መጽናዕቲ 34
ሃናጽን ኣወንታውን
እቲ ኽንሰብኮ እተመዘዝናሉ መልእኽቲ: ብስራት እዩ። የሱስ “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል [ብስራት] ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” በለ። (ማር. 13:10) የሱስ ንባዕሉ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ብምስባኽ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ። (ሉቃ. 4:43) እቲ ሃዋርያት ዝሰበኽዎ እውን: “ወንጌል ኣምላኽ” ከምኡውን “ወንጌል ክርስቶስ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ተሰ. 2:2፣ 2 ቈረ. 2:12) ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ሃናጽን ኣወንታውን እዩ።
ንሕና ምስቲ ‘ኣብ ማእከል ሰማይ ዚዝምቢ መልኣኽ’ ዚሰብኮ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ብምስምማዕ: “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ኢልና ንሰባት ንምሕጸኖም ኢና። (ራእ. 14:6, 7) ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ: ስሙ: እቲ ዜደንቕ ባህርያቱ: መስተንክር ግብሩ: ፍቕራዊ ዕላማኡ: እቲ ንሕና ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ተሓታትነት: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንሱ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓት ንነግሮም ኢና። እቲ ብስራት ከኣ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ ዜሕስርዎን ንህይወት ሰባት ዜበላሽዉን እኩያት ከም ዜጥፍኦም ዜጠቓልል እዩ። ኰይኑ ግን: ነቶም እንሰብከሎም ውልቀ-ሰባት ምፍራድ ቦታና ኣይኰነን። ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ነቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕበሉን እዚ ድማ ብሓቂ ንዓታቶም ብስራት ኪዀነሎምን ልባዊ ትምኒትና እዩ።—ምሳ. 2:20-22፣ ዮሃ. 5:22
ንኣሉታዊ ነገራት ደረት ግበረሉ። ልክዕ እዩ: ኣብ ህይወት ኣሉታዊ ነገራት እውን ኣሎ። ነዚ ዓይንና ኣይንዕምትን ኢና። ዝርርብ ንምጅማር ነቲ ኣብ ክልኻ ንዘለዉ ሰባት ዜተሓሳስቦም ሽግር ኣበጊስካ: ብዛዕባኡ ኣሕጽር ኣቢልካ ትመያየጠሉ ትኸውን። ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ምዝራብ ግን ዚረብሕ ጥቕሚ የብሉን። ሰባት ወትሩ ዜጨንቕ ዜና ይሰምዑ እዮም፣ ስለዚ: ብዛዕባ ባህ ዘየብል ነገራት ምዝርራቦም ማዕጾኦም ወይ ኣእዛኖም ከም ዚዓጽዉ እዩ ዚገብሮም። ዝርርብ ምስ ኣጀመርካ ነዊሕ ከይጸናሕካ: ናብቲ መንፈስ ዜሐድስ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ከም ዜተኵሩ ንምግባር ጽዓር። (ራእ. 22:17) ድሕሪኡ: ዋላ እኳ እቲ ሰብ ነቲ ዝርርብ ኪቕጽሎ እንተ ዘይደለየ: ኪሓስበሉ ዚኽእል ሃናጺ ነገር ገዲፍካሉ ኢኻ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንኺሰምዕ ብዝያዳ ፍቓደኛ ኸም ዚኸውን ኪገብሮ ይኽእል እዩ።
ብተመሳሳሊ: መደረ ኸተቕርብ እንተ ተዓዲምካ: ብዙሕ ኣሉታዊ ሓበሬታ ስለ ዝረኸብካ ጥራይ ነቶም ሰማዕቲ ኣይትደርጕሓሎም። ሓደ ተዛራባይ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ፍሽለት ሰብኣውያን ገዛእቲ: ኣብ ጸብጻባት ገበንን ዓመጻን: ከምኡውን ኣስፋሕፊሑ ኣብ ዘሎ ኣጸያፊ ርኽሰት እንተ ኣተኲሩ: ነቶም ሰማዕቱ የሕዝኖም እዩ። ጠቓሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ነቲ ኣሉታዊ መዳያት ጥቐስ። እተወሰነ ኣሉታዊ ነገራት ጥራይ ምጥቃስካ: ንመደረኻ እዋናዊ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። ነቲ ጠንቂ ዝዀነ ዓበይቲ ረቛሒታት ስለ ዚሕብር: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መፍትሒ ስለምንታይ ግብራዊ ኸም ዝዀነ የርኢ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ብዛዕባ ሽግራት ከየብዛሕካ ዝርዝር ነገር ጥራይ ጥቐስ።
