ኣብ ኣገልግሎት ንፉዕ ደጋፊ ኹን
1. ኣብ ኣገልግሎት ምስ ካልኣይካ ዄንካ ምግልጋል እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧
1 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ “በብኽልተ ገይሩ” ኺሰብኩ ለኣኾም። (ሉቃ. 10:1) እዚ ኣሰራርዓ እዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሰብኩ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ንኺተሓጋገዙን ንኺተባብዑን ከም ዘኽኣሎም ኣየጠራጥርን እዩ። ምስ ካልእ ኣስፋሒ ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ ከለና፡ ብኸመይ ኢና ሓገዝቲ ኽንከውን እንኽእል፧
2. ብጻይና ኺምስክር ከሎ፡ ብኸመይ ኢና ኽንሰምዕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
2 ብምስማዕ፦ ብጻይካ ኺምስክር ከሎ፡ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። (ያእ. 1:19) ጥቕሲ ኣብ ዚንበበሉ እዋን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ተኸታተል። ብጻይካ ወይ እቲ ብዓል ቤት ኪዛረብ ከሎ፡ ናብቲ ዚዛረብ ዘሎ ጠምት። ነቲ ዝርርብ ብኣቓልቦ እንተ ተኸታቲልካ፡ እዚ ተግባርካ ነቲ ብዓል ቤት ከምኡ ንኺገብር ኬተባብዖ ይኽእል እዩ።
3. ብጻይና ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚታት እዩ ኽንዛረብ ኪደልየና ዚኽእል፧
3 መዓስ ከም እትዛረብ ብምስትውዓል፦ ምስ ሓደ መእተዊ ዜቕርብ ዘሎ ኣስፋሒ ኣብ እንዀነሉ እዋን፡ ንዕኡ ቐዳምነት ብምሃብ ኣኽብሮትና ነርኢ ኢና። (ሮሜ 12:10) ክንኰልፎ የብልናን። ሓሲብዎ ዝነበረ እንተ ጠፊእዎ፡ ወይ እቲ ብዓል ቤት ተቓውሞ ወይ ሕቶ ምስ ዜልዕል እሞ ብጻይና ሓገዝ እንተ ደልዩ፡ ነቲ ጕዳይ ብሓድሽ መልክዕ ኣብ ክንዲ እንጅምሮ፡ ነቲ ብጻይና ዝጀመሮ ሓሳብ መመላእታ ዚኸውን ነጥብታት ኢና እነቕርብ። (ምሳ. 16:23፣ መክ. 3:1, 7) ክንዛረብ ከለና፡ ነቲ ዚወሃብ ዘሎ ምስክርነት ኣበርክቶ ኽንገብር ኣሎና።—1 ቈረ. 14:8።
4. ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስን ኣሳልጦን ንኽንረክብ ኣበርክቶ ዚገብር እንታይ እዩ፧
4 እቶም በብኽልተ እተላእኩ 70 ደቀ መዛሙርቲ ስብከቶም ምስ ዛዘሙ፡ “ብሓጐስ ተመልሱ።” (ሉቃ. 10:17) ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎት ንሰምዕ እንተ ዄንና፡ መዓስ ከም እንዛረብን መዓስ ንመገላግልትና ኸም እንሕግዝን ከኣ እንተ ኣስተውዒልና፡ ሓጐስን ኣሳልጦን ክንረክብ ኢና።