሰሉ ነገራት ብህንጥዮት ይሕግዙ። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እዚኣቶም ኵሉ ተውህቦኦምን ሃብቶምን ንየሆዋ ዝወፈዩ ስለ ዝዀኑ: ዝዀነ ዓይነት ክራይ ኣየኽፍሉን ኢዮም ወይ ድማ ካብቲ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ብዝዀነ መገዲ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብስጋ ክኸስቡ ኣይደልዩን ኢዮም። (ናይ ለካቲት 1992 ናይ መንግስትና ኣገልገሎት እንግሊዝኛ ገጽ 4 ቍጽሪ 10 ርአ።) እዚ ዕዮ እዚ ኣገልግሎቶም ‘[ንየሆዋ ትሓዓ ] ከም ዝገብርዎ’ ዘለዉ ገይሮም ዝፍጽሙ ጻዕረኛታት ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ኢዩ ዝደሊ።—ቈሎ. 3:23
15 እሞ ነቲ ናይ ህዝቢ የሆዋ ፍቓደኛነት ፍሉይ ዝገብሮ ደኣ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ናይ ምሃብ መንፈስ ኢዩ። እቲ ልግሲ ዘለዎ ውህበቶም ካብ ገንዘብ ወይ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ—“ገዛእ ርእሶም ፈትዮም የቕርቡ።” (መዝ. 110:3 ትሓዓ ) ትርጕም ናይቲ ንየሆዋ ዘሎና ወፈያ እዚ ኢዩ። ብፍልይ ዝበለ መገዲ ዓስብና ተቐቢልና ኢና። ነቲ እንገብሮ ኻልኦት ብግዲኦም ብሞሳ ስለ ዝርእይዎ: “ዝያዳ ሓጐስ” ነስተማቕር ከምኡውን ‘ብበረኸት ንዓጽድ’ ኢና። (ግብ. 20:35 ትሓዓ፣ 2 ቈረ. 9:6፣ ሉቃ. 6:38) እቲ ዝዓበየ ወሃቢና እቲ ‘ሕጕስ ወሃቢ ዚፈቱ’ ሰማያዊ ኣቦና: የሆዋ ኢዩ። (2 ቈረ. 9:7) ንዘለኣለም ብዝነብር በረኸታት ገይሩ ሚእቲ ዕጽፊ ክኽሕሰና ኢዩ። (ሚል. 3:10፣ ሮሜ 6:23) ስለዚ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ መሰል ምስ ዝኽፈተልካ: ንገዛእ ርእስኻ ብወለንታ ፍቓደኛ ክትገብራ ከምቲ ኢሳይያስ ዝበሎ ድማ “እኔኹ ልኣኸኒ” ኢልካዶ ክትምልሽ ኢኻ፧—ኢሳ. 6:8