ብዛዕባ እታ መንግስቲ ስበኹ
1 እብራውያን 10:23 (ትሓዓ ) “ነቲ ህዝባዊ ስብከት ናይ ተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዝ” ብምባል ይምሕጸነና። ተስፋና ኸኣ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ ኢዩ። የሱስ ብስራት መንግስቲ ንዅሎም ኣህዛብ ክስበኽ ከም ዘለዎ: ብንጹር ኣዚዙ ኢዩ። (ማር. 13:10) ኣብ ኣገልግሎትና ክንጽመድ ከሎና ነዚ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ የድልየና።
2 ምስ ሰባት ክንራኸብ ከሎና: ብዛዕባ ገለ ዘገድሶም ወይ ዝምልከቶም ነገር ብምልዓል ዝርርብ ክንጅምር ኢና እንፍትን። መብዛሕትኡ ግዜ ከም ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ገበን: ናይ መንእሰያት ግድላት: ናይ መነባብሮ ጭንቀት: ወይ ቅልውላው ኵነታት ዓለም ዝኣመሰሉ እቶም ሰባት ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎም ነገራት ኢና እንጠቅስ። ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ኣእምሮ ናብ ‘ሓልዮት ሓዳር’ ዘተኰረ ስለ ዝዀነ: ከም እንስገገሎምን እንርድኣሎምን ምስ እነርኢ: ብዙሕ ግዜ ሰባት ናይ ልቦም የውጽኡ ኢዮም። (ሉቃ. 21:34) እዚ ኸኣ ተስፋና ንኸነካፍል መገዲ ክኸፍተልና ይኽእል ኢዩ።
3 ይኹን እምበር: እንተ ዘይተጠንቂቕና ዝርርብና ናብ ኣሉታዊ ዝዀኑ ነገራት ብምስፋሕ ነቲ ናይ ምብጻሕና ዕላማ ማለት: ምስባኽ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ከም ዘይንፍጽም ክሳዕ እንኸውን ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ሽሕ’ኳ ነዚ ብዙሕ ጭንቂ ዘምጽእ ዘሎ ኵነታት ከም ዘቕልብሉ ንገብር እንተዀንና: ሸቶና ግን ናብታ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ግድላት ወድሰብ ዝዀነት መንግስቲ ከም ዘተኵሩ ንምግባር ኢዩ። ሰባት ክሰምዕዎ ኣዝዩ ዘድልዮም ዘደንቕ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ዘሎና። ስለዚ: ኣብ መጀመርታ ገለ መዳያት ናይዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ክንመያየጥ ንኽእል እኳ እንተዀንና: ብቕልጡፍ ናብቲ ቀንዲ መልእኽትና: “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ከነተኵር ይግብኣና። በዚ መገዲ እዚ ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽም ኢና።—2 ጢሞ. 3:1 NW፣ 4:5፣ ራእ. 14:6