ንዅሎም እቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ናይ ሓቂ ሓልዮት ኣርኢ
1 እቲ ዓለምለኻዊ ኣዋጅ ናይ መንግስቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ መደምደምትኡ ክበጽሕ ኢዩ: ድሕሪኡ ድማ ኵሎም እቶም ‘ንኣምላኽ ዘይፈለጥዎ’ ክጠፍኡ ኢዮም። (2 ተሰ. 1:7-9) በዚ ምኽንያት እዚ: ንህይወት ካልኦት ናይ ሓቂ ሓልዮት ዘለዎም ንህዝቢ የሆዋ ብእተኻእለ መጠን እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ናብ ብዙሓት ሰባት ንኸብጽሑ ይደፋፍኦም ኣሎ።—ጸፎ. 2:3
2 ነቶም ‘ሰናይ ብስራት’ ክሰምዑ ዝደልዩ ሰባት ንምድላይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብሚልዮናት ዝቝጸር ሰዓታት ይሓልፍ ኣሎ። (ኢሳ. 52:7) ኣብዚ እዋን እዚ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ክትብርከት ከላ: ብዙሓት ሰባት ከም ዝቕበልዋ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ዘሎና ናይ ሓቂ ሓልዮት: ነቲ እተራእየ ተገዳስነት ክንከታተሎ ክደፋፍኣና ኣለዎ።—ምሳ. 3:27
3 ቅኑዕ ሓበሬታ ዝሓዘ መዝገብ ይሃሉኻ:- ብዛዕባ እቲ ግዱስ ሰብን እተበርከተ ጽሑፍን ምሉእን ቅኑዕን ሓበሬታ ዝሓዘ መዝገብ እንተድኣ ኣልዩካ: ብዙሕ ነገር ክዕመም ኢዩ። ከም ስም ናይቲ በዓል ቤት: እተዘራረብኩምሉ መዓልትን ሰዓትን: እተበርከተ ጽሑፍ እንታይ ምዃኑ: ከምኡውን እተዛራረብኩምሉ ጉዳይ ዝኣመሰለ ሓበሬታ: ተመሊስካ ክትመጽእ ከሎኻ ዝያዳ ኣሳልጦ ንኽትረክብ ክሕግዘካ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዝርርብኩም ነቲ እቲ በዓል ቤት ዝሃቦ ገለ ርእይቶታት ጽሒፍካዮ እንተድኣ ነይርካ: ኣብ እዋን ተመላሊስካ ምብጻሕ ነቲ ምይይጥ እንደገና ክትቅጽሎ ከሎኻ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክትጠቕሶ ትኽእል ኢኻ።
4 ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ቅልጡፍ ኩን:- ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካባኻ ጽሑፍ ዝወሰዱ ሰባት ንኽንደይ ዝኣኽሉ እንደገና ክትበጽሖም ፈቲንካ፧ ብዘይ ገለ ተወሳኺ ርክብ ሰሙናት ሓሊፉ ድዩ፧ ንዘለኣለማዊ ድሕንነቶም ዘሎካ ሓልዮት ብእተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር እዋን ንኽትምለሶም ከለዓዕለካ ኣለዎ: እዚ ገና እቲ ዝርርብ ካብ ኣእምሮኦም ከይሃሰሰ ኸሎ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት እንተዀነ ዝበለጸ ኢዩ። ተገዳስነቶም ዝያዳ ንምዕባይ ቀልጢፍካ ብምምላስ: ሰይጣን ‘መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርአ ከይወሰዶ’ ከሎ ንጻዕርታቱ ኣቐዲምካ ክትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ።—ማር. 4:15
5 ምድላው ኣድላዪ ኢዩ:- ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር እትረኽቦ ኣሳልጦ: ምስቲ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ገይርካ እትዳሎ ምዃንካ ብቐጥታ ዝዛመድ ኢዩ። ቅድሚ ምኻድካ መእተዊ ኣዳሉ። ናይ ሚያዝያ 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዳሕረዋይ ገጽ: መጽሔታት ወይ እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ከነበርክት ከሎና ጽቡቕ ውጽኢት ብዘለዎ መገዲ ክንጥቀመሎም እንኽእል ሓያለይ ኣቀራርባታት ሒዛ ኣላ። እቲ ቐጺሉ ዘሎ ነገር ምስ ተመለስካ ገለ ከተካፍሎም ዘሎካ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ ኢዩ። ንእተራእየ ተገዳስነት ክትከታተል ከሎኻ እንታይ ክትብል ይከኣል፧ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትጅምር ትኽእል፧
6 ዘጨንቕ ዜና ናይ ሓደ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ [ነቲ ፍጻመ ጥቐሶ] ዝሰማዕካ ይመስለኒ። ንምዃኑ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ይኹን ወይ ኣብ ገዛእ ርእስና እውን ከይተረፈ ዘጋጥም ምጕዳል ፍትሒ ከምኡውን ስቓይ ይግደስ ድዩ ኢልካ ሓቲትካ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ከም ዘፍቅረናን ኣብ እዋን ጭንቂ ድማ ክሕግዘና ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና ኢዩ።” ገለ ክፋላት ናይ መዝሙር 72:12-17 ኣንብብ። ኣብ ገጽ 99 ናይ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገንጽል እሞ: ነቲ ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደ፧ ዝብል ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝሓትዎ ሕቶ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ከም እትምልሶ ግለጽ። “መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ እዚ ዝህቦ መልሲ ኣዝዩ ዘጸናንዕ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ባዕልኻ ምእንቲ ከተንብብ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክሓድገልካ ደስ ምበለኒ።”