መብዛሕትኡ ግዜ ንዅሉ ኣሉታዊ ነገራት ካብ መደረኻ ኸተውጽኦ ኣይከኣልን እዩ፣ ግቡእ እውን ኣይኰነን። እቲ በዳሂ ዚኸውን እምበኣር: ነቲ ጽቡቕን ሕማቕን ሓዋዊስካ እተቕርበሉ መገዲ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ኣወንታዊ ጽልዋ ኸም ዚህልዎ ምግባር እዩ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ: እንታይ ከተእቱ: እንታይ ከተውጽእ: ከምኡውን ኣበየናይ ከተጕልሕ ከም ዘሎካ ኽትውስን ኣሎካ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ንሰማዕቱ ኸምቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ከየተኵሩ መዓዶም: ነዚ ብመብርሂ ንኼረድኦም ድማ ሒደት ኣብነታት ጠቐሰ። (ማቴ. 6:1, 2, 5, 16) ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ኣሉታዊ ኣብነታት እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብዙሕ ኣብ ክንዲ ዚዛረብ: ነቲ ናይ ሓቂ መገድታት ኣምላኽ ምርዳእን ብእኡ ምንባርን ኣጕልሐ። (ማቴ. 6:3, 4, 6-15, 17-34) እዚ ድማ ብሓፈሻ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕደረ።
ሓፈሻዊ መንፈስ ኣዘራርባኻ ኣወንታዊ ግበሮ። ብዛዕባ ገለ መዳይ ክርስትያናዊ ንጥፈት ኣብ ጉባኤኻ መደረ ኸተቕርብ እንተ ተመዲብካ: ነቓፊ ኣብ ክንዲ እትኸውን: ሃናጺ ኽትከውን ጽዓር። ንኻልኦት ኪገብርዎ እተተባብዖም ነገራት ትገብር ከም ዘለኻ ኣረጋግጽ። (ሮሜ 2:21, 22፣ እብ. 13:7) እትብሎ ነገር: ብፍቕሪ ደኣ እምበር: ብሕርቃን እተደረኸ ኣይኹን። (2 ቈረ. 2:4) ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ንየሆዋ ኼሐጕሱ ኸም ዚደልዩ ምትእምማን እንተ ኣሎካ: እቲ እትብሎ ነገር ነቲ ምትእምማንካ ኼንጸባርቕ እዩ: እዚ ኸኣ ጠቓሚ ጽልዋ ኺህልዎ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ብኸመይ ከም ዝገለጸ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4:1-12፣ 2 ተሰሎንቄ 3:4, 5፣ ፊልሞን 4, 8-14, 21 ኣስተብህል።
ሓድሓደ ግዜ ሽማግለታት ብዛዕባ ዘይጥበባዊ ኣካይዳ ኼጠንቅቑ የድልዮም እዩ። ኰይኑ ግን: ንኣሕዋቶም ብህዱእ መንፈስ ንኺሕዝዎም ትሕትና ትሕግዞም እያ። (ገላትያ 6:1) እቲ ኣገባብ ኣዘራርባ: እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብኣኽብሮት ከም ዚረኣዩ ኺሕብሮም ይግባእ። (1 ጴጥ. 5:2, 3) መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ንመንእሰያት ነዚ ነገር እዚ ኺፈልጡ ይመኽሮም እዩ። (1 ጢሞ. 4:12፣ 5:1, 2፣ 1 ጴጥ. 5:5) ክትገንሕን ክትግስጽን ከተቕንዕን ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ ግዜ: እዚ ብመሰረት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ እዩ ኺግበር ዘለዎ። (2 ጢሞ. 3:16) ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ሓደ ተዛራባይ ብብሕቱ ኣጸቢቑ ዚኣምነሉ ሓሳባት ንኺድግፍ ተባሂሉ ኺጕምጸጽ ወይ ኪጥወ የብሉን። ንምእራም ምኽሪ ምሃብ ኣብ ዜድልየሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ: ኣብ ኣበሳ ንኸይንኣቱ ብኸመይ ከም እንጥንቀቕ: ሽግራት ብኸመይ ከም እንፈትሕ: ጸገማት ብኸመይ ከም እንሰግር: ካብ ግጉይ መገዲ ብኸመይ ከም እንምለስ: ከምኡውን የሆዋ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ብኸመይ ዕቝባ ኸም ዚዀነና ብቐዳምነት ነተኵረሉ እንተ ዄንና: መንፈስ ኣዘራርባና ኣወንታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መዝ. 119:1, 9-16
ንመደረኻ ኽትዳሎ ኸለኻ: ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥብን ነቲ መደረ ብሓፈሻን ብኸመይ ከም እትዛዝም ብፍላይ ሕሰበሉ። እቲ ኣብ መወዳእታ እትብሎ ነገር: መብዛሕትኡ ግዜ ንዝነውሐ እዋን ይዝከር እዩ። እሞኸ እዚ ኣወንታዊ ኪኸውን ድዩ፧
ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ክትዘራረብ ከለኻ። ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚቀራረቡሉ ኣጋጣሚታት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። እዚ ብመንፈሳዊ መዳይ እንሕደሰሉ እዋን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቦታታት ኣምልኾና ኽንእከብ ከለና “ንሓድሕድና ንበራታዕ” ዚብል ምሕጽንታ ይህበና እዩ። (እብ. 10:25 ትርጕም 1990) እዚ ዚግበር ድማ ኣኼባታት ኣብ ዚካየደሉ እዋን ብዚቐርብ መደረታትን ብዚወሃብ ሓሳባትን ጥራይ ዘይኰነስ: ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ምስ ሰባት ኣብ ዚግበር ዝርርባት እውን እዩ።
