ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ተገዳስነት ምኹስኳስ
1 እቲ ኣገልግሎት ምስ ሕርሻ : ተመላሊስካ ምብጻሕ ድማ ምስ ምኹስኳስን ማይ ምስታይን ክመሳሰል ብሓቂ ዝሰማማዕ ኢዩ ። (ማቴ. 13 : 23 ፣ ሉቃ. 10 : 2 ፣ 2 ቈረ. 9 : 10) ከም “መዓይይቲ ኣምላኽ” ነቲ ሓድሽ ዝቦቖለ ዘርኢ ናብ ብስለት ክዓብን ክፈርን ክንሕግዞ ሓላፍነት ኣሎና ። (1 ቈረ. 3 : 6, 9) ነዚ ክንገብር እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ኢዩ ?
2 ናብቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብሩ ቅልጡፋት ኩኑ ። ነቲ ናይ ቤተ ቤት መዝገብኩም ርኣይዎ : ንመን ከም እትበጽሑን እንታይ ከም እትዘራረቡን ድማ ወስኑ ። ብሓፈሻኡ እቲ ናይ ዝርርብኩም ኣርእስቲ በቲ ኣብቲ ቀዳማይ ምብጻሕኩም ዝገበርክምዎ ዝርርብ ኢዩ ዝውሰን ። ካልእ ክውሰኹ ዝኽእሉ ጥቕሳዊ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኹም ብምሓዝ ተዓጻጸፍቲ ኩኑ ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቢ ክበጽሕ ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ግዜ ክትጥቀሙሉ ጽቡቕ ኢዩ ። — እብ. 4 : 12
3 ነታ “ኣምላኽ ብሓቂዶ ብዛዕባና ይግደስ ኢዩ ?” እትብል ብሮሹር ገዲፍኩምሎም እንተኔርኩም ነዚ ብዝመስል ጌርኩም ዘረባኹም ክትጅምሩ ትኽእሉ :-
◼ “ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ኣምላኽ ንምድሪ ከጥፍኣ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ : ካልኦት ድማ ሰብ ባዕሉ ከጥፍኣ ኢዩ ዝብል ፍርሒ ኣለዎም ። ንስኹምከ እንታይ ትብሉ ? [መልሲ ተጸበዩ] መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንምድሪ ኣብ ክንዲ ዘጥፍኣስ ካብቶም ዘይቅኑዓት ኣጽርዩ ቦታ ሰላምን ደሓንን ክገብራ ምዃኑ ይነግረና ።” ኣተኩሮኹም ብቐጥታ ናብ ገጽ 22 ብምግባር ነታ ኣብኡ ተጠቒሳ ዘላ ጥቕሲ ናይ ምሳሌ 2 : 21, 22 ኣንብቡሎም ። ተገዳስነት እንተሃልዩ ብዛዕባ መደብ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብርሁሎም ወይ ካብ መጽሔታት ሓደሽቲ ሕታማት ኣበርክቱሎም ። ተመሊስኩም ድማ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ክትዘራረቡ ቆጸራ ውሰዱ ።
4 ነታ “እንሆ” እትብል ብሮሹር ዓዲልኩም እንተኾይንኩም ከምዚ ክትብሉ ትኸእሉ :-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ምብጽሐይ ንምድሪ ከምዚ ኣብዚ ገበር ናይዛ ዝገደፍኩልኩም ብሮሹር ብዝመስል መገዲ ገይሩ ገነት ከም ዝገብራ ዝገልጽ ተስፋ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና ነይርና ። ዝያዳ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽን ብኸመይ ከም ዝትንክፈናን ብምምሃር ነዚ በረኸት እዚ ክንሕጐሰሉ ንኽእል ኢና ።” ንዮሃንስ 17 : 3 ኣንብቡ : ድሕሪኡ ናብ ቍጽሪ 52ን 53ን ናይ ገጽ 27 ኪዱ ። ብሕጽር ዝበለ መገዲ ርጡብ ፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽ ምህላው ስለምንታይ ኣድላዪ ከም ዝኾነ ተዘራረቡ ።
5 ንሓደ ሃይማኖታዊ ዝንባሌ ዘለዎ ሰብ ነታ “ዕላማ ህይወት” እትብል ብሮሹር ኣበርኪትኩምሉ ትከታተልዎ እንተደኣ ኣሊኹም ከምዚ ክትብሉ ቅኑዕ ኮይኑ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም :-
◼ “ነታ ናይ ጐይታ ጸሎት ብዙሕ ግዜ ደጋጊምካ ከም ዝጸለኻያ ዘጠራጥር ኣይኮነን ። መንግስቲ ኣምላኸ ክትመጸእ ክትጽሊ ከሎኻስ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ ሓሳብ ይመጸካ ?” ናይቲ በዓል ቤት መልሲ ድሕሪ ምስማዕ ናብ ቍጽሪ 8ን 9ን ናይ ገጽ 26 ኣመልክቱ : ብድሕሪኡ ዳንኤል 2 : 44 ኣንብቡ ። ምናልባት ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ማለት እከይን ስቓይን ክውዳእ ማለት ምዃኑ ብምብራህ ንዝርርብኩም ክትቅጽልዎ ትኽእሉ ኢኹም ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጻድቃን እንተኴንና ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ገነት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከም እነስተማቕር ጥቐስዎ ኢኹም ።
6 ጽሑፍ ይተዓደል ኣይተዓደል ብዘየገድስ ንዝኾነ ይኹን ክሰምዕ ዝደሊ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሉ ከም ዝከኣል ዘክሩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሉ ገለ ግዜ መድብ ። ነቲ ዝረኸብኩምዎ ተገዳስነት ክትኩስኩሱ ኢልኩም እትገብርዎ ትግሃት ዘለዎ ጻዕርኹም የሆዋ ክባርኾ ኢዩ ። ንኽብሪ የሆዋ ፍረ ዝፈሪ ይግበሮ ። — ዮሃ. 15 : 8