ነቲ ብስራት ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ምቕራብ
1 ኵላትና ብእንገብሮ ዘበለ: ብፍላይ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ሓጐስን ኣሳልጦን ክንረክብ ንደሊ ኢና። ከምዚ ዝበለ ዕግበት ዘምጽኣልና እንታይ ኢዩ፧ እዚ ኣብቲ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ ክቡር ዝዀነ ዕዮ ትሑዛት ክንከውን ከሎና ኣወንታዊ ዝዀነ ኣእምሮኣዊ ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ኢዩ ዝጅምር። (ምሳ. 11:25) ነቲ ብስራት ከነቕርቦ ከሎና ዝህልወና ቀጥዒ: ነቲ እንብሎ ዘሎና ብሓቂ ከም እንኣምነሉ ከርኢ ይግባእ። ካብ ልቢ ንዛረብ እንተ ዄንና: ቅንዕናና ከምኡውን ብብሕትና ከም ዝኣመንናሉ ክንጸባረቕ ኢዩ። (ሉቃ. 6:45) ንኣቀራርባና ብምልምማድ: ምስቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ክንዛረብ ከሎና ዝያዳ ርእሰ-ተኣማንነት ይስማዓና። እዚ ኣብ መስከረም ነተን ናብራ ስድራቤትካ ሕጕስ ምግባር: ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ: ወይ ከኣ ህይወት—ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ ዝብላ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ከነበርክት ከሎና ፍሉይ ጥቕሚ ክህልዎ ኢዩ። ነቲ ብስራት ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ከተቕርብ ከሎኻ እዞም ዝስዕቡ ርእይቶታት ሓገዝቲ ኰይኖም ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።
2 ንመጽሓፍ “ፍጥረት” ከተበርክት ከሎኻ: ኣብ መጀመርታ ምብጻሕካ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ምስ ጐረባብትና ክንዘራረብ ከሎና: ኣብ ኣምላኽ እሙንቶ ዝገብሩ ገለ ሰባት ረኺብና። ካልኦት ግን ክኣምንዎ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይረኽብዎ። ንዓኻ ከመይ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጉዳይ ብኸመይ ሓሳብ ከም ዝህብ እሞ ኣስተብህል። [ሮሜ 1:20 ኣንብብ።] ብዛዕባ ‘ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን’ ነቶም ዝፈጠሮም ነገራት ብምዕዛብ መርትዖ ክንረክብ ንኽእል ኢና።” ነታ ኣብ መጽሓፍ ፍጥረት ገጽ 48 ዘላ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብባ: ነቲ ሕልኽላኻት ናይ ህያው ዋህዮ ኸኣ ኣድህበሉ። ወይ ድማ ሓንቲ ኦም ዘለዋ ናይ ዑደት ኣገባብ ብኸመይ ናይ ፈጣሪ ዕዮ ከም እተጕልሕ ንምርኣይ ኣብ ገጽ 147 ንቝጽሪ 18 ተጠቐም። ነታ መጽሓፍ ድማ ኣበርክታ።
3 ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ፈጣሪ ምዃኑ ኣዘራሪብካዮም ዝነበርካ ተመሊስካ ክትበጽሖም ከሎኻ: ከምዚ ክትብል ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ብቐዳማይ ክበጽሓካ ከሎኹ: ብዛዕባ እቲ ንህላወ ኣምላኽ መረጋገጺ ዝዀነ ዘገርም ፍጥረቱ ተዘራሪብና ነይርና። እቲ ነዚ ኣድማስ ዝፈጠረ ብዛዕባ መጻኢና ክግደስ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ንኽትኣምን ዘጸግም ኰይኑ ረኺብካዮ ዲኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጻኢ ግዜ ብፈጣሪ ድሮ እተወሰነ ምዃኑ ምስትብሃል ዘገድስ ኢዩ።” ኢሳይያስ 46:9, 10 ኣንብብ። ኣብቲ ናይቲ ውልቀ-ሰብ ተገዳስነት ብምምርኳስ: ነቲ ብኣምላኽ ተተስፍዩ ዘሎ ዘብህግ ኵነታት ንምጕላሕ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 19 ናይ መጽሓፍ ፍጥረት ዘሎ ስእልታትን መግለጺታትን ተጠቐም። ንምዕራፍ 20 ቍጽሪ 1 ኣንብባ: ከምኡውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዓድሞ። እንተድኣ ተሰማሚዑ: ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት ጀምረሉ።
4 ካልእ ኣቀራርባ ከምዚ ክኸውን ይኽእል:-
◼ “ሎሚ ኣብዚ ማሕበረሰብ ንዝርከቡ ሰባት ፍሉይ ኣገልግሎት ንህብ ኣሎና። ኣብ ከባቢና ዝውስኽ ዘሎ ገበንን ዓመጽን ንዅላትና የተሓሳስበና ኢዩ። ነዚ ሽግር እዚ ናይ ሓቂ መፍትሒ ዝህብ ከም ዘሎ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧” [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ መፍትሒ ኣለዎ።” ኣብ ገጽ 196 ናይ መጽሓፍ ፍጥረት ገንጺልካ: ኣብ ቍጽሪ 19 ዘላ ምሳሌ 2:21, 22 ኣንቢባካ ሓሳብ ሃበላ። ኣርእስቲ ናይ ምዕራፍ 16 ኣርእዮ: ነታ መጽሓፍ ከኣ ኣበርክተሉ።
5 ንመጽሓፍ “ናብራ ስድራቤትካ ” ክትጥቀም ከሎኻ: ከምዚ ዝኣመሰለ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነዘን ዘመናውያን ስድራቤታት ኣብቶም ቀዳሞት ወለዶታት ዘይፍለጡ ዝነበሩ ብድሆታት የጓንፍወን ከም ዘለዉ ትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብናትካ ኣረኣእያ: ስለምንታይ እዚ ይኸውን ኣሎ ምበልካ፧ [ነቲ ዝህቦ መልሲ ኣፍልጦ ሃበሉ። ከምኡውን ን2 ጢሞቴዎስ 3:1-3 ገንጺልካ ኣንብብ።] እዘን ‘ንወለዶም ዘይእዘዙ’ ከምኡውን ‘ባህርያዊ ምፍታው ዘይብሎም’ (NW ) ዝብላ ሓረጋት: ነዞም ኣብ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ብልክዕ ዝገልጻ ኢየን። ይኹን እምበር: እቲ ነዞም ሽግራት እዚኣቶም ከም ዝህልዉ እተነበየ ኣምላኽ ንስድራቤታት ዝያዳ ከቀራርብ ዝኽእል ዘተኣማምን መምርሒውን ሂቡ ኣሎ።” ነቲ ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ካብ “ሓተምቲ” ዝቐረበ ዓንቀጽ ኣንብብ።
6 ከም “መዓይይቲ ኣምላኽ” መጠን ነቲ ብስራት ከነቕርብ ከሎና ኣወንታውያን ክንከውን ምሉእ ምኽንያት ኣሎና። (1 ቈረ. 3:9) ነዚ ኣረኣእያ እዚ ምሓዝና ናይ የሆዋ ሃብታም በረኸት ከፍርየልና ኢዩ።