እንገብሮ ዝርርባት ኣብቲ ኣብ መዓልታዊ ዜተሓሳስበና ነገራት ኬተኵር ንቡር እኳ እንተ ዀነ: እቲ ዝዓበየ ምትብባዕ ዚርከብ ግን ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብምምይያጥ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ተመክሮታት ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ንሓድሕድና ተገዳስነት ምርኣይ እውን ሃናጺ እዩ።
እታ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ጽልዋ ኸይትገብረልና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: “ንሓሶት ንየው በልዎ: ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ: ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” በሎም። (ኤፌ. 4:25) ሓሶት ኣወጊድካ ሓቂ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ: ነቲ ዓለም እተምልኾም ነገራትን ሰባትን ዘይምውዳስ የጠቓልል። ብተመሳሳሊ: የሱስ ብዛዕባ “ምዕሻው ሃብቲ” ኣጠንቀቐ። (ማቴ. 13:22) ስለዚ: ንሓድሕድና ኽንዘራረብ ከለና: ንስጋዊ ጥሪት ከም ሰሓቢ ነገር ጌርና ብምዝራብ: ነቲ ምዕሻው ወይ ምትላል ከይነስፋሕፍሖ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።—1 ጢሞ. 6:9, 10
ሃዋርያ ጳውሎስ ሃናጺ ብዛዕባ ምዃን ምኽሪ ኺህብ ከሎ: ነቲ “ብእምነት ድኹም ዝዀነ:” ማለት ነቲ ክርስትያናዊ ናጽነቱ ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድኦ ሓው: ካብ እተወሰነ ነገራት ብምርሓቑ: ከይንፈርዶ ወይ ከይነነኣእሶ ተማሕጸነና። እወ: ዘረባና ንኻልኦት ኪሃንጾም እንተ ዀይኑ: ድሕረ-ባይታኦምን መንፈሳዊ ዕቤቶምን ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ‘ንሓውና ወይ ንሓብትና መዐንቀፊ ወይስ መሐንኰሊ ምግባርሲ’ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!—ሮሜ 14:1-4, 13, 19
እቶም ከቢድ ብሕታዊ ጸገማት ዘለዎም—ንኣብነት: እቶም ከቢድ ሕማም ዘለዎም—ሃናጺ ዝርርብ ባህ ይብሎም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ንኺእከብ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብር ይኸውን። እቶም ብዛዕባ እቲ ዅነታቱ ዚፈልጡ: “ይሕሸካዶ ኣሎ፧” ኢሎም ይሓትዎ ይዀኑ። ተገዳስነቶም ከም ዜማስወሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ጥዕናኡ ምዝራብ: ብዝያዳ ዜተባብዖ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ምስጋናን ናእዳን ንልቡ ብሓጐስ ንምምላእ ዝያዳ ይሕግዝ ይኸውን። ነታ ንየሆዋ ዘላቶ ዘይትሃስስ ፍቕርን ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ዘለዎ ጽንዓትን ዚንጸባረቐሉ መገዲ ርኢኻዶ፧ ሓሳባት ኪህብ ከሎ ተተባቢዕካዶ፧ ኣብቲ ድሩትነቱ ኣብ ክንዲ እተተኵር: ኣብቲ ብርታዐኡን ነታ ጉባኤ ዜበርክቶ ዘሎ ነገራትን ምትኳር ዝያዳ ሃናጺዶ ኣይምዀነን፧—1 ተሰ. 5:11
ዘረባና ሃናጺ ንኪኸውን: ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ እንመያየጠሉ ዘለና ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ኣምላኽ ነቶም ኣንጻር ተወከልቲ የሆዋ እተዛረቡን ብዛዕባ ማና ዘጕረምረሙን ሰባት: ብኣታቶም ከም ዘይተሓጐሰ ኣርእይዎም እዩ። (ዘሁልቍ 12:1-16፣ 21:5, 6) ንሽማግለታት ኣኽብሮት ምስ እነርእን በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ንዚወሃብ መንፈሳዊ ምግቢ ምስ እነማስወሉን: ካብዚ ኣብነታት እዚ ኸም እተመሃርና ኸነርኢ ንኽእል።—1 ጢሞ. 5:17
ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣብ እንዀነሉ እዋን ብዛዕባ ጠቓሚ ነገራት ምዝራብ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ እምብዛ ነቓፊ ምስ ዚኸውን: ተበግሶ ወሲድካ ነቲ ዝርርብ ናብ ሃናጺ ኣንፈት ቀይሮ።
እምበኣር: ንሰባት ክንምስክረሎም ከለና: ወይ ካብ መድረኽ ክንዛረብ ከለና: ወይ እውን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኽንዘራረብ ከለና: ካብ መዝገብ ልብና “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ” ምእንቲ ኺወጽእ ብምስትውዓል ንመላለስ።—ኤፌ. 4:29