ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/96 ገጽ 5
  • ብዛዕባ እታ መንግስቲ ስበኹ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ እታ መንግስቲ ስበኹ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኻልኦት ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ነካፍሎም ኢና
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሃናጽን ኣወንታውን
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 9/96 ገጽ 5

ብዛዕባ እታ መንግስቲ ስበኹ

1 እብራውያን 10:⁠23 (ትሓዓ ) “ነቲ ህዝባዊ ስብከት ናይ ተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዝ” ብምባል ይምሕጸነና። ተስፋና ኸኣ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ ኢዩ። የሱስ ብስራት መንግስቲ ንዅሎም ኣህዛብ ክስበኽ ከም ዘለዎ: ብንጹር ኣዚዙ ኢዩ። (ማር. 13:⁠10) ኣብ ኣገልግሎትና ክንጽመድ ከሎና ነዚ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ የድልየና።

2 ምስ ሰባት ክንራኸብ ከሎና: ብዛዕባ ገለ ዘገድሶም ወይ ዝምልከቶም ነገር ብምልዓል ዝርርብ ክንጅምር ኢና እንፍትን። መብዛሕትኡ ግዜ ከም ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ገበን: ናይ መንእሰያት ግድላት: ናይ መነባብሮ ጭንቀት: ወይ ቅልውላው ኵነታት ዓለም ዝኣመሰሉ እቶም ሰባት ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎም ነገራት ኢና እንጠቅስ። ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ኣእምሮ ናብ ‘ሓልዮት ሓዳር’ ዘተኰረ ስለ ዝዀነ: ከም እንስገገሎምን እንርድኣሎምን ምስ እነርኢ: ብዙሕ ግዜ ሰባት ናይ ልቦም የውጽኡ ኢዮም። (ሉቃ. 21:⁠34) እዚ ኸኣ ተስፋና ንኸነካፍል መገዲ ክኸፍተልና ይኽእል ኢዩ።

3 ይኹን እምበር: እንተ ዘይተጠንቂቕና ዝርርብና ናብ ኣሉታዊ ዝዀኑ ነገራት ብምስፋሕ ነቲ ናይ ምብጻሕና ዕላማ ማለት: ምስባኽ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ከም ዘይንፍጽም ክሳዕ እንኸውን ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ሽሕ’ኳ ነዚ ብዙሕ ጭንቂ ዘምጽእ ዘሎ ኵነታት ከም ዘቕልብሉ ንገብር እንተዀንና: ሸቶና ግን ናብታ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ግድላት ወድሰብ ዝዀነት መንግስቲ ከም ዘተኵሩ ንምግባር ኢዩ። ሰባት ክሰምዕዎ ኣዝዩ ዘድልዮም ዘደንቕ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ዘሎና። ስለዚ: ኣብ መጀመርታ ገለ መዳያት ናይዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ክንመያየጥ ንኽእል እኳ እንተዀንና: ብቕልጡፍ ናብቲ ቀንዲ መልእኽትና: “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ከነተኵር ይግብኣና። በዚ መገዲ እዚ ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽም ኢና።​—⁠2 ጢሞ. 3:⁠1 NW፣ 4:⁠5፣ ራእ. 14:⁠6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