ንመልእኽትና መን ኢዩ ዝሰምዖ፧
1 ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ከም ሎሚ ገይሮም ሰባት ብሓበሬታ: መብዛሕትኡ ሃጠው ቀጠውን አረ ዘጋጊ እውን ከይተረፈ: ኣዕለቒሊቖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት በዚ እተዓብለሉ ኰይኑ ይስምዖም: ንሕና ኸኣ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መልእኽቲ ከም ዝሰምዕዎ ንኽንገብሮም የጸግመና። ንቓል ኣምላኽ ምስማዕ ኣብ ናብርኦም ኣዎንታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣይርድእዎን ኢዮም።—ሉቃ. 11:28
2 ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ዓለም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ይሰምዕዎ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብሩ እነቕርበሎም ዕደመ ኸኣ ይቕበልዎ ስለ ዘለዉ ንሕጐስ ኢና። ይኹን እምበር: ኣብ ካልእ ዞባታት እቲ ምላሽ ብዙሕ ጽቡቕ ኣይኰነን። ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ምብጻሕ ዝበዝሐ ኣወንታዊ ውጽኢት የብሉን: ንመልእኽትና ድኣ እሞ መን ኢዩ ዝሰምዖ ኢልና ድማ ንግረም ንኸውን።
3 ካብ ተስፋ ምቝራጽ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ: . . . ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ . . . ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ . . . ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ ዝብል ጽሑፍ [ኣሎ]” ብምባል ገለጸ። (ሮሜ 10:13-15) ዘርኢ እታ መንግስቲ ብትግሃት እንተድኣ ዘሪእና: ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም ቅኑዓት ሰባት ከም ዝበቍል ክገብሮ ኢዩ።—1 ቈረ. 3:6
4 እቲ መፍትሒ ስርዓታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ኢዩ:- ኣብቲ ንመልእኽትና ዝሰምዑ ሰባት ሒደት መሲሎም ዝረኣይሉ ዞባታት: ጽሑፍ ንዓድል ኣይንዓድል ብዘየገድስ ንዝዀነ ይኹን ዝረኸብናዮ ተገዳስነት ኣብ ምዕባዩ ከነተኵር ኣሎና። ዋላ ሓንቲ ኣይነፍርን ኢና ኢልና ስለምንታይ እንድምድም፧ ዘርኢ ክንዘርእ ከሎና: መዓስ ከም ዝበቍል ኣይንፈልጥን ኢና። (መክ. 11:6) ክንምለስ ከሎና: ንሓጺር እዋን ጥራይ እውን ይኹን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገለ ነገር ምእንቲ ከነማቕል ጽቡቕ ገይርና እንተድኣ ተዳሊና ኣብ ልቢ እቲ ሰብ ክንበጽሕ ንኽእል ንኸውን። ትራክት ወይ እዋናዊ መጽሔታት ክንገድፍ ንኽእል። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝግበር ከነርኢ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንጻዕርታትና ክሳዕ ክንደይ ከም ዝባረኾ ምስ ረኣና ብሓጐስ ክንግረም ኢና።—መዝ. 126:5, 6
5 ንሓንቲ ገለ ተገዳስነት ዘርኣየት ሰበይቲ ትራክት ተበርከተላ። ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኣክል እንደገና ኣብ ቤታ ኣይተረኽበትን: ድሕርዚ ድማ ብስራሕ ኣዝያ ትሕዝቲ ብምንባራ ምዝርራባ ኣይተኻእለን። እታ ቅድም እተበርከተትላ ትራክት እንደገና ተዋህበታ። እታ ኣስፋሒት ኣብ ገዝኣ ክትበጽሕ ዘይሕለል ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረት: ንዓኣ ንምርካብ ካልእ ተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ወሰደ: ሽዑ እውን እንተዀነ ሓሚማ ጸንሐት። እታ ሓብቲ ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ሰሙን እንደገና በጽሓታ: ብዛዕባ እታ ትራክት ድማ ሒደት ተዘራረባ። እታ ሓብቲ ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ሰሙን ተመልሰት: እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዘለዋ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ገለጸት። ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ናይ ኵነታት ለውጢ ንመንፈሳዊ ድሌታ ንቕሕቲ ከም እትኸውን ገበራ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ: ድሕሪኡ ድማ ውዕዉዕ ተገዳስነት ብዘለዎ ኣገባብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ተጽንዕ ነበረት።
6 ዝዀነ ይኹን ከም ዕንባባታት: ኣሕምልቲ: ወይ ኣብ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዝርአ ተገዳስነት ዝኣመሰለ ነገራት ክዓቢ ክንርእዮ ንደሊ እንተድኣ ኴንና: ምዅስኳስ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ድማ ግዜ: ጻዕሪ: ናይ ምክንኻን ዝንባለ: ከምኡውን ኢድካ ንኸይትህብ ቈራጽ ምዃን ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት: ዘርኢ እታ መንግስቲ ኣብ ኣልባቦም ዝበቘለ ናይ ሓደ ሚልዮን ሲሶ ዝዀኑ ሰባት ተጠሚቖም ኢዮም! ምስባኽ እንተድኣ ቀጺልና: ንመልእኽትና ዝሰምዑ ተወሰኽቲ ብዙሓት ሰባት ከም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ኢና።—ምስ ገላትያ 6:9 ኣረኣእዮ።