ናይ 1998 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ
እተማሃርካ ምዃን ክበሃል ከሎ “ፍሉይ ፍልጠት ወይ ፍሉይ ክእለት ቀሲምካ ወይ ኣጥሪኻ” ኢኻ ማለት ኢዩ። ብቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣቢልና ካብ ፍልጠት ኣምላኽ ብቐጻሊ ምልምማድ ንረክብ ኢና። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ብምክፋልና እውን ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትና ንኸነዕብዮ ይገብረና ኢዩ። እቲ ናይ 1998 መደብ ቤት ትምህርቲ ተወሳኺ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽንገብር ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክኸፍተልና ኢዩ።
ናይቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ዝቕጽል ዓመት መደብ ከም ዝረኣኻዮ: ክፍሊ ቝ. 3 ኣብ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ” ከምኡውን ኣብ “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ” እተመርኰሰ ምዃኑ ከተስተብህል ኢኻ። ክፍሊ ቝ. 4 ኣብ “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ” እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ እቲ ሓው ብመልክዕ ዝርርብ ነታ ጉባኤ ከቕርበላ ኣለዎ: ሓብቲ እንተድኣ ዀይና ድማ ብተግባራዊ ኣቀራርባ ዀይኑ: ምስ ናይ ግራት ኣገልግሎት ወይ ድማ ምስ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ኣተሓሒዛ ከተቕርቦ ይምረጽ። ንመዘኻኸሪ ኸኣ: ኣብ ፕሮግራም ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዋላ ሓደ ሰብ ግዜ ከሕልፍ የብሉን።
ሓድሽ መደብ:- ንነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝኸውን “ተወሳኺ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ” ንብሕታዊ ጥቕምና ተባሂሉ ኣብ ሓጹር ደድሕሪ ናይ መዝሙር ቍጽሪ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ምስቲ ሰሙናዊ ፕሮግራም ናይቲ ቤት ትምህርቲ ርክብ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ነቲ መደብ ንኽትከታተሎ ግን ሸቶኻ ግበሮ። መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ዘይብልካ እንተድኣ ዀይኑ: እዚ መደብ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ-መዓልቲ ናይ ምንባብ ልምዲ ንኸተጥሪ ከኽእለካ ኢዩ።
ንክፍልታት: ንምኽርን ናይ ጽሑፍ ድግማን ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ “ናይ 1998 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ከምኡውን ኣብ ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 3 ዝርከብ መምርሒታት በጃኹም ብጥንቃቐ ኣንብብዎ።
ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ገና ዘይተመዝጊብካ እንተድኣ ዄንካ: ሕጂ ንኽትምዝገብ ንዕድመካ። እዚ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ እዚ ነቶም ትሑታትን ውፉያትን ኣገልገልቱ: ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ብዝበለጸ ብቑዓት ንኽዀኑ ኣብ ምልምማድ ኣገዳሲ ግደ ብምፍጻም ክቕጽል ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:13-16