7 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንስቓይ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ዝገበርኩምዎ ምይይጥ ክትቅጽሎ እንተድኣ ተመሊስካ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ዝሓለፈ ግዜ መጺአ ነይረ: ብዛዕባ [እተዘራረብኩምሉ ፍጻመ] ተዛራሪብና ነይርና። ኣምላኽ ኣብዛ ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ስቓይ ክህሉ ስለምንታይ ፈቒዱ ዝብል ሕቶ ኸኣ ተላዒሉ ነይሩ። ኣብ እንታይ መደምደምታ በጺሕካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘጨንቕ ኵነታት: ኣምላኽ ብሓላፍነት ከም ዘይሕተተሉ ምፍላጥ ዘጸናንዕ ኢዩ።” ኣብ ገጽ 99ን 100ን ናይ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገንጽል እሞ: ንገለ ካብቲ ኣብተን ዓንቀጻት እቲኣተን ዘሎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ተመያየጥሉ። ኣምላኽ ስቓይ ንኽህሉ ዘፍቀዶ ግዜ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ክውዳእ ከም ዝዀነ ርግጸኛታት እንዀነሉ ምኽንያት ንኽትገልጸሉ እንደገና ክትምለስ ምዃንካ ንገሮ።
8 ወላዲ እንተድኣ ረኺብካ: ኣብ ስድራቤት ከተተኵር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ንኽህልወና ኣብ እንገብሮ ፈተነ ብዙሕ ግድላት ከም ዘጋጥሙ መብዛሕትኦም ወለዲ ዝሰማምዕሉ ኢዩ። ከቢድ ዕንቅፋት ኢዩ እትብሎ እንታይ ኣሎ፧ [መልሲ ተጸበ።] መብዛሕትና ዝከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና: ነቲ ዝሓሸ ውጽኢት ንኽንረክብ ዘኽእለና ሓገዝ ድማ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለጸ ምኽሪ ይህብ። [ገለ ክፋላት ናይ ቈሎሴ 3:12, 18-21 ኣንብብ።] ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ምዕራፍ 29 ‘ንናብራ ስድራቤት ዕዉት ምግባር’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተዘርዚሩ ኸም ዘሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ዝብሎ ኣለዎ። ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝለዓል ውጥረት ብኸመይ ከም ዝሃድእን ንደቅና ዘጋጥምዎም ግድላት ከመይ ገይርና ብዓወት ከም እንዋጽኣሎምን ብምግላጽ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዋህበ ምኽሪ ኢያ ተቕርቦ። ነዚኣ ብምንባብ ከም እትሕጐስ ርግጸኛ ኢየ።”
9 ንሓጐስ ስድራቤት ዝምልከት ዝገበርኩምዎ ምይይጥ ክትቅጽሎ ምስ ተመለስካ: ነዚ ዝስዕብ ብምባል ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “መጀመርታ ምስ ተራኸብና: ብዛዕባ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት ሓሳባት ኣካፊለካ ነይረ: እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኢዩ። ንድሌታት ናይዚ ዘመናዊ ስድራቤት ምምላእ ዝምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዘሕለፈ ድዩ ወይስ እዋናዊ: እንታይ ኢኻ ትኣምን፧” መልሲ ተጸበ። መጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮ። ኣብ ገጽ 2 ገንጺልካ: ኣብ ቍጽሪ 13 ዘላ ጥቕሲ ኣንብበሉ። ነቲ ኣብ ቍጽሪ 3 ዘሎ ነጥብታት ተጠቒምካ: ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ሕተቶ።
10 ካልእ ሕጽር ዝበለ እንተድኣ ደሊኻ: ነዛ እትስዕብ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ስለምንታይ ከም እንኣርግን እንመውትን ኣተሓሳሲቡካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ምዕራፍ 7 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ገጽ 74 ጠንቂ ናይ ሞትን ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዘልግሶን ይገልጽ። ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ተመባጺዕሎም ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። [ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] ብዛዕባ እዚ ከተንብብ እንተድኣ ደሊኻ: እዛ መጽሓፍ ዝያዳ መብርሂ እትህብ ኰይና ክትረኽባ ኢኻ።”
11 ቅኑዕ ሓበሬታ ዘለዎ መዝገብ ብምሓዝ: ኣድላዪ ምድላው ብምግባር: ከምኡውን ተገዳስነቶም ንምዕባይ ቀልጢፍና ብምምላስ ነታ ናብ መገዲ ድሕነት እትስሕቦም ንብጻይካ እትግለጽ ዓይነት ፍቕሪ ከነርኢ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 22:39፣ ገላ. 6:10