ኣብ ፈጣሪ ናይ ደቂ ሰብ እምነት ምህናጽ
1 መብዛሕትኡ ሰብ ብዛዕባ መበቆል ናይ ህይወት ኣብ ገለ መደምደምታ በጺሑ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣዝዮም ብዙሓት መልሱ ብፍልቀት (ኤቮልሽን) ኢዩ ኢሎም ንኽቕበሉዎ ብጌጋ ጽልዋ ተገይሩሎም ኢዮም። እታ ፍጥረት እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ናይቲ ጉዳይ ኣዕሚቋ ብምርኣይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝድግፍ ዓብላሊ ዝኾነ መረጋገጺ ትህብ። ነቶም ክሰምዑ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘርኣዩና ቅኑዓት ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ምኸኣልና? ተመላሊስካ ብምብጻሕ። ክንምለስ ከሎና ኣብቲ ፈጣሪና ዝኾነ የሆዋ እምነት ክሃንጽ ዝኽእል ጭቡጥ ዝኾነ ነገር ኣብ ኣእምሮና ክህልወና ሰናይ ኢዩ።
2 እቲ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኣምን እንተድኣ ገሊጹልና: ዝርርብ መታን ክንጅምር እዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል :-
◼ “ኢሳይያስ 45:18 ብዛዕባ መበቆል ናይ ኣድማስ ኣመልኪቱ ሓያል ሓሳብ ይህብ ኢዩ። ብዛዕባዚ እንታይ ከም እትብል ክፈልጥ ምፈቶኹ። [ኣንብቦ ሓሳብ ክህብ ከኣ ኣፍቅድሉ።] የሆዋ ባዕሉ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ምዃኑ ነጊሩ ኣሎ። ብዛዕባ ህይወት ኣብዛ ምድሪኸ? ኢሳይያስ 42:5 ንህይወትውን ንሱ ከም ዝፈጠራ ኢዩ ዝዛረብ [ኣንብቦ።] እንተድኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ሓቂ ኮይኑ ፍልቀት ሓሶት ከኸውን ኣለዎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ከም እትኽእል ይስማዓካዶ? ኣብ ምዕራፍ 17 ናይታ ፍጥረት እትብል መጽሓፍ ኣውጺእካ ንየሆዋ ከም ፈጣሪና ገይርና ክንኣምነሉ እንኽእል ተወሳኺ ምኽንያት ጥቐስ።
3 ዝርርብካ ከምዚ ኢልካ ክትጅምሮ ትኽእል :-
◼ “ኣብቲ ዝሓለፈ ምብጽሔይ መጻኢ ናይ ሰብን ምድርን እንታይ ኢዩ? ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ነይሩ: እታ ምሳኻ ዝሓደግኩዋ መጽሓፍ ነቲ ሕቶ ብኸመይ ከም እትምልሾ እሞ ተመልከት።” ካብታ ፍጥረት እትብል መጽሓፍ ገጽ 234–35 ኣውጺእካ ቍጽሪ 6ን 7ን ከንብበን ኣተባብዓዮ። እንተድኣ ተወሳኺ ምግዳስ ተራእዩ ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል:- “ኣብ ምድሪ እንታይ ዘደንቕ ለውጢ ክርኤ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ?” እንተድኣ ዝጥዕም ኮይኑ እዛ ነጥቢ እዚኣ ሽዑ ወይ ከኣ ኣብ ቀጻሊ ምብጻሕ ምስተን ተሪፈን ዘለዋ ዓንቀጻት ናይታ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ፍጥረት ገይርካ ክትዛራረበለን ይከኣል ኢዩ።
4 እቲ በዓል ቤት ሃይማኖታዊ ዝምባለ ዘለዎ እንተድኣ ኮይኑ: ከምዚ ኢልካ ክትሓቶ ትኽእል :-
◼ “ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነዚ ግኡዝ ዝኾነ ‘ተፈጥሮ’ ክብሪ ክህቡዎ ተዓዚብካዶ? [ርእይቶኡ ክህብ ኣፍቅደሉ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባቲ ናይ ሓቂ ፈጣሪ ብዘይ ሓበሬታ ኣይገድፈናን ኢዩ።” ራእይ 4:11 ኣንብብ። እቲ ጥቕሲ ምስ ተነበ እቲ በዓል ቤት ሓሳቡ ክገልጽ ይኽእል ኢዩ። ድሕሪኡ ንስኻ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 11 ናይታ ፍጥረት እትብል መጽሓፍ ዘሎ ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ቆላሕታ ብምግባር ነቲ ፈጣሪ ብናይ ክርስቶስ መንግስቲ ኣቢሉ ምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥ ዘሎዋ ዕላማ ኣትኵረሉ።
5 ነቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኻልእ መገዲ ከምዚ ብምባል ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ :-
◼ “ወዲ ሰብ ብምኽንያት እከይን ክፍኣትን ብዙሕ ስቓይን ጓህን ኣሕሊፉ ኢዩ። የሆዋ እቲ ፈጣሪ ናይ ምድሪ ነዚ መወዳእታ ክግበረሉ ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ። [ገጽ 196 ገንጺልካ: ምሳሌ 2:21, 22 ኣንብብ።] እቶም ፈጣሪኦም ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቦም ፍቓዱ ዝገብሩ ዘደንቕ በረኸታት ይጽበዮም ኣሎ።” ዝጥዕም እንተድ ኮይኑ: በቲ ኣብ ገጽ 197–198 ዘሎ ጥቕሲ ናይ ራእይ 21:4, 5 ዝርርብ ቀጽል።
6 ተመኵሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዝኸውን መደብ ናይ ግዜ ምግባር ዝበለጸ ምዃኑ ፈሊጦሞ ኣለዉ። ነዚ ዕዮ እዚ ዝኸውን ፍሉጥ መደብ ምስ ዝህልወና ንተገዳስነት ብቕልጡፍ ክንከታትሎ ሓጋዚ ኢዩ። ንዓኻን ነቲ ዞባን ዝጥዕም ግዜ መድብ። ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ስርዓታዊ ኮይንካ ብምካፋል ነቲ “ደቀ መዛሙርቲ” ናይ ምግባር ተልእኾ ተማልእ ስለ ዘሎኻ ክትሕጐስ ኢኻ። — ማቴ. 28:19, 20