ኣብ ኣገልግሎት ንሓድሕድና ንተሃናነጽ
1 ኵልና ነቲ “ብግቡእ ጊዜ እተዘረበ” ዜተባብዕ “ቃል” ነማስወሉ ኢና። (ምሳ. 25:11) ምስ ካልኦት ከነገልግል ከለና: ዝርርብና ዜተባብዕ ምዃኑ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧
2 ሃናጺ ዝርርብ:- ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ከለና: ኣብ ዝርርብና መንፈሳዊ ነገራት ምሕዋስ ኣዝዩ ሃናጺ እዩ። (መዝ. 37:30) ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ወይ ብዛዕባ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ዜተባብዕ ተመክሮ ኽንዘራረብ ንኽእል ኢና። (ግብ. 15:3) ካብ ናይ ብሕትና ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ እዋናዊ መጽሔታት: ወይ ካብ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ዘዋህለልናዮ ኣገዳሲ ነጥብታት ኣሎዶ፧ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝቐረበ ህዝባዊ መደረ ብዛዕባ ዝሰማዕናዮ ነጥብታት ክንዘራረብ ንኽእል ኢና።
3 ሓደ ብዓል ቤት ክንሰግሮ ዘይንኽእል ተቓውሞ ምስ ዜልዕለልና ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። ካብቲ ቤት ምስ ረሓቕና: ኣብ መጻኢ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዜጋጥመና ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ: ምናልባት መጽሓፍ ሪዝኒን ተወኪስና: ምዝርራብ ጠቓሚ እዩ። ንኣቀራርባ እቲ መገላግልትና ብገለ መዳዩ እንተ ደኣ ኣድኒቕናዮ: ናይ ሓቂ ናእዳ ብምሃብ ከነተባብዖ ንኽእል ኢና።
4 ተበግሶ ውሰድ:- ኣብታ እንካፈለላ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ምስኦም ኣገልጊልና ዘይንፈልጥ ኣባላት ኣለዉዶ፧ ምሳና ኼገልግሉ ምስ እንዕድሞም: ‘ንሓድሕድና ኽንጸናናዕ’ ዜኽእለና ኣጋጣሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 1:12) ስሩዓት ወይ ሓገዝቲ ፈለምቲ: ብፍላይ ኣብቲ ውሑዳት ኣስፋሕቲ ኣገልግሎት ዚወፍርሉ ወጋሕታን ኣጋ ምሸትን ኣብ ዘሎ ሰዓታት ምስኦም ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ ኺረኽቡ ኸለዉ ይሕጐሱ እዮም። ኣብዚ ሰዓታት እዚ ምስኦም ከነገልግል ፍቓደኛታት ብምዃን ክንድግፎም ንኽእል ኢና። ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና ኣብ ኣገልግሎት ኪገብሮ ዚኽእል ተሳትፎ እተደረቶ ኣስፋሒ ኣሎዶ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣስፋሒ ምናልባት ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜሰንየና ምግባር ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ምሳ. 27:17
5 ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ: ምንኣድን ሞሳኻ ምግላጽን ኵሉ ግዜ ዜተባብዕ እዩ። ‘ንሓድሕድና ኽንተሃናነጽ’ ስለ እንደሊ: ምስ ካልኦት ኣብ እነገልግለሉ እዋን: ነዚ ኽንርስዖ የብልናን።—1 ተሰ. 5:11