መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ —ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ
1 እቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ከነኽብሮን ክንተሓባበሮን ዝግባእ ብቓልን ብምህሮን ኣበርቲዑ ዝዓዪ መንፈሳዊ ብስለት ዘለዎ ሰብኣይ ኢዩ። (1 ጢሞ. 5:17) ሓላፍነታቱ ግን እንታይ ኢዩ፧
2 ነቲ ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዘሎ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ብሓላፍነት ዝቈጻጸሮ እዚ ተዓዛቢ እዚ ኢዩ። ኵሎም እቶም ብቑዓት ዝዀኑ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ንኽምዝገቡ ንምትብብዖም ልባዊ ተገዳስነት የርኢ። ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣኼባ ቅድሚ ምእካሉ እንተወሓደ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ግቡእ ብዝዀነ ኣገባብ ምእንቲ ክምደብ: ናይ ክፍልታት ጽፉፍ መዝገብ ምህላዉ የረጋግጽ። ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይን ክእለታቱን ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ: ንዅሎም እቶም ኣሕዋት ጽቡቕ ገይሩ ክፈልጦም የድልዮ። ኣብ ምድላው መደብ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዝሕግዞ ካልእ ሓው ክህሉ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነቲ ክፍልታት ብግቡእ ንምምዳብ ግን እቲ ተዓዛቢ ብብሕቱ ክከታተሎ ኣለዎ።
3 እቲ ተዓዛቢ ነቶም ተማሃሮ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ክምህር: ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝውሰድ ትምህርቲ ዓሚቝ መጽናዕቲ ብምግባር ተጊሁ ክዳለወሉ ኣለዎ። እዚ ኸኣ እታ ጉባኤ ነቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ብሓጐስ ከም እትከታተሎ ምግባር: እቲ ዝውሰድ ትምህርቲ ብልክዕ ተሸፊኑ ድዩ ኣይተሸፈነን ንምውሳን: ከምኡውን ነቲ ኣብ ናይ ጽሑፍ ድግማ ዝጠቓለል ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጕላሕ የኽእሎ ኢዩ።
4 ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ዝርርቡ ምስ ወድአ: እቲ ተዓዛቢ ነቲ ተማሃራይ ይንእዶ: ገለ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ብጽቡቕ ዝቐረበሉ ወይ ክመሓየሽ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ ይገልጽ። ሓደ ሰብ ነቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝህቦ ክፍሊ ንኽዳሎ ተወሳኺ ልምምድ ክዋሃቦ ምስ ዝደሊ: እቲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝመደቦ ሓው ብብሕቱ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።
5 እቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ካብ ዝገብሮ ብርቱዕ ጻዕርን ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዀይኖም ምኽሪ ብምሃብ ዘገልግሉ ተወሰኽቲ ኣሕዋትን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክንጥቀም: ስርዓታውያን ኴንና ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክንካፈል ኣሎና። ንዅሉ ክፍልታትና ከነቕርቦ: ነቲ ንዓናን ንኻልኦት ተማሃሮን ዝዋሃብ ምኽሪ ድማ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኣሎና። በዚ መገዲ እዚ: እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ካብ ቤት ናብ ቤትን እናኸድና ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምብጻሕ ዘሎና ክእለት በብግዚኡ ክመሓየሽ ኢዩ።—ግብ. 20:20፣ 1 ጢሞ. 4:13, 15