ሃነጽቲ ኵኑ
1 ኣብዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ንነብር ስለ ዘሎና: ኵልና መተባብዒ የድልየና ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:1 ትሓዓ ) ጳውሎስ: ኣብቲ ግዜኡውን እዚ ከም ዘድሊ ኣዕሚቑ ብምግንዛብ: ኣብ ንሓድሕዶም ‘ንኽጸናንዑ’ ኣጋጣሚ ክዀኖ ምስ ኣሕዋቱ ሕብረት ይጥቀም ነበረ። ‘ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽ ንስዐብ’ ብምባል ንኣሕዋቱ ተማሕጸኖም። (ሮሜ. 1:11, 12፣ 14:19) እዚ ጻዕርታት እዚ ‘ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንምጽንናዕ: ኣብ እምነት ክጸንዑ [ንምትብባዕ ትሓዓ ]’ ሓጊዙ ኢዩ። (ግብ. 14:22) ሕጂ ከምዚ ዝዓይነቱ መተባብዒ ኣዝዩ ኢዩ ዘድልየና።
2 በቲ እንዛረቦ ንኻልኦት ሃነጽቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ብግቡእ እንተድኣ ተጠቒምናሉ ቃላትና “ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር” ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳ. 25:11) ኣብ ኣኼባታት ብምስታፍና: “ንሓድሕድና [ንተባባዕ ትሓዓ ]” ኢና ዘሎና። (እብ. 10:25) ተሞክሮ ከንነግር ከሎና: ናእዳ ክንህብ ከሎና ወይ ድማ መንፈሳዊ ነገራት ክንመያየጥ ከሎና: ልሳንና ብኣወንታዊ መገዲ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝዓይነቱ ጥዑይ ኣጠቓቕማ ናይ ልሳን “ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ” ኢዩ።—ኤፌ. 4:29
3 ብዛዕባ ሃነጽቲ ዝዀኑ ነገራት ተዛረቡ:- ኣብ ፊልጲ 4:8: ጳውሎስ ንዘረባና ዝኸውን ሓገዝቲ መምርሒታት ሂቡ ኣሎ። ንሱ ዝዀነ ይኹን ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ: ቅኑዕ: ንጹህ: ተፈታዊ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ: ገለ ውርዝውና: ከምኡውን ገለ ንእዶ ዘለዎ ነገር ክንሓሰብ ከም ዘሎና ኢዩ ዝበለ። እቲ እንብሎ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እንተድኣ ኰይኑ ሓቀኛን ጠቓምን ከም ዝኸውን ኵሉ ግዜ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 17:17) ክርስትያናዊ ተወፋይነትና: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እንምሃሮ: እቲ ኣገልግሎትና ብምሉእ እንፍጽመሉ ኣገባብ: ከምኡውን ከምዚኦም ዝበሉ ካልኦት ነገራት ኣዝዮም ዘገድሱ ኢዮም። ኣወንታዊ ዝርርባት ብዛዕባ ደረጃታትን ስርዓታትን ቃል ኣምላኽ ‘ንድሕነት ከለብመና’ ከም ዝኽእል ርግጽ ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:15) ነቲ በቶም ኣብታ ናይ የሆዋ ጽሪቲ ማሕበር ዘለዉ ዝርአ እዱብ ጠባይ ሞሳና ክንገልጽ ንኽእል ኢና። ነቲ ናይ ኣሕዋትና ፍቕራዊ ግብሪ ናይ ሕያውነት ኣዚና ነሞጕሶ ኢና። (ዮሃ. 13:34, 35) እቶም ኣብ ኣሕዋትና እንርእዮም ጽቡቕ ወረ ዘለዎም ነገራት: ናይ ክርስትያን ናይ እምነት ባህርያት: ሓጐስ: ሰላም: ከምኡውን ነዊሕ ተጻዋርነት ዘጠቓልሉ ኢዮም። ብዛዕባ እዞም ውርዝውናን ንእዶን ዘለዎም ነገራት እዚኣቶም ምዝራብ: ንኻልኦት ‘ንምህናጽ’ ጽቡቕ ኢዩ።—ሮሜ 15:2
4 ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ በቲ ዘጃጁ ናይ ዓለም ጭንቀታት ንጋጠም ኢና። ነዞም ነገራት እዚኣቶም ኣወጊንና ምስ ኣሕዋትና ፍቕራዊ ሕብረት ክህልወናስ ኣየ ክንደይ ዘሐድስ ኢዩ! እቲ ሓቢርና ከነሕልፎ እንኽእል ክቡር ግዜ ክንከናኸኖ ዝግብኣና ሃብቲ ኢዩ። ኵሉ ግዜ እነጸናንዕን ሃነጽትን እንተድኣ ኴንና: ካልኦት ብዛዕባና ብቕንዕና ‘ንመንፈሰይ ኣቕሲኖምዎ’ ክብሉ ኢዮም።—1 ቈረ. 16:18