ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/94 ገጽ 4
  • ካልኦት ንፈጣሪና ከኽብርዎ ንሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካልኦት ንፈጣሪና ከኽብርዎ ንሓግዞም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ፈጣሪ ናይ ደቂ ሰብ እምነት ምህናጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ነቲ ብስራት ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ምቕራብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 6/94 ገጽ 4

ካልኦት ንፈጣሪና ከኽብርዎ ንሓግዞም

 1 ከምቲ እቲ ዘማሪ “ዎ እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ” ዝበሎ ከምኡዶ ይስምዓና ኢዩ? (መዝ. 36:​5, 9) ከመይ ኢልና ኢና ንሕናውን ብግዴና ንኻልኦት ንየሆዋ ከም ፈጣሪና ገይሮም ከማስውዎን ክብሪ ክህብዎን ክንሕግዞም እንኽእል? ኣብ ወርሒ ሰነ ነታ ህይወት ከመይ ኢላ ኢያ መጺኣ? ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት እትብል መጽሓፍ ብምዕዳል ኢና እንሕግዞም። ብሓቂ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንህላዌ ኣምላኽ ሓያል መርትዖ ብምሃብን ፍልቀት ስለምንታይ ሓቂ ክኸውን ከም ዘይክእል ኣነጺራ እተርኢ ብምዃናን ዝበለጸት ኢያ። ብተወሳኺ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይርካ እምነት ከተሕድር ተዕብየልካ። ብርግጽ ንሕና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍልቀት ዘይኮነስ ፍጥረት ከመይ ኢሉ ንኣምላኽ ክብሪ ከም ዘምጽኣሉ ክፈልጥ ኢና እንደሊ።

 2 ኣብዚ ቀሊልን ቀጥታውን ኣቀራርባ ኣሎ:-

ነቲ በዓል ቤት ሰላምታ ምስ ኣቐረብናሉ: ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ ገንጺልና ከምዚ ኢልና ንሕተቶ :-

◼ “ህይወት ኣብዛ ምድሪ ከመይ ኢላ ጀሚራ? ገለ ሰባት ኩሉ ብኣጋጣሚ ኢዩ ኮይኑ ይብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኵሉ ብኣምላኽ ከም ዝመጸ ኢዩ ዝዛረብ። ንስኻኸ እንታይ ትብል? [ክምልስ ኣፍቅደሉ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ መጽሓፍ ቅዱስን ስነ–ፍልጠታዊ ሓቅን ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ መልስታት ትህብ። ኣነ መታን እቲ መርትዖታት ርኢኻ ናትካ ውሳኔ ክትገብር እዛ መጽሓፍ ክትህልወካ ምፈቶኹ።”

 3 ምስ ተፋለጥካ ከምዚ ክትብል ትኽእል :-

◼ “ኣብዚ ዘመናዊ ሳይንሳዊ ዓለም ኣብ ፍጥረት ክትኣምንስ ተቐባልነት ኣለዎዶ? ወይስ ብኣጋጣሚ ኢና መጺእና ኢልካ ኢኻ እትሓስብ? [ክምልስ ኣፍቅደሉ።] ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ ዝህቦ መልሲ ተመልከት። [እብራውያን 3:​4 ኣንብብ።] ነፍሲ ወከፍ ህንጻ ሃናጺ ከም ዘለዎ ኣይትሰማማዓሉንዶ? ስለዚ እዚ ኣድማስ እዚ: ባዕሉ ናብ ህላዌ ክበጽሕዶ ይኽእል? ኣብታ ፍጥረት እትብል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 114 ዘሎ ምሳሌ ኣርኢኻ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 2 ናይ ገጽ 115 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ምግላጽ ኣድህብ። እቲ በዓል ቤት ተገዳስነት ኣርእዩ ነታ መጽሓፍ እንተድኣ ወሲዱዋ ኣብ ዝመጽእ ምስ ተመለስካ ናይ ሰብን ምድርን መጻኢ እንታይ ኢዩ? ዝብል ሕቶ ክትዘራረበሉ ምዃንካ ንገሮ።

 4 ወይ ከኣ ነቲ በዓል ቤት ሰላም ምስ በልካ ከምዚ ክትብል ትኽእል:-

◼ “ቀዳሞት ወለድና እንታይ ይመስሉ ነይሮም ኢልካ ትሓስብ? [ክምልሽ ኣፍቅደሉ።] ነዚ ህበይ–መሰል ሰብዶ ይመስሉ ነይሮም? [ኣብታ ፍጥረት እትብል ኣብ ገጽ 83 ገንጽል።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:​26 እንታይ ከም ዝብል ርኤ [ኣንብብ።] ስለዚ እዚ ስእሊ ናይ ሰብ–መሰል ህበይ ድኣ ኣበይ ዝተመስረት ኢዩ?” ነቲ ኣብ ገጽ 89 ዘሎ ናይቲ ስእሊ መግለጫ ከም ዘቕልበሉ ግበር። እቲ በዓል ቤት ነታ መጽሓፍ ብምንባብን በቲ መልሲ ናይቲ ሕቶን ክጥቀም ይኽእል ኢዩ።

 5 ካልእ ኣቀራርባ ድማ ነቲ ገበር ናይታ “ፍጥረት” እትብል መጽሓፍ እናኣመልከትካ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ :-

◼ “ሎሚ ንጐረባብትና ሰብ ተማሓይሹ ድዩ መጺኡ ወይስ ተፈጢሩ? እናበልና ንሓቶም ኣሎና። ንስኻኸ እንታይ ትብል? [መልሲ ተጸበ።] ምንምኳ ብዙሓት ዝልዓለ ደረጃ ዝተማህሩ ሰባት ንፍልቀት ከም ሓቂ እንተ ተቐበልዎ ካልኦት ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎምውን ኣይኣምኑዎን ኢዮም። ብሓደ ናይ ቀደም ተመራማሪ ስነ ህዋ ዝተበጽሔ መደምደምታ ተመልከት። [ነቲ ኣብ ገጽ 122–123 ዘሎ ነጥብታት ኣጉልሓዮ።] ፍልቀትዶ ወይስ ፍጥረት–ኣየናይ ክንኣምን ከም ዘሎና መታን ክንርዳእ ብብሕትና ነቲ መረጋገጺታት ክንምርምሮ ኣሎና።”

 6 ካልኦት ነቲ ዘገርም ሓቂ ብዛዕባ ፈጣሪናን እቲ ንፍጥረቱ ዘለዎ ፈቃር ዕላማን ክመሃሩ ክትሕግዝ ትብህግዶ? መጽሓፍ ፍጥረት ነዚ ክትገብር ክትሕግዘካ ትኽእል ኢያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ነቲ ልዑል ጐይታ ዝኾነ የሆዋ ንግብሩ ብምውዳስን ነቲ ብናይ ክርስቶስ መንግስቲ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ክባርኽን ስሙ ክቕድስን ዘለዎ ዕላማ ከም ዝፍለጥ ብምግባር ነዚ ዓቢ ፈጣሪና ተኽብሮ ኢያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